ጽምብል ስርሒት ፈንቅል
መደባት መበል 27 ጽምብል ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል፡ ኣብ መድረኽ መቐይሮ” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 10 ለካቲት ብጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ ብወግዒ ተኸፊቱ።
ኮማዊ ሰረት እናሓዘ ዝመጽእ ዘሎ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል፡ ሎሚ ዓመት እውን ከም ወትሩ፡ ህዝብን ምምሕዳርን ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ንምውቃቡ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ንነጋድያን ብግቡእ ንምእንጋድ ምድላዋቶም ከጻፍፉ ቀንዮም።
ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ጽምብል ንምምዕራግ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ውድድራት ምሕንባስን ቴንስ ባይታን ዘጠቓልል ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ።
ባዛር እውን ኣካል ናይ’ቲ ጽምብል ክኸውን እንከሎ፡ ነበርቲ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ባጽዕ፡ ኣብ በቦታኦም ዳሳት ብምስራሕ ኣጋይሾም ይቕበሉ ኣለዉ።
ነጋድያን ኣብ ጐደናታት ባጽዕ ዝዘናግዑሉ ባህላዊ ምርኢታት እውን ተዳልዩ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።