ታሪኽናን ራእይናን ዘድምቕ ጽምብል!
ህዝቢ ኤርትራ፡ ንብሩራዊ እዮቤልዩ ዕለተ-ናጽነቱ፡ ከም ወትሩ፡ ብዕዙዝ ሱታፌኡ፡ ንመዘና ኣልቦ ሃገራዊ ፍቕሩ ብዘንጸባርቕ ውዕውዕ ስምዒት፡ ብትስፉውን ፍሱህን መንፈስ፡ ብዝበለጸ ባህላዊን ስነጥበባዊን መሰናድኦታት ይጽምብላ ኣሎ።
ኣብዚ ምዕሩግ ጽምብል’ዚ፡ ንቅያታት ሓርነታዊ ቃልስና፡ ዘሐብን ባህልና፡ ክብርታትናን ኣነባብራናን፡ ሃገራዊ ስኒትናን ሓድነትናን፡ ዘይጽዓድ መኸተና፡ ከምኡ’ውን ንጻዕርና፡ ባህግናን ሃገራዊ ራእይናን ዘጉልሑ፡ ዝተፈላለዩ ስነጥበባዊ ስርሓት፡ ናይ መድረኽ ድራማታት፡ ናይ ጎደና ምርኢታት፡ ሰነዳዊ ፊልምታት፡ ባህላዊ ጸወታታትን ትልሂታትን፡ ቁሸታት ገድሊ፡ ስእላዊ፡ ቅብኣዊን ቅርጻዊን ምርኢታት፡ ፍሉይ መደባት መራኸቢ ብዙሓንን ካልኦት መሰናድኦታትን ቀሪቦም፡ ህዝቢ ብልዑል ባህታን ፍስሃን ይዕዘቦም ኣሎ። ኣብ ኩሉ ምምሕዳራትን ሓያሎ ትካላትን ድማ፡ ተቐማጦ ሓደ ከባቢ ይኹን ሰራሕተኛታት ኣብ ዕለተ ናጽነቶም፡ ስኒቶምን ፍቕሮምን ብዘንጸባርቕ መንፈስ፡ ብሓባር ክጻወቱን ክድሰቱን ህዝባዊ ዳሳት ኣዳልዮም ይርከቡ። ኣብዚ ጽምብል’ዚ ንምስታፍ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝነገዱ ኣሽሓት ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ካብ 12 ሃገራት ዝመጹ (ንዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለማትን ባህልታትን ዝውክሉ) ጉጅለታት ባህሊ፡ ንድሙቕ በዓልና ተወሳኺ ድምቀት ሂቦምዎሞ ኣለው።
ብዘይካ’ዚ፡ ብኣጋጣሚ ናይዚ ክቡር ጽምብል፡ ካብቲ ተጻሒፉን ተጸውዩን ዘይውዳእ ውዕሎታት ሓርነታዊ ተጋድሎና፡ ካብ ሪቕ ብሕፍንቲ፡ ወከልቲ ዛንታታት ዝሓቘፉ፡ ሰለስተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ተሰናዲኦም ኣለው። ኩሉ’ዚ ባህላዊን ስነጥበባዊን መሰናድኦታት፡ ኣብ ምስናድ ሕሉፍ ታሪኽ፡ ኣብ ምጉላሕ ራእይ ህዝቢን ሃገርን፡ ኣብ ምስግጋር’ቲ ሕላገትና ዝኾነ ያታን ክብርታትን፡ ዘለዎ ግደ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።
መዓልቲ ሃገራዊ ናጽነት፡ ኣብ ኩሎም ህዝብታት ብምዕሩግ ስነ-ስርዓት ክጽምበል ባህርያውን ንቡርን እዩ። 24 ግንቦት ዕለተ-ናጽነት ኤርትራ ግዳ፡ ሕልፊ ኣለዋ። ተኣምራታዊ ታሪኽን መንነታዊ ሓበንን ዘመንጨዎ ፍሉይ ድምቀት። ኣብቲ መዘና ኣልቦ ቅያን ጅግንነትን ኤርትራውያን ዝተመስከረሉ፡ ነዊሕን ጽንኩርን ገድሊ ንናጽነት ኮነ መኸተ ንምዕቃብ ናጽነት፡ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት ብህይወትን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲን ሞባእ ከፊላ እያ። ዕለተ-ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ፍልይቲን ዕዝዝቲን ዝገብራ ምኽንያት ከኣ፡ መላእ ህዝቢ መዳርግቲ ኣልቦ ስቓይን ምረትን ጸይሩ፡ ረዚን ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጻ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብጅግንነቱን እምብዛ ዘዂርዕ ወተሃደራዊ ዓወቱን ከይተነየተ፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ኣሚኑ፡ ህዝባዊ ረፈረንዱም ኣካዪዱ፡ ብነጎድጓዳዊ ድምጹ ዝጨበጣ፡ መላእ ህዝቢ ሓቢሩ ዝተቓለሰላ ናጽነት ብምዃና እዩ። ሓያል ህዝባዊ ስምዒትን ታሪኻዊ ሓበንን ዝሰረቱ ሃገራዊ ጽምብል ድማ፡ ዓመት መጸ፡ መመሊሱ እናደመቐን እናማዕረገን ኪኸይድ ግድን እዩ።
ምስጋና ነቶም ብሞያኦምን ክእለቶምን ነዛ ክብርቲ ዕለት ንምድማቕ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለው ዜጋታት! ሞጎስ ነቲ ጽምብል ናጽነቱ ናብ እምብዛ ተባሃጊ ህዝባዊ ኣውደ-ኣመት ቀይርዎ ዝርከብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን! ክብሪ ነቶም ሃገራዊ ጽምብሎም ከድምቑ ካብ ወጻኢ ሃገር ብብዝሒ ዝነገዱ፡ ከምኡ’ውን ተሳተፍቲ በዓልና ዝኾኑ ወጻእተኛታት! ዮሃና ኣብ ውሽጢን ወጻኢን እትርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ!