ሚኒስትሪ ፍትሒ ፡ “ሕግን ህንጸት ሃገርን” ብዝብል ቴማ ዝወደቦ ‘ቅነ ሕጊ’፡ ተዛዚሙ

ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ “ሕግን ህንጸት ሃገርን” ብዝብል ቴማ ካብ 6 ታሕሳስ ከካይዶ ዝቐነየ ዝተፈላለየ መደባት ዘጠቓልል ‘ቅነ ሕጊ’፡ ሎሚ 11 ታሕሳስ ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ብዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተዛዚሙ። ኣብ’ዚ ንሰሙን መመላእታ ዝቐጸለ ቅነ፡ “ኤርትራን ኣህጉራዊ ሕግን”፡ “ምእዋጅ መሰረታዊ ሕግታት”፡...