ሌላ ምስ ቱሪዝማዊ ጸጋታት ዞባ ደቡብ
ሃገርና ኤርትራ ብባህላውን ባህርያውን ውርሻታት፡ ኣብ ዞባናን ኣህጉርናን ምስተን ብቐዳምነት ዝጽውዓ ሃገራት እያ። ናይ ሎሚ ዓምዲ ‘ኩርናዕ ቱሪዝም’ እምበኣር፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ናይ ዝርከቡ ጸጋታት ቱሪዝም ዘላሊ ጽሑፍ ከአንግድ እዩ።
ባህላዊ ጸጋታት
ዞባ ደቡብ ሰለስተ ብሄራት (ትግርኛ፡ ሳሆን ትግረን) ብፍቕሪን ስኒትን ዝነብሩላ ዞባ ብምዃና፡ ቅርዓት ባህላዊ ብዙሕነትን ሓድነትን‘ያ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ዞባ ደቡብ ዝካየድ ያታዊ ጽምብል ኣቡነ-ኣንበስ ከም ንኡስ ፈስቲቫል ክጥቀስ ዝክኣል ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ሓደ ካብ ቀንዲ ንጥፈታት ዘቤታዊ ቱሪዝም ክኸውን ሰፊሕ ዕድል ዘለዎ ባህላዊ ጽምብል እዩ። ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ብሄራትና ከም ኩለን ብሄራትና ኣብ መነባብሮ፡ ጽምብላትን ትልሂትን ኣስተማቒርካ ዘይጽገቡ ዝተፈላለዩ ጥበባትን መሃዝነትን ዝውንና ብሄራት እየን። ገለ ኣብነት ንምጥቀስ፡ ምድላው ባህላዊ መግቢታትን መስተታትን፡ ብወጻእተኛታት ከይተረፈ ተሃራፊ ዝኾነ ወግዒ ቡን፡ መሃዝነት ያታዊ መሳርሒ ሙዚቃ (ዋጣ፡ እምብልታ፡ መለኸት፡ ክራር ….ወዘተ) ክጥቀሱ ይኽእሉ። ነዞም ባህላዊ ጸጋታት ከረጋግጽን ከጽንዕን ዝደሊ በጻሒ ኣብ ሃገራውን ዞባውን ዝካየድ ጽምብላት ብኣካል ክሳተፍን ከስተማቕርን ይኽእል።
ጥንታዊ ጽሑፋትን ውቕሮታትን ኣኻውሕ
ከም ዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ጥንታዊ ቅርስታት ብጻዕቂ ዝርከቦ ከባቢ፡ ዞባ ደቡብ እዩ። ናይ’ዚ መርኣያ ከኣ ምስሎም ከየህሰሱ፡ ጥንታውነቶም ዓቂቦም ዝቕጽሉ ዘለዉ ቅርስታትን ኣሰራትን ምስክር ስልጡን ጥንታዊ ሕብረተ-ሰብ ሃገርና እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ በዓቲ ቅብኣን ውቕሮን ምስ እነተኩር፡ ኣብ ንሓድሕዱ ዝተፈላለየ ዓይነት ምስልታትን ትሕዝቶን ዘለዎም ኮይኖም፡ ንማሕበራዊ ኣነባብራን ቅዲ-ህይወትን ሕሉፍ ወለዶታት ብስእላዊ መልክዕ ሓበሬታ ይህቡና። ንታሪኻዊ መቦቆልናን መንነትናን ዝገልጹ ውርሻታት ወለዶታትና ብምዃኖም ድማ፡ ምብጻሕ ጥራይ ዘይኮነ ምምልላስ ዘድልዮም ቅርስታት እዮም። እዞም ናይ ኣኻውሕ ስእልታትን ጽሑፋትን ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ሕሽመለ፡ ዝባን-ኣብዑር፡ ዝባን ከበሳ፡ ኢያጎ፡ ዓዲ-ዓለውቲ፡ ሕሉም-ባሪቶ፡ ዓዲ-ቓንጻደ፡ ከባቢ ቆሓይቶ … ይርከቡ። ኣብዞም ዝተጠቕሱ ቦታታት እንረኽቦም ጥንታውያን ናይ በዓቲ ውቕሮታት፡ ምስልታት ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ዘቤትን ዘገዳምን፡ ሰባት፡ መሳርሒ ሃድናት፡ሓውሲ ጽሑፋትን ጆኦመትሪካዊ ቅርጺ ዘለዎም ሕንጻጻትን… የጠቓልሉ።
ደዓሩ ሰገነይቲ
መስመር ኣስመራ-ሰንዓፈ ሒዝካ ኣስታት 62 ኪ.ሜ. ተጓዒዝካ ከተማ ሰገነይቲ ምስ በጻሕካ፡ ንወገን ምብራቕ 2 ኪ.ሜ. ተጓዒዝካ፡ ኣብ ከባቢታት ደግራን ዓዲ-ኣንገፎምን ካብ 200-400 ዕድመ ዘለዎም ክሳብ 400 ዝበጽሑ ዓበይትን ንኣሽቱን ደዓሩ ኣብ 6 ትርብዒት ኪ.ሜ. ጓዕፈርፈር ኢሎም ክጸንሑኻ እዮም። ከም መርኣያ ናይዚ ቱሪዝማዊ ጽባቐ ድማ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 5 ናቕፋ ባጤራ ሃገርና፡ ንሓንቲ ካብዘን ምዕሩጋት ደዓሩ ዘቐመጠ። ዳዕሮ ሓጻሮ (ዳዕሮ ሓሙሽተ) ካብ ቅድም ኣትሒዞም ዓበይቲ ዓዲ ናይ’ዚ ከባቢ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ጸንዓ-ደግለ ጉዳያቶም ዝዛተዩላ ዝነበሩ ዳዕሮ እያ። ብሕጽራ ድማ’ያ ዳዕሮ ሓጻሮ ተባሂላ።
ቆሓይቶ
ቆሓይቶ ዝብል ቃል ብቋንቋ ሳሆ ኮይኑ፡ ከውሒ ንምባል ይውክል። እዛ ካብ ኣስመራ 121 ኪ.ሜ.፡ ካብ ዓዲ ቐይሕ ድማ ኣስታት 11 ኪሜ ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ-ነበር፡ ስልጥንቲ ጥንታዊት ናይ ንግዲ ከተማ ከም ዝነበረት ኣሰራታ ይምስክሩ። ቆሓይቶ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብመንገዲ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ናብ ኣኽሱም ኣብ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ጥንታዊ መስመር ንግዲ፡ ቀንዲ መሰጋገሪትን መዕረፊትን ምንባራ ዘተፈላለዩ መጽናዕትታት የነጽሩ።
ገለ ካብቶም ኣብዛ ጥንታዊት ቅርሲ ጎሊሖም ዝራኣዩ ጥንታውያን ኣሰራት፡ ዝዓነዉ ኣባይቲ፣ ገዳም ማሪያም ዋኪኖን፣ ዲጋ ሳፊራን ክጥቀሱ ይኽእሉ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመታት ዝገበረት ዲጋ ሳፊራ፡ ኣብ ግዜኣ ጸገም ዋሕዲ ማይ ንምፍዋስ ተባሂላ ዝተሃንጸት ኮይና፡ ክሳብ ሎሚ ንተቐማጦ ናይቲ ከባቢ ኣብ ምግልጋል ትርከብ።
ኣብ’ዛ ጥንታዊት ከተማ፡ ዝተዘርግሑ ኣዕኑድን ሓወልትታትን ከምኡ‘ውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓቢ ከውሒ ‘መቓብር ግብጺ’ ዝበሃል ጥንታዊ ቅርሲ እውን ኣሎ። ዝነቐጹ (mummified) ሬሳታት ሰባት ከም ዝነበረ፡ እንተኾነ ግን ብባዕዳውያን ገዛእቲ ከም ዝተዘምተ‘ውን ይዝንቶ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ በዓትታት ቆሓይቶ፡ ዝተወቕሩን ዝተሳእሉን ምስልታት ሰባት፡ እንስሳታት፡ መሳርሒታት ሃድንን ዝተራቐቐ (Abstract) ምስልታትን ምዕዛብ ይክኣል።
ጥንታዊት ቦታ ቆሓይቶ፡ ሓንቲ ካብተን ዝሰፍሓን ዝጠንተዋን ቅርሲታት ኣፍሪቃ ኮይና፡ ብስፍሓታን ሓቚፋቶ ብእትርከብ ባህርያውን ቅርሳውን ትሕዝቶን፡ ኣብ ቀረባ ጊዜ፡ ድሕሪ ታሪኻውያን ህንጻታት ኣስመራ ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ዩኔስኮ ንኽትምዝገብ ዝጸዓረላ ዘሎ ጥንታዊት ቦታ እያ።
ታሪኻዊ ቦታ ሕሽመለ
ኣብ ዓዲ-ቀይሕ (ዞባ ደቡብ) ዝተደኮነ ታሪኻዊ ቦታ ሕሽመለ፡ ምስሊ ታሪኻዊ ገዛከምኡእውንናይበዓቲቅብኣ- ማለት ብቀይሕ ሕብሪ ዝተቐብአ ምስሊ ሰብን ጥሪትን ብጸሊም ሕብሪ ዝተቐብአ ምስሊ ገዚፍ እንስሳን ይርከብ።
ተኾንዳዕ
ታሪኻዊት ቦታ ተኾንዳዕ፡ ኣብ ቀንዲ መስመር ጽርግያ ዓዲ-ቀይሕን ሰንዓፈን ብምህላዋ ንዘቤታውን ኣህጉራውን ቱሪዝም ምችእቲ እያ። ካብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ5ኪ.ሜርሒቓኣብዓሚቚ ለጥላጥ ቦታ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ ተኾንዳዕ ብገምጋም ካብ 500-400 ቅ.ል.ክ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተመስረተት ታሪኻዊት ቦታ እያ።
ተኾንዳዕ ዝተፈላለዩ ጥንታዊ ቅርሲታት ከም ናይ በዓቲ ስእልታትን ጽሑፋትን፡ ዝተተኽሉን ዝወደቑን ናይ እምኒ ሓወልቲ፡ ካብ እምኒ ብውሕሉል ጥበብ ዝተቘርጹ ናይ ሰብ-መሰል ሽከና ርእሲ፡ ገዛውቲ፡ መቓብር፡ ዓታሩን ካልእን ዝኣመሰሉ ኣሰራት ዝሓቘፈት ቦታ እያ።
ከስከሰ
ኣብ መስመር ኣስመራ-ሰንዓፈ ኣብ መበል 125 ኪ.ሜ. እትርከብ ከስከሰ፡ ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ጥንታውያን ቦታታት ኤርትራ እያ። ከስከሰ ኣብ ኣስታት 11 ትርብዒት ኪ.ሜ. ስፍሓት ዘለዎ ንሕርሻ ምቹእ ኣብ ዝኾነ ብሰንሰለታዊ ጎቦታት ዝተኸበ ሓውሲ ስንጭሮ ከባቢ ተደኲና ትርከብ። ኣሰራት ናይዛ ጥንታዊት ስፍራ፡ ኣዝዮም ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ኣስታት 10 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ዝወደቐ ሓወልቲ፡ 5 ዝተሳባበሩ ዓበይቲ ኣዕኑድ-መሰል ጽሩባት ኣእማን፡ ፍርስራስ መናድቕ ናይ ዓበይትን ንኣሽቱን ገዛውቲ፡ መቓብርን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስርሓት ካይላ፡ ካብ እምኒ፡ ኣስራዝን ዑንቊን ዝተሰርሑ መሳርሒታትን መጋያየጺ ኣቕሑትን … ይርከቡ።
መጠራ
በለው-ከለው ብዝብል ቅጽል እትፍለጥ ታሪኻዊት ቦታ መጠራ፡ ካብ ኣስመራ ንደቡብ 136 ኪ.ሜ. ካብ ከተማ ሰንዓፈ ንደቡባዊ ምብራቕ ድማ ሓደ ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ቦታ እያ።
መጠራ ኣብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ. ዝተመስረተት ጥንታዊት ከተማ ኮይና፡ ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዛ ክሳብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ. ኣብ ዝነበረ ንግዳዊ መስመር ንግስነት ኣኽሱም ቀንዲ ተዋሳኢት ምንባራ ይግለጽ። ስልጣነ መጠራን ከባቢኣን ኣብ ንግድን ሕርሻን ዝተመርኮሰ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ብፍላይ ምስ ኣዱሊስ፡ ከስከሰን ቆሓይቶን ብዝነበራ ንግዳዊ ርክብ ኣብ እዋና ስልጥንቲ ንኽትከውን ከም ዝሓገዛ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ይሕብሩ።
ኣብቲ ከባቢ እትርከብ 2.8 ሜትሮ ቁመት እትውንን ሓወልቲ እውን ኣገዳሲት መስሕብ ናይቲ ከባቢ እያ። ጥንታዊት ከተማ መጠራ ኣብ 1960ታት ብፈረንሳዊ ተመራማሪ ስነ- ጥንቲ ፍራንሲስ ኣንፍረ ብዝተገበረላ መጽናዕቲ ዝተመስከረላ ታሪኽ መንነትን ጥንታውነትን ወለዶታትና እተጉልሕ ኣገዳሲት ጥንታዊት ቦታ እያ።
እንዳባ መጣዕ
ናብ’ዚ ቦታ ንኽትበጽሕ ንቕድም ሸኻ ወዲ ብስራት ክትበጽሕ ከድልየካ እዩ። ካብኡ ንሸነኽ የማን ኣስታት 30 ደቓይቕ ዝወስድ ናይ ሓመድ መገዲ ሒዝካን ውሽጢ ምስ ኣተኻ ኣብ ጸዳፍ ስንጭሮ ኣብ ውሽጢ ዕሙር ኣግራብ ዝተደኮነ ማይ ጨሎት ጎፍ ክብለካ እዩ። ማይ ጨሎት እንዳባ መጣዕ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታትን ባህልታትን ሃገርና ዝመጸ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ኮይኑ፡ ብዙሕ ዓመታት ዝገበረ ኣዕጽምቲ ቅዱሳን ዝሓቖፈ‘ውን እዩ።
ግንባር ዓዲ-በጊዖ
ካብ ዓዲ-ዃላ ንሸነኽ ምብራቕ ዝወጽእ መገዲ ሒዝካ ብመኪና 15 ደቒቕ ምስ እትጓዓዝ ናብ ሓንቲ ታሪኻዊት ቦታ ክትበጽሕኢኻ-ናብሓደኣብሳልሳይ ወራር ወያነ፡ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተኣምራታዊ ጅግንነት ዝተፈጸመሉ ቦታ። ግንባር ዓዲ-በጊዖ ኣብ ምፍሻል 3ይ ወራር ወያነ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮ ድፋዕ ብምዃኑ፡ ኣብ ታሪኽ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ዝሓዘ ድፋዕ እዩ።
ገዳም ኣቡነ ሊባኖስ (ሃም)
ገዳም ደብረ ኣቡነ ሊባኖስ ካብ ኣስመራ 150 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ደቡብ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ከም እንዳ-ኢየሱስ፡ እንዳ-ሃዋርያትን እንዳ-ኪዳነ- ምህረትን ዝኣመሰሉ ታቦታት ዝሓቖፈ ገዳም እዩ። ገዳም ደብረ ሊባኖስ ካብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ከም ዝመጹ ብዝዝንተወሎም ኣቡን ኣብ 5ይ ክሳብ 6ይ ድ.ል.ክ. ኣብ ዘሎ መዋእል ከም ዝተመስረተ ይንገር። ልዕል ኢሉ ከም ዝተገልጸ፡ እዚ ገዳም እዚ እኩብ ናይ ብዙሓት ታቦታት
(monastic complex) ብምዃኑ ንነዊሕ እዋን ከይተበላሸዉ ዝጸንሑ ኣዕጽምቲ ቅዱሳን (Mummies) ብምውናኑን፡ ካብ ካልኦት ገዳማት ሃገርና ፍሉይ ይገብሮ። ብፍላይ ህላወ ናይዞም ኣዕጽምቲ ቅዱሳን ንመጽናዕታውን ምርምራውን ስርሓት ዘለዎ ኣገዳስነት ዕዙዝ እዩ።
ኢጊላ-ደምሒና
ኢጊላ ደምሒና ኣብ ኣዝዩ መሳጢ ትርኢት ዘለዎ ዓበይቲ ጎቦታትን ስንጭሮን ብዘገርም ጥበብን ተወፋይነትን ወፍሪ ዋርሳይ-ይክኣሎ፡ ብፍላይ ድማ ብኩባንያ ህንጻ ብድሆ ዝተሰርሐ ጽርግያ እዩ። ንኽልተ ዞባታት ማለት ዞባ ደቡብን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪን ዘራኽብ ጽርግያ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ዞባታት ንዝግበር ጥፈታት ዘቤታዊ ቱሪዝም ዓቢ ተራ ዘለዎ – ሓደ ካብ ኣገረምቲ ትሕተ- ቅርጻዊ መስሕባት (built attractions) እዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ኣብ ምዕራይን ምሕዳስን መስመራት መጓዓዝያ ዘተኮረ ገስጋስ ትሕተ-ቅርጺ፡ ንምዕባለ ዘቤታዊ ቱሪዝም ባይታ ዝፈጥርን ክተባባዕ ዝግብኦን እዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዳህሰሰ ጸጋታት ቱሪዝም ዞባ ደቡብ፡ ንውክልና ዝቐረበ ድኣምበር፡ ብዙሓት ኣብ’ዚ ዘይተጠቕሱ መስሕብ በጻሕቲ ከም ዘለዉ ክዝንጋዕ ኣይግብኦን። ኣገዳስነት ናይዚ መልእኽቲ ብቐንዱ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ረብሓታት ዘቤታዊ ቱሪዝም ዘለና ንቕሓት ብዝግባእ ብምብራኽ፡ ንዘለዉና ቱሪዝማዊ ጸጋታት ክንበጽሖም፡ ክንዕቅቦምን ክንከናኸኖምን ከምዝግባኣና ንምዝኽኻር ዝዓለመ እዩ።
ነዞም ካብ ወለዶታትና ዝወረስናዮም ጸጋታት ናይ ምዕቃብን ምክንኻንን ዕማም፡ ንሓደ ኣካል ጥራይ ዘይግደፍ ሓላፍነት መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ኩሉ ዜጋ ሓያል ምክትታልን ምቁጽጻርን ክገብር ከምዘድሊ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብዚ ክጥቀስ ዝግብኦ፡ ዋላ ደኣ ብገለ ኣብነታውያን ኣካላት ሓሓሊፉ ዝዝውተር እንተኾነ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ሰራሕተኛታት ብሕትን መንግስትን፡ ማሕበራት፡ ስድራቤታት፡ ኮማት… ወዘተ፡ ዝተፈላለዩ ጽምብላትን ምዝንጋዕን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝውጥንዎም መደባት፡ ምስ ሃገር ዘላሊ ዑደት ኣብ መደባቶም ሰሪዖም ክሰርሑሉ ዘኽእሎም ሰፊሕ ዕድላት ኣለዎም።
ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲ፡ ብፍላይ ጨናፍር ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ ህዝቢ ኣብ ምብጻሕን ምዕቃብን ጸጋታቱ ዘለዎ ንቕሓት ዘበርኽን መሪሕ ተራ ንኽጻወት ዝድርኽን ኣስተምህሮታት ኣብ ምውዳብ፡ ብዝሓየለ ክሰርሓሉ ይግባእ።