ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፳፻፲፫(2021) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽተ ቡራኬ

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለኹም ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚአብሔርን ኣብ ምክልኻል ሃገረን ምክልኻል ሕማማ ኮርና ተዋፊርኩም ዘለኹም  ኣባላት ሠራዊትን ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ማየ ጸሎታትን ሆስፒታላትን እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሡራትን ኣንኳዕ  ናብዚ ክቡር በዓል ትንሣኤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን ። ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ‘’ይትነሣእ እግዚአብሔር  ወይዘረዉ  ፀሩ ውይጒየዩ ጸላእቱ እምቅድመ ገጹ ፥ ከመ የኅልቅ ጢስ ከማሁ የኅልቁ  ወከመ ይተመሰው ሰምዕ እምቅድመ ገጸ እሳት ከማሁ ይትሀጐሉ ኃጥኣን እምቅድመ ገጹ ለእግዚአብሔር ( መዝ ፷፯ 68) ‘’ እግዚአብሔር ይትንሥእ ጸላእቱ  ፋሕ ይብሉ እቶም ዝጸልእዎ ከኣ ካብ ገጹ ይሃድሙ ትኪ ከም ዝብተን ከምኡ ይብትኖም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከም ዝመክኽ ከምኡ’ውን ሓጥኣን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይጠፍኡ’’  ይብለና ። እዚ ትንቢት እዚ ዘረድእና ዲያብሎስ ተሳዒሩ ዝተኣስረሉ፥ ኣዳም ነጻ ወጺኡ ፍጹም ሓጐስን ደስታን ዝተጓነጸፈሉ፥  ሲኦል ዘእወየትሉን ፡ ገነተ ትፍስሕት ዝተኸፍተትሉን ኣዳምን ዘርኡን  ክብሪ ዝረኸብሉን ዘይነጽፍ  ፈልፋሊ  መንፈሰ  ሕይወት  ሰላም ክርስቶስ ዚተኣወጀሉ፥ ክቡር  በዓል እዩ ።

ስለዝኾነ ድማ እዩ ቅድስት ቤተክርስቲያንና በብዓመቱ ‘’ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን በዓቢይ ኃይል  ወሥልጣን ኣሠሮ ለሰይጣን ኣግዓዞ ለኣዳም ሰላም እምይእዜሰ ይኩን ፍስሐ ወሰላም እናበለት ናይ ሓጐስን ሰላምን ብሥራት ብዓውታ ድምጻ እተስምዕ። ኲሉ ዝከኣሎ መስፍን ሰላም መድሃኔዓለም ክርስቶስ ንሃገርና ንጐሮብባትናን ንምላእ ዓለምን ሰላሙን ምሕረቱን ከውርደልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና እናበልና ንልምምን ንጽልን።

ክቡራን ሕዝበ እግዚአብሔር ናይ ሎም ዘመን ኣከባብራ በዓለ ትንሣኤ ካብ ናይ ዓሚ ፍሉይ ዝገብሮ ሕማም ኮርና ኣብ ሃገርና ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ መንግስቲ ንድሕነት ሕዝቡ ኪብል ምትእኽኻብ ንምጉዳል  ንዘውጸኦ መምርሒ መሠረት ዝገበረ ኣፍደገ ቤተክርስቲያን ከይተዓጽወ ኣገልግሎት ከይተባተኸ ብውሱን ቁጽሪ ኣገልገልትን ተገልገልትን ኪፍጸም ዝጽነሐ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ብምፍዃስ ፥ ቤተክርስቲያን ንኹሉ ኣማኒ ርሕው ኮይኑ ሕዝቢ መንፈሳዊ  ኣገልግሎት ኪረክብ ኣብ ዋዜማ ሆሳዕና ዝሃቦ መመሓየሺ መምርሒ ብመራኸቢ ብዙሓን ምስተመሓላለፈ  ሕዝቢ ዓቢ ሓጐስ ከምዝተሰመዖን ንእግዚአብሔርን ንመንግስቱን ከምዘመስገነ ከይጠቐስናዮ ኣይንሓልፍን ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ብመንግስቲ  ዝወጹ  መምርሕታት ኮሮና  ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ከከም መምርሒ ናይቲ ዝነብርሉ ሃገር ጥንቃቐ እናገበሩ ቤተክርስቲያን ከይደፈኑ ብትግሃት ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ዝጸንሑ ሥዩማን ካህናትን ዲያቆናትን መራሕቲ መንፈሳውያን ኣብያተ ጽሕፈትን ከምኡውን ምእመናን ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዘርኣይዎ ትዕግስቲ  ቅዱስ ሲኖዶስ ምስጋናኡ የቕርብ ።

ተገይሩ ዘሎ ናይ ቤተክርቲያን ፍታሕ ለበዳ ሕማም ኮሮና ጠፊኡ ማለት ስለዘይኮነ እግዚአብሔር ብዓይነ ምሕረቱ ጠሚቱ እዚ ሕማም እዚ ካብ ገጽ ምድሪ ክሳብ ዘጥፍኣልና  ኣብ ቤተክርስቲያን ይኹን  ካብ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ኣብ  እንገብሮ ምትእኽኻብ ንገዛእ ርእስናን ስድራ-ቤትናን ክንብል መምርሕታት ሚኒስትሪ ጥዕናን ቅዱስ ሲኖዶስን ብምኽታል ጥንቃቐ ክንገብር  ቤተክርስቲያን ደጊማ ተማሕጽን።

በዚ ኣጋጣሚ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያንና እተመሓላልፎ መልኽቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘለዎ ል ዑላዌ ሥልጣን ሕግን መምርሕን  ቤተክርስቲያን ብምኽታል  5ይ ፓትርያሪክ  ቀቢኡ ኪሸይም ምድላዋት ይገብር ስለዘሎ ኲልኹም ገዳማውያን ውሉደክህነትን፡ ምእመናንን መንእሰያትን  እዚ ተታሒዙ ዘሎ ዓቢይ ውጥን እግዚአብሔር ኣብ ፍጻሜ ከብጽሓልና ብጸሎት ክትድግፉ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣባታዊ መልእኽቱ የመሓላልፍ  ።

ኣብ መደምደምታ ፥ እግዚአብሔር ኣምላክ ሰላሙ ኬብዝሓልና ሓድነትና ኬጸንዓልና ብዓቢኡ ርስቲ መንግስተ ሰማያት ክንወርስ ትእዛዛተ እግዚአብሔር ክንፍጽምን ሃይማኖትናን ወለድናን ዘውረሱና መንፈሳዊ ክብርታት ብምዕቃብ ንዝሓመሙ ብምጻሕ ንዝዓረቑ ብምልባስ ብሓፈሻ ዘለዎ ንዘይብሉ ብምምቃል በዓልና ብሓባርን ብሓጐስን ከነብዕል ቅድስት ቤተክርስቲያን ተዘኻኽር።

ቡሩኽ በዓለ ትንሣኤ ይግበረልና ።

እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ

፳፬ ሚያዝያ ፳፻፲፫( 02/05/2021)

ኣቡን ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር

ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ