መኸተ ከም ባህልን ክብሪን

ህዝቢ ኤርትራ፡ ተጻባኢ ባህርይ ዘይብሉ፡ ዘይናቱ ዘይደሊ ጭዋ ህዝቢ’ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ዓይኒ ዝስሕብ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣኡን ጸጋታቱን፡ ብዓቢኡ ግን ብዘይምኽኑይን ዘይሕጋውን ሸውሃት ናይ ቀረባን ርሑቕን ገበትቲ፡ ህላወኡ ንምርግጋጽ – ኢዱ ከይሃበ ንዘመናት ኣብ ቀጻሊ መኸተ...

ብልጽግና’፡ ኣሳፊሕካ ሞት፡ ተዀርሚኻ ሞት

እቲ ነገር ገና’ዩ ዘሎ። ትግራይ ዝተሓወሶ ኲናት ካብ ዝጅምር ወርሒ’ኳ ኣይመልአን። ኣንፈቱ ግን ድሮ ይቀላቐል ኣሎ። ውጥን “ብልጽግናን” ጐይተቱን፣ ቅድም ኣምሓራን ትግራይን ስዒርካ ምንብርካኽ፣ ደሓር ዓሰብ ምሓዝን ኤርትራ ከም ሃገር ምጥፋእን ኢዩ ኔሩ። ፋኖ...

ዓንደርቲ ናብ ጥፍኣት፡ ደለይቲ ሰላም ናብ ልምዓት

“ክኸውን’ዩ፡ ከመይ ዘይኸውን!” እትብል ደርፊ ዘይሰምዐ ኣይህልወናን ይኸውን። ኣብቲ፡ “ኣይከውንን’ዩ! ኦሮማይ! ጠፋእኩም! ኣንጻርኩም እልቢ ብረትን ሰብን ተጓሪቱ’ሎ፡. . .” ዝተባህለሉ እዋን’ዩ ከምኡ ዝበልና። ኣብ ድቕድቕ ጸላም ጩራ ብርሃን ክርኢ ዝኽእል እምነት ኣብ ዕላማን ቅኑዕነት...

ሓሳውን ቈርበትን እናሓደረ ይፈኵስ!ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝተዛረቦ

ሰብ ምሉእ ሰብ ዝገብሮ፡ ኣብ እምነቱ፡ መርገጺኡን ክብረቱን ጸኒዑ ክነብር ከሎ’ዩ። መርገጺኦምን እምነቶምን ምስ ዝነፈሰ ንፋስን ምስ ዝተፈጥረ ኩነታትን – ከም ወቕትን ዓውደ-ኣዋርሕን ዝለዋወጥ ሰባት፡ ኣዝዮም ሓደገኛታት’ዮም። ብምቾት፡ ህቡብነት፡ ግላዊ ረብሓን ካልእን ብቐሊሉ ስለዝሰድዑ፡...

“ዘይቀደሙ’ውን መጻጽ’ያ ነይራ” በለት ወኻርያ!

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ወኻርያ ዝከኣላ ኩሉ ፈቲና ምርካብ ንዝሰኣነታ ፍረ፡ “ዘይቀደሙ’ውን መጻጽ’ያ ነይራ” በለት! ዝብል ብሂል ወይ ምስላ’ሎ። እዚ ረዚን ትርጉም ዘለዎ ኣበሃህላ፡ ኣላሽ ዝበለን ተስፋ ዝቘረጸን ንዝዛረቦ ዝውክል’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሰልፊ ብልጽግና ኣብ’ቲ ብ19...