ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ
ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ብ20 ሓምለ ኣብ ዳንዶርፍ – ከባቢ ከተማ በርን ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ።
እቲ ፈስቲቫል፡ ሰሚናር ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፡ ባህላዊ መሰናድኦታት፡ ስፖርታዊ መደባት፡ ከምኡ’ውን ድሙቕ ህዝባዊ ጓይላ ዘጠቓለለ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ዑስማን ንተሳተፍቲ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዝተኸተሎ ናጻ ፖለቲካዊ መስመርን ጽኑዕ መኸተ ህዝብን፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝሓሸ ዕድላት ዘለዎ መድረኽ ኣትያ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ነዚ መድረኽ’ዚ – ሽርክነት፡ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ብዝመለለዪኡ ጉርብትና ንምድርዑ ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
መደባት መኸተ ኣብ ምዕዋት ዝተራእየ ዕዙዝ ተሳታፍነት፡ ኣብ መደባት ልምዓት እውን ብዝለዓለ ክንጸባረቕ ትጽቢት ከምዝግበር ብምዝኽኻር፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ሞያዊ ዓቕምታቶም ንምዕባይ ክጽዕሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ኣቶ ኣደም ዑስማን ብወገኑ፡ እቲ ፈስቲቫል፡ ንጥምረትን ውህደትን ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝድርዕ ብምዃኑ፡ ብዝበለጸ ውዳበ ንምምዕባሉ ክስራሕ ምዃኑ ገሊጹ።