ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ህልዊ ዞባዊ ምዕባለታትን ዘቤታዊ ኩነታትን ዝቐንዐ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት ኣካዪዱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ረቡዕ 17 ለካቲት፡ ብሬድዮን ቴለቪዥንን ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት፡ ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ማይ ኣብ መንጎ ሃገራት ተፋሰስ ኒል፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓረብን፡ ለበዳ ኮቪድ 19ን መርሓ ጎደና ኤርትራ ኣብ ምክልኻሉን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀዳምነታት ሃገራዊ መደባት ልምዓት 2021 ዝቐንዐ እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መሕትት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ነጥቢታት ኣነጺሩ።

  • ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ናይ ምስግጋር ለውጢ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ሓምለ 2018፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ዞባና ሓድሽ ምዕራፍን ተስፋን ዝኸፈተ ምንባሩ፡
  • ኤርትራ፡ ናይ ሓዋሩ ሰላም ስለዘገድሳ፡ እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ከምዘይተሃወኸትሉ፡
  • ብኣንጻሩ እቲ ካብ ስልጣን ዝተኣልየ ጃንዳ ወያነ ብድርኺት ደገፍቱ፡ ነቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ከም መጣልዒ ካርታ ሒዙ፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ናይ ጀሆ ስምዒት ብምእታው፡ ኲናት ንምውላዕ ኣብ ምቅርራብ ምጽንሑ፡
  • እቲ ጃንዳ ዝገብሮ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምቅርራባት ኤርትራ ብደቂቑ ትከታተሎ ብምንባራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኦምሓጀር ምስ መራሒ ናይቲ ጃንዳ ንሓጺር ግዜ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ናይ ኲናት መገዲ ዘዋጽእ ከምዘይኮነ ብግልጺ ከምዝሓበሮ፣
  • ኣብ መወዳእታ እቲ ጃንዳ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኩሉ ክጽበዮን ክሓስቦን ዘይክእል ቀቢጻዊ ስጉምቲ ምንባሩ፡
  • ውጥን ናይቲ ጃንዳ፡ ነቲ 32,000 ሰራዊት (1/3 ካብኦም ተጋሩ) ዝነበርዎ ሰሜን-እዚ ኣጥቂዕካ ብምድምሳስ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገስጊስካ መንግስቲ ምግልባጥ፡ ብድሕሪኡ እንተተኻኢሉ ንኤርትራ ምውራር ምንባሩ ጠቒሱ፡ እዚ ኣብ ግጉይ ቅማረ ዝተመርኰሰ ውጥን ግን ኣብ መወዳእታ ዕምሪ ናይቲ ጭፍራ ከምዘሕጸረ፣
  • እዚ ጎንጺ’ዚ ይኹን ካልእ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት፡ ውጽኢት ናይ 30 ዓመታት ኤትኒካዊ ፖለቲካ ወያነን ንዓሌታዊ ምክፍፋል ትካላውነት ዘትሓዘ ሕገ-መንግስቲን ምዃኑ፣ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ ካብ ዒራቕ ጀሚርካ፡ ኣብ ሶርያ፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ሃገራት ከባቢናን ዘውረዶ ዕንወት ቀሊል ከምዘይኮነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ጸገማት ናይ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝን ናይ ቃልሲ መድረኽን ጽቡቕ ገይሩ ትምህርቲ ዝወሰደሉ ምዃኑ፣
  • ኤርትራ፡ እዚ ዓሌታዊ ፖለቲካ ዝጠንቁ ጸገማት ዞባና ብምእላይ፡ ምቹእ ዞባዊ ሃዋህው ምፍጣር፡ ምስ ኢትዮጵያ እትገብሮ ምትሕግጋዝ ኬር ወይ ሕርያ ዘይኮነ ግዴታ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቃለ-መሕትቱ ጸቒጡ ዘስመረሉ ጉዳያት እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀጺሉ፡ ኣብ ዞባና ብሓይልታት ግዳም ዝድረኽ ዘይምርግጋእ ከምዘሎ ብምእማት፡ ምስ ሓጽቢ ሚለንዩም ተኣሳሲሩ ዝለዓል ዘሎ ጉዳይ፡ ኣብዚ ከባቢ ንግጭት ምስምስ ክፈጥሩ ናይ ዝደልዩ ወገናት ድፍኢት ከምዘለዎ ኣነጺሩ። ጉዳይ ኣጠቓቕማ ማይ ኒል፡ ካብ ሃልኪ ህዝባዊ ርክባትን ዜናዊ ቈይቊን ርሒቕካ፡ ኣብ ግጭትን ካልእ ተጻብኦታትን ከይኣቶኻ፡ ነቲ ኣስታት 250 ሚልዮን ህዝቢ ናይዚ ከባቢን መጻኢ ወለዶታትን ዘላቒ ቁጠባዊ ዕብየት ከምጽኣሉ ብዝኽእል መገዲ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል ቴክኒካዊን ጉዳይ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ናይ ምስግጋር መድረኽ ዝርከባ፡ ካልእ ዝዓበየ ውሽጣዊ ጸገማት ዘለወን ሃገራት ምዃነን ዝገለጸ ፕረዚደንት፡ ብናይ ግዳም ድርኺት ናብ ትርጉም ዘይብሉ ጎንጺ ክኣትዋ፡ ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዝኾነ ይኹን ረብሓ ከምዘይብሉ ኣረዲኡ። እቲ ዘሎ ኣከያይዳ፡ “ናይ ባዶ ድምር ጸወታ እዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እዚ ግን ተስፋ ዘቑርጽ ዘይኮነ፡ ዘሎ ኣተሓሕዛ ናብ ቅኑዕ መስመር መሊስካ ንዝሓየለን ቅኑዕ ተበግሶታትን ዝድርኽ ክኸውን ከምዝግባእ ኣረዲኡ።

ኤርትራ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ቀይሕ ባሕሪን ዘሎዋ ዝምድና ብዝምልከት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ መሰረታዊ ነገር፡ ንግዝያዊ ረብሓታት ዘይኮነ ንዘላቒ ዞባዊ ቁጠባዊ ዕብየትን ርግኣትን ዘገልግል ሓበራዊ መረዳእታ ምፍጣር ምዃኑ ጠቒሱ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ጻዕሪ ብዙሕ ሰጒሙ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ቁጠባዊ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ምስናይ ድሕነታዊን ጸጥታዊን ኩነታት ተጠሚሩ ይስርሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዘቤታዊ ኩነታት፡ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ምሕያል ትካላት ጥዕና፡ ቀዳምነት ዝወሃቦ መደባት ሃገራዊ ልምዓት፡ ከምኡ እውን ንደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዝምልከት ዝቐረበሉ ሕቶታት ሰፊሕ መልሲ ሂቡሉ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ማለት፡ ኣብ ምምካት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ይኹን ዕብየት ቁጠባን ዕማማት ሃገራዊ ድሕነትን እቲ ወሳኒ ንቕሓት ናይ ህዝቢ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ብንቕሓት ከቲቱ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ጸዊዑ።