ፍርቂ ሓቂ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019
ፍርቂ ሓቂ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019
ዮሃና ቀ.ሚ. ዶር. ኣቢ ኣሕመድ
ሽልማት ሰላም ኖበል 2019 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር (ቀ.ሚ.) ኣቢይ ኣሕመድ ምባላ ንደላይ ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ዞባናን ዓለምን ሓጎስ ፈጢሩ ኣሎ። ብመስረት መግለጺ ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ዶክተር ኣቢ ነዚ ዝበቕዐ ብቐንዱ ኣብ ምፍታሕ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተጻወቶ ተራ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። መግለጺ እቲ ኮሚተ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጻውዒት ሰላም ተቐቢሉ ንቕድሚት እንተዘይወስዶ እቲ ዓወት ኣይምተረኽበን ብምባል፡ ንኹሎም’ቶም እወታዊ ተራ ዝተጻወቱ ወገናት የመስግን።
እዚ ብርግጽ ፍርቂ – ትሕቲኡ’ውን- ሓቂ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስን ህዝቢ ኤርትራን ነቲ መውዳእትኡ መፍትሕ ሰላም ዝኾነ ውዕል ኣልጀርስ ን18 ዓመታት ኣኽቢሮም፡ ንኣብያን ኣሽካዕላልን ስርዓት ወያነ ተጻዊሮም፡ ንኮር-ተገልበጥ እገዳታት ሓያላን መኪቶም፡ ኣጀንዳታት ዕልዋ መንግስቲ (regime change) ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣበርዒኖም፡ ወፈራ ጸለመን ጠቐነን ቀየስቲ ማዕከናት ዜናን ኣጽሒዮም፡ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ብድሆ ጸይሮምን ዕርበት ስርዓታት ጥፍኣት ዞባና (ሰንዓ ፎርም) መስኪሮም’ዮም ናብ 2018 ዝበጽሑ።
ኣብ 2018 ህዝባዊ ናዕቢ ኢትዮጵያ ጥርዚ በጺሑ፡ ከም ውጽኢቱ ቀ.ሚ. ኣቢ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ኣእዳው ሰላም ፕረዚደንት ኢሳያስን ህዝቢ ኤርትራን ን18 ዓመታት ውዕለን ኣኽቢረን ተዘርጊሐን ነይረን። ቀ.ሚ ኣቢ ሃገሩ ንዝፈረመቶ ውዕል ከም እተኽብር ምስ ሓበረ እምበኣር’ዩ ኢድ ስላም ኢትዮጵያ ናብ ዝርጉሕ ኢድ ሰላም ኤርትራ ዝበጽሐ። በዚ ድማ ክልተኣዊ ውዕል ሰላም ኣስመራ (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ፡ ስሉሳዊ ስምምዕ ኣስመራ (ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሲማልያን)፡ ስሉሳዊ ስምምዕ ጁባ (ኤርትራ፡ ደ.ሱዳንን ኢትዮጵያን) ወዘተን ዝሰዓቡ።
ፕረዚደንት ኢሳያስን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መስርሕ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ቀ.ሚ. ኣቢን ህዝቢ ኢትዪዕጵያን ጠተው ኢሎም ኢዮም። ኣስመራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቱን ኮፍ ኣቢላ፡ ኣሰማሚዓን ሰላማዊ ምምላስ ደሪኻን’ያ።
ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምጥማቱ ዘይተረፎ ነቲ ሓቂ ብምልኣት እንተዝኸዶ ክንደይ መምሓረሉ። ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝብጻሕ ሰላም፡ ሽልማት ክልተ ወገናት’ዩ። በዚ መዳይ’ዚ፡ ውጽኢቶም ንጎኒ ገዲፍና፡ ንመራሕቲ እስራኤልን ፍልጤምን ከምኡ’ውን ንመራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዋህቡ ሽልማታት ደሓን ነይሮም ክበሃል ዪከኣል።
ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ንሓቂ ኣብ ፍርቂ መቒሉ’ዩ ውጽኢቱ ዘፍለጠ። እቲ ዘይተገልጸ ሓቂ መሪሕ ተራ ኤርትራን መራሕራታን’ዩ። ወትሩ ኣካታዕቲ ዝኾነ ሽልማት ኖበል ሰላም፡ ሎሚ ነታ ክትከፍእን ክትጠፍእን ዝተፈርደት እሞ ግን ከኣ ዝሰረረትን ዝሰወደትን ኤርትራ ክሽልሙ ትብዓት ምስኣኖም ኣገራሚ ኣይኮነንን።
ድሕነት፡ ቀጻልነትን ብልጽግናን ኤርትራ እቲ ዝዓበየ ሽልማት’ዛ ሃገር’ዩ። ከም ቀ.ሚ. ኣቢ ዝኣመሰሉ ኣወንታውያን መሻርኽቲ ኤርትራ እንተ ተሸሊሞምን ዞባዊ ሽርክነትን ብልጽግናን ኣብ ምርግጋጽ እንተሓዪሎምን ከኣ ካልእ ሽልማት ኤርትራ’ዩ።