ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቻይና ኣብ’ቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ውህደት ንምህናጽ ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ፡ ሃናጺ ኣበርክቶ ክትገብር ከምእትኽእል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ እምንቶ ኤርትራ ዘነጸረ፡ ሎሚ ንግሆ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብተወሳኺ፡ ቻይና ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዋዕላ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽጋባእ ንዘቕረበቶ ሓሳብ፡ ኤርትራ ከምእትድግፎ ኣረጋጊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሱ ቢንግ (Xue Bing) ብወገኑ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብ’ተን ዝቐረባ መሓዙት ቻይና ምዃና ብምግላጽ፡ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ምስ ኤርትራ ንምዕባይ፣ ከምኡ’ውን ንዞባዊ ጸጥታ፡ ልምዓትን ሰናይ-ምሕደራን ንምብርካት ክትሰርሕ ቅርብቲ ምህላዋ ኣነጺሩ።

ኣምባሳደር ሱ ወሲኹ፡ ሃገሩ ኣብ’ቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝዘርዘሮ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ኤርትራ፡ እጃማ ከምእተበርክት’ውን ኣረጋጊጹ።

ንኣህጉራዊ ኩነታት ብዝምልከት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቻይና ኣህጉራዊ-ሚዛን ንኸይመዛበል ዓቢ ግደ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ንእትጻወቶ ዘላ ተራ መጒሱ።

ኣብ’ቲ ርክብ ብወገን ኤርትራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን፣ ብወገን ቻይና ድማ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ሚስተር ካይ ጌ ተሳቲፎም ነይሮም።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሱ ቢንግ፡ ንዕላማ ዑደቱን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ርክብን ብዝምልከት ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቻይና ንኣገዳስነት ሰላምን ርግኣትን ኣብ ልምዓት ስለእትግንዘብ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ንምስፋን ዝዓለመ እማመ ኣበጊሳ ከምዘላ ብምሕባር፡ ኤርትራ ነቲ እማመ ንዘርኣየቶ ደገፍ መጒሱ።

ዑደቱ ብኤርትራ ዝጀመረ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ክበጽሕ’ዩ።