15 ዓመታት – ርግጸት ልዕልና ሕጊ
13 ማዝያ 2012 ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዚቘመ ዳናዪ ኮምሽን፡ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ብይኑ ዚሃበሉ ዕለት እዩ። እቲ ብይን ካብ ዚወሃብ 15 ዓመቱ መሊኡ ኣሎ። ን15 ዓመታት ብዚቐጸለ ርግጸት ልዕልና ሕጊ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ፡ ኣብ ርግኣት፡ ጸጥታን ልምዓትን ህዝብታት ዞባና ወሪዱ ዘሎ ሃስያን ናይ ግዜ ክሳራን ብቐሊል ዚግመት ኣይኮነን።
ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ዳናዪ ኮምሽን ዜውጽኦ ዝርዝራት ኣፈጽጻማን፡ እቲ ብይን ክሳብ ሕዳር 2003 ኣብ ዚነበረ ግዜ ኣብ ባይታ ተተግቢሩ፡ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚ 14 ዓመታት ሓንሳብን ንሓዋሩን ኬብቅዕ ዚነበሮ እዩ። እንተኾነ ወያነ፡ ብምኽሪን ምድፍፋእን ኣሳሰይቱ፡ ልዕልና ሕጊ ምቕባል ስለዚሓንገደ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን መትከላትን ተረጊጹ፡ እቲ ብይን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ካብ ፈጽሚ ተዓጊቱ ኣሎ። በቲ ዝተፈጥረ ዕንቅፋት ዕማሙ ብምልኣት ኪፍጽም ዘይከኣለ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ፡ ነቲ ዶባት ብማንዛ ሕንጻጻት (ቪርችዋል ዲማርኬሽን) ኣብ ካርታ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሕዳር 2007 ስርሑ ብወግዒ ከምዚዛዘመ ዚፍለጥ እዩ። ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዚነበረ ኣብያተ
ጽሕፈቱ ኣብ ዚዓጸወሉ እዋን፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዚጸሓፎ ደብዳበ ከምዚ ይብል፦
“ኢትዮጵያ፡ እቲ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ኪኸውን ዝተሰማማዓትሉ ብይን፡ ኣብ ባይታ ኪትግበር ድልየትን ቅሩብነትን ኣየርኣየትን። እቲ መስርሕ ኪቕጽል ተስፋ ስለዝተሳእኖ ከኣ፡ ኮምሽን ኣብያተ ጽሕፈቱ ኪዓጹ ተገዲዱ ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ሕጋዊን ናይ ሓዋሩን ዶብ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ብብይን 13 ማዝያ 2002 ዝተሓንጸጸ ምዃኑ እናገለጸ፡ ነዚ ሕንጻጽ’ዚ ዘየኽብርን ዚጻረርን ዚዀነ ተግባር ዘይሕጋዊ ምዃኑ የፍልጥ።”
እዚ ዕንቅፋት’ዚ፡ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ብዜስዓቦ ሃስያ፡ ስማዊ ተሓታቲ፡ እቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሱ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ጎቢጡ ዚርከብ፡ ወራሪ ስርዓት ወያነ እኳ እንተኾነ፡ ክብረት ስምምዓትን ውሳነ ኮምሽንን ኬተግብር ሓላፍነት ዝተሰከመ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮነ፡ ኣውሓስቲ ናይቲ ስምምዕ እውን ግዴታኦም ብዘይምልዓሎም ተወቀስቲን ቀንዲ ተሓተትቲን እዮም። ልዕሊ ዚኾነ ወገን ከኣ፡ እቲ ንባይቶ ጸጥታ መጋበርያ ተጠቒሙ፡ ትግባረ ናይቲ ብይን ሓኒቑ ኪሕዞ ዚወሰነ ምምሕዳር ኣመሪካ ተጠያቒ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ጽሑፍ
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዚነበረ ጆን ቦልተን ምርግጋጹ ይከኣል።
ጆን ቦልቶን፡ ኣብታ “Surrender is not an option” እትብል መጽሓፉ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ንምፍራስ፡ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝተዋህቦ መምርሒ ከምዚ ኪብል ኣስፊርዎ ኣሎ፦
“ኣነ ብዘይተረድኣኒ ምኽንያት፡ ናይ ሽዑ ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጃንዳየ ፍሬዘር፡ እቲ ‘ጌጋ’ዩ ነይሩ’ ዝበለቶ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ተራእዩ፡ ዚበዝሕ ክፋል ናይቲ ዜሰሓሕብ ግዝኣት ንኢትዮጵያ ዚወሃበሉ ኩነት ኪፍጠር፡ ኣብ ለካቲት 2005 ሓሳብ ኣቕሪባትለይ። ኣነ ከም ኣምባሳደር ነዚ ግዝኣተ-ሕጊ ዚጻረር ሓሳብ ብኸመይ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ከምዘቕርቦ ሓርቢቱኒ ነይሩ።”
ብዊኪሊክስ ዚለሓዀ ሓበሬታ እውን፡ ኣብ ሕዳር 2009፡ ወከልቲ ኣመሪካ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያንን ሽወደንን ኣብ ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ፡ ወኪል ኣመሪካ፡ “ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ መተካእታ ዘይብላ መሓዛ ኣመሪካ” ምዃና ብምግላጽ፡ “ኣመሪካ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘለዎ ደስኪሉ ኪጸንሕ” ከምእትደልዮ ምዝራቡ ይጠቅስ።
እዚ ሓቅታት’ዚ ወግዓዊ ሰነዳት ዚምስክሮ ኮይኑ፡ ኣብ ባይታ ብግብሪ ኪርአ ከምዚጸንሐ እውን፡ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ነቲ ልዕልና ሕጊ ረጊጹ ዚርከብ ስርዓት ወያነ፡ ገዚፍ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ደገፍ እናስነቐ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ምኽንያት ዘይብሉ እገዳ ኪውሰን ዓቢ ድርኺት ምግባሩ ዚፍለጥ እዩ። ባይቶ ጸጥታ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ድርብ መለክዒታት ርሒቑ፡ ተፈጺሙ ዘሎ ግህሰት ልኡላውነትን ጎበጣን ብትሪ ብምቅዋም፡ ብመሰረት ምዕራፍ 7 ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሕጊ ዚጠሓሰ ወገን ዚእግድ፡ ኮር ተገልበጥ ኣብ ልዕሊ’ታ “ግዝኣተ- ሕጊን ኣህጉራዊ መትከላትን ይከበር” ኢላ ዚሞጎተት፡ መሬታ ዝተወረ ኤርትራ፡ ዘይምኹኑይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕ.ሃ. ሰፊሩ ንዝርከብ፡ ናይ ርእሰ ምክልኻል መስል ዝግህስ እገዳ ኣብ ምውሳን መጋበርያ ኮይኑ እዩ።
ናይዚ ዚሓለፈ 15 ዓመታት ዛንታ እምበኣር፡ ንስለ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ርግጸት ግዝኣተ ሕጊ ብምስሳይ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን መትከላትን ንፍዂሰት ዝተቓልዕሉ ዜሕንኽ ዛንታ እዩ። ዓመጽ ንምኽዋል ምዕልባጥን ህድማ ንቕድሚትን ግን ክሳብ መዓስ? ሎሚ ካብ ዚኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ንኹሉ ግሁድ ኮይኑ ከምዘሎ፡ ዕላማ ናይቲ ቅድሚ 8 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዘይምኹኑይ እገዳ፡ ካልእ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ብምንዓቕ ዝተፈጸመ ዓሎቚ ምዕብላዂ፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ንልዑላውነቶም ከይምጉቱ ኣፎም ምዕባስ እዩ ነይሩ። እዚ ዕርቃኑ ወጺኡ ዘሎን ዚሓለቐን ዓመጽ ኬብቅዕ፡ ርግጸት ልዕልና ሕጊ ናይ ምስሳይ ተግባር ኪእረም ትጽቢት እናተገብረ ከኣ፡ ሕጂ’ውን ኣብቲ ግጉይ ዓንኬል ናይ ምኹዳድ ኣንፈት ዚመስል ተርእዮታት ኣይተሳእነን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚወሰዶ፡ ድራኸኡ ብልክዕ ዘይተነጸረ ዘይምኹኑይ ስጉምቲ፡ ከም ኣብነት ኪጥቀስ ዚከኣል እዩ።
ከምዚፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዚሓለፈ 60 ዓመታት ብሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ጸጥታኡን ብዙሕ ግዜ ተበዲሉ እዩ። ዝተፈጸመ ጌጋታት ብምእራም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምኽሓስ ከኣ፡ ጌጋታት እናተደጋገመ ኪኸይድ ንማሕበረሰብ ዓለም ዜምሕረሉ ኣይኮነን። ብኣጋጣሚ መበል 15 ዓመት ውሳነ ኮምሽን ዶብ እምበኣር፡ እቲ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ተፈጺሙ ዘሎ ግህሰትን ዚወርድ ዘሎ ዕንወትን ብዘይውዓል ሕደር ኬብቅዕ፡ ርግጸት-ሕጊ ንምኽዋል ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተሰገዲዱ ዘሎ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ዓማጺ እገዳ ብቕጽበት ተሰሪዙ፡ ክብረት ልዕልና ሕጊ ኪሕሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ብፍላይ ግዴታኦም ኪፍጽሙ ኤርትራ ደጊማ ትጽውዕ።