ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፳፻፲፫(2021) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽተ ቡራኬ
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኹም ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚአብሔርን ኣብ ምክልኻል ሃገረን ምክልኻል ሕማማ ኮርና ተዋፊርኩም ዘለኹም ኣባላት ሠራዊትን ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ማየ ጸሎታትን ሆስፒታላትን እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሡራትን...