ሚኒስትሪ ፍትሒ ፡ “ሕግን ህንጸት ሃገርን” ብዝብል ቴማ ዝወደቦ ‘ቅነ ሕጊ’፡ ተዛዚሙ

ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ “ሕግን ህንጸት ሃገርን” ብዝብል ቴማ ካብ 6 ታሕሳስ ከካይዶ ዝቐነየ ዝተፈላለየ መደባት ዘጠቓልል ‘ቅነ ሕጊ’፡ ሎሚ 11 ታሕሳስ ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ማእከል ብዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተዛዚሙ።

ኣብ’ዚ ንሰሙን መመላእታ ዝቐጸለ ቅነ፡ “ኤርትራን ኣህጉራዊ ሕግን”፡ “ምእዋጅ መሰረታዊ ሕግታት”፡ “ምንዳፍን ምጥርናፍን ሕግታት”፡ “መስርሕ ምንዳፍ፡ ምጥርናፍን ምውህሃድን ሕግታት”፡ “መደባት ምስፋሕ ኣፍልጦ ሕጊ”፡ “መስርሕ ትግባረ መሰረታውያን ሕግታት”ን “ቴክኖሎጅን ኣገልግሎት ፍትሕን” ዘጠቓልል ሰሚናራትን ዓውድታት መጽናዕትን ብሞያውያንን ክኢላታትን ተኻዪዱ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ወጻኢ ናብ ዝቕመጡ ዜጋታት ዝቐንዐ መደብ ኣፍልጦ ሕጊ ብማንዛ፣ ኣብ ሽዱሽተአን ዞባታት ሃገርና ዝወሃብ ነጻ ኣገልግሎት ደገፍ ሕጊ፣ ምብራኽ ንቕሓት ተመሃሮ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ መደብ፣ ስእላውን ንዋታውን ምርኢት፣ ከምኡ’ውን ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠትን መደብ ምግራብን ቀሪቡ።

ዕላማ ናይ’ዚ ‘ቅነ ሕጊ’፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝወጹን ብተሳታፍነት ህዝቢ ክምስርሑ ዝጸንሑን፡ ሕላገት ክብርታት፡ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ መሰረታውያን ሕግታት፡ ካብ ህዝቢ መልሰ-ዕንጋለ ንምርካብ’ዩ ነይሩ።