ፍልጠት፡ ሞያን ተክኖሎጂን
ፍልጠትን ሞያን ኣዝዮም ኣገደስቲ ረቛሒታት ዕብየት እዮም። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ ምዕባለታት መሰረት ፍልጠት ወዲ-ሰብ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ምንጪን ፈጣሪን ኩሉ ዓይነት ጸጋታት ሰብ እዩ። ሞያን ፍልጠትን ዝዓጠቐ ሰብ ድማ ዝያዳ ኣፍራዪ፡ ቅልጡፍን ኣድማዒን እዩ። ደረጃ ኣፍራይነትን ቅልጣፈን ሕብረተሰብ ብመጠን ፍልጠቱን ዝጥቀሞ ናውቲ ማእቶትን ዝዓጥቖ ቴክኖሎጂን ይፈላለ እዩ። ክንዲ ዝኾነ ንመንእሰያት ሞያን ፍልጠትን ምዕጣቕ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዕማማት ህዝቢን ሃገርን ክኸውን ግቡእ እዩ። መንግስቲ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምግንዛብ፡ንመንእሰያት ብኣእምሮን ኣካልን ናይ ምዂስኳስ ሓላፍነት ተሰኪሙ ገዚፍ ወፍሪ ክገብር ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣስታት 500,000 መንእሰያት ብማእከል ስልጠናታት ሳዋ ሓሊፎም፡ ኣካዳሚያዊ ወተሃደራዊን ሞያዊን ፍልጠት ክቐስሙ ምኽኣሎም ጥራይ ዕብየት ናይቲ መንእሰያት ንምምልማል ክግበር ዝጸንሐ ወፍሪ ዘመልክት እዩ። ካብ ኰለጃትን ኣብያተ ትምህርቲ ስነ-ኪነትን ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸሩ መንእሰያት ብዝተፈላለየ ሞያን ዓውደ- ፍልጠትን ተመሪቖም ናብ ስራሕ ዓለም ይጽምበሩ ኣለው።
ኣቐዲሙ ከምእተጠቕሰ፡ ስትራተጂ ቁጠባዊ ዕብየት ኤርትራ፡ ብቐንዱ ኣብ ርእሰ ምኽኣል ዝምርኰስ እዩ። ኣብ ገዛእ ዓቕምኻን ክእለትካን ዝምስረት ድልዱል ቁጠባ ንምህናጽ ከኣ፡ ኣብ ዜጋታት ሓያል ናይ ዓያይነት መንፈስን ናይ ስራሕ ዲሲፕሊንን ምዂስኳስ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንእሰያት ብዘመናዊ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ብምስልጣን ብቕዓት ኣፍራይነቶም ክብ ምባል የድሊ። ካብዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ብምብጋስ፡ መንግስቲ፡ መንእሰያት ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ክእለትን ዓጢቖም ዝያዳ ኣድማዕነትን ኣፍረይቲን ኪኾኑ፡ ምዕቡል ቴክኖሎጂን ዝተራቐቐ ማሺነሪታትን ንምትእትታው ኣዝዩ ገዚፍ ወፍሪ ክገብር፡ ንዕኡ ዘንቀሳቕሱ ብዙሓት መንእሰያት ከሰልጥን ጸኒሑ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ጻዕሪ’ዚ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ዝትግበሩ ዘለው ፕሮጀክትታት ልምዓት ብሓንጎልን ጉልበትን ሞያን መንእሰያትና እዮም ዝትግበሩ ዘለው። ነተን ብደረጃ ዓለም ዘመናውያን ዝበሃላ ማሽነሪታት ኣብ ሓጺር ግዜ መሊኾም ዘስርሕወን ዘለው መንእሰያትና እዮም። ነዚ ብውሽጣዊ ዓቕምና እነሰላስሎ ዘለና ፕሮጀክትታት ልምዓት ንምትግባር፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ኩባንያታትን ናይ ደገ ክኢላታትን እንተንምርኮስ፡ ክሓተና ዝኽእል ወጻኢታት ንምግማቱ ኣየጸግምን።
ሳላ ብልሕን ዓቕሚን ተወፋይነትን መንእሰያትና ግን ብገዛእ ዓቕምና እንሕበነሉ ስራሕ ዓሚምና። ክእለት ኣብ ምውናን ድማ ብዙሕ ስጒምና ኣለና። ከም ውጽኢቱ፡ ኤርትራ ወናኒት ከበድቲ ናይ ልምዓት ማሺነሪታትን ንዕኡ ከስርሑ ምሉእ ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያትን ኮይና ኣላ። ኤርትራዊ መንእሰይ ብርግጽ ጸዓት ንዘላቒ ዕብየት!