ቤ/ጽ ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ
ብምኽኒያት ምጅማር ክቡር ወርሒ ረመዳን 1442 ሂ. (2021)
ክቡራንን ክቡራትን፡
ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ምጅማር ክቡር ወርሒ ረመዳን ነቕርበልኩም ፦
1ይ ሕማም ለበዳ ኮረና ንምክልኻል ዝምልከቶ ኣካል ዘውጽኦ መምርሒ ገና ቀጻሊ ስለዝኾነ
በዚ መሰረት ምዕጻውን መሳጊድን ጀዋምዕን ከም ዘለዎ ጸኒዑ ክቕጽል’ዩ ።
እቲ ኩሉ ካኣሊ ልዑል ረቢ ነዚ ሕማም ቀንጢጡ ናብ መሳጊድና ብዝቐልጠፈ ይምለሰና።
- ብቐጻሊ ዝሕተታ ጉዳያት
2ይ ብዕድመ ዝደፍኡ/ኣ ይኹን ብሕማም ፡ ማለት ናይ ምሕዋይ ተስፋ ዘይብሉ ሕዱር
ሕማም ሓሚሙ/ማ ሓውዩ ዝሓለፎ ክቐዲ (ክትክእ) ተስፋ ዘይብሉ ሰብ ፡ ከፍጥር
ይኽእል ። ፊድያ ይግበኦ ።
- ፊድያ ማለት ድማ መተካእታ ናይ’ተን ዘፍጠረለን/ትለን መዓልታት ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መስኪን ምምጋብ ማለት’ዩ ። ገለ ፉቀሃእ ንመስኪን ምምጋብ ብእኽሊ ተሚኖሞ ፡ ንሓደ መስኪን ሕፍንቲ ፡ ማለት 750 ግራም ኣብ ከባቢ ከም መግቢ ዝውቱር ዝኾነ እኽሊ ይወሃብ ይብሉ ። ኣብ ክንዲ እኽሊ ብገንዘብ ክውጽእ ንዝደሊ ድማ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዋጋ (750) ግራም ስርናይ (15 ) ናቕፋ ይበጽሕ ። ናይ ሓደ ወርሒ ድማ (450) ናቕፋ ይኸውን ።
- ገለ ዑለማእ ብፍርቂ ሳዕ ማለት (ሓደ ኪሎን ፈረቓን) ስርናይ ዝተመንዎ ኣለዉ ፡ብገንዘብ ክትመን እንከሎ (30) ናቕፋ ንመዓልቲ ማለት’ዩ ። እዚ ድማ (900) ናቕፋ ይበጽሕ።
- ናይ ምሕዋይ ተስፋ ዘለዎ ጊዜያዊ ሕማም ኮይኑ ክጸውም ግን ዘሸግሮ እንተኾነ ሕጂ የፍጥር ምስ ሓወየ ካልእ ጊዜ ብፍቕዲ ናይ’ተን ዘፍጠረለን መዓልታት ይቐዲ ይትክእ (ይጸውም) ።
3ይ ጾም ነፍሰጾርን እተጥቡ ኣደን
- እተጥቡ ኣደን ነፍ ሰጾርን ብሰንኪ ጾም ንገዛእ ርእሰን ዝህሰያ እንተኮይነን ከፍጥራ ይኽእላ። ክቐድያ(ክትከኣ) ጥራይ እምበር ፊድያ ኣይምልከተንን።
- ንደቀን ፡ ማለት ነቲ ዝጠቡ ናጽላን ኣብ ማህጸን ዘሎን ዕሸልን ከይህሰ ብምስጋእ እንተ ኣፍጢረን ግን ፡ ገለ ፉቀሃእ ቀዳን ፊድያን ድሕሪ ረመዳን ዝሓለፈን ሲያም ተኪኣን ተወሳኺ (ፍድያ) ናይ ነፍስ ወከፍ ዘፍጠረኦ መዓልቲ የውጽኣ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ምምጋብ ድኻታትን ወይ ብእኽሊ ወይ ብገንዘብ።
4ይ ናይ ገንዘብ ዘካት
ዘካት ከውጽእ ግዴታ ዝኾኖ/ና ፡ ናይ (85) ግራም ወርቂ ዋጋ ዝበጽሕ ገንዘብ ወይ
ናይ ንግዲ ኣቕሑት ዝውንን/ትውንን እዩ ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን (85) ግራም ወርቂ
ብ (85.000) ሽሕ ይትመን። ስለዚ (85) ሽሕን ልዕሊኡን ወኒኑ ዘድልዮ መሰረታዊ
(መሻርፉ) ናይ ገዝኡ ኣማሊኡ ፡ ዝተረፈ ገንዘቡ ነዚ ዝተጠቕሰ መጠን በጺሑ ፡ ከይጎደለ
ንሓደ ዓመት እንተጸኒሑ (2.5 %) ወይ 25 ናቕፋ ካብ ሓደ ሽሕ ናቕፋ ዓመት መጸት
ዘካት ከውጽእ ግዴታ ይኾኖ።
5ይዘካት ኣል ፍጥሪ
- ዘካት ኣል-ፊጥሪ ቅድሚ ሰላት ኣል-ዒድ ክተውጸኣ (ክትህባ) ሱና ይኸውን ። ቅድሚ ዒድ ብሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ከትውጽእ ኣብ ገለ መዛህብ ካብ መጀመርታ ረሞዳን ኣትሒዝካ ኣቐዲምካ ክተውጽእ ይከኣል’ዩ ይብሉ ። እዚ ዘካት ኣብ ከባቢና ዝውቱር ብዝኾነ መግቢ ሓደ ሳዕ ይወጽእ ። ሳዕ ማለት መስፈር (ርብዒት) ኮይኑ ፡ብኪሎ ክልካዕ እንከሎ (3 ኪሎ) ይበጽሕ ። ሕጂ ኣብ ኣስመራ ብዋጋ ስርናይ ብገንዘብ ክውጽእ ንዝደሊ ንነፍሲ ወከፍ ንእሽተይ ይኹን ዓቢ ኣንስታይ ይኹን ተባዕታይ 60 ናቕፋ ንመስኪን ይህብ ።
- ብልጸት ወርሒ ረመዳን
6ይ ናይ ትዕግስቲ ወርሒ
ነቢይ (ሰ.ዓ.ወ) ንወርሒ ረመዳን (ወርሒ ሰብሪ) ኢሎም ሰምዮሞ።
– ገለ ትዕግስቲ ካብ ዝጥርንፎም ፦ ዝኾነ ዝወረደካ ጸገም ብትዕግስት ክትቅበሎ
– ትእዛዛት ረቢ (ስ.ወ) ንክትፍጽም ትዕግስቲ የድልየካ ፡
– ኣብ ረቢ (ስ.ወ) ዝሓረሞም ዝኸልከሎምን ነገራት ንከይትወድቕ ትዕግስቲ ይሕልወካ ፡