መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን!
ኣብ’ዛ 2020 ሰጊርና፣ ንኣትዋ ዘሎና ሓዳስ ዓመት 2021፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን፣ ዮሃና!
2020፥ ምስ ዓለማዊን ዞባዊን ውህሉል ነውጺ፣ ህልቂታዊ ለበዳ ኮቪድ-19 ተወሲኹዋ፣ ኣብ ታሪኽ ሰባት፣ ከቢድ ቅልውላው ዝገዝኣ ዓመት’ያ ነይራ። ን2021 ክንጽበዮ ንዝግብኣና ብድሆታት’ውን መለበሚ ኣሚታትልና’ላ።
ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 80 ዓመታት፣ ኩሉ ዓይነታት ተኸታታሊ ብድሆታት መኪቱ ኪሰግር ዘኽኣሉዎ ክብሪታት – ንጽረ-ርእየት፣ ትዕግስቲ፣ ጽንዓት፣ ምትሕልላይ፣ ርእሰ-ተኣማንነት – ኣብ 2020 ዳግም ተፈቲኖም፡ ተቢዖም ተዀሊዖም ስለዘለዉ፣ ምስ ዝበለጸ ድልውነት፣ ን2021’ውን፣ ንዘላቒ ልምዓትን ዕብየትን መኸትኡ ከምዘይሰንፍ፣ ጥርጥር የለን።
ደጊመ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን!
ክብሪን ሞጎስን ንስዉኣትና!
ዓወት ንሓፋሽ!