ምዅላዕ ክብርታት ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ መንነት

መግለጺ መንነትናን ባህሊ ጀጋኑናን፡ ፍቕሪ ሃገር’ዩ። ቅድሚ ውልቃውነት፡ ረብሓ ሃገርን ህዝቢን ዘቐድም፡ ስስዐን ርእሰ ፍትወትን ዘይብሉ ንጹህ ፍቕሪ። ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ባርነት ደርብዩ ሰብኣዊ ክብረቱ ክጓናጸፍ ዝኸኣለ፡ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ዘለዎም ኣእላፍ ጀጋኑ ከፍሪ ስለ...