ደቡብ – ኣስታት 1.3 ሚልዮን ፈልሲ ገረብ ተተኺሉ
ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ዝተፈላለየ ዓይነታት ፈልሲ ገረብ ከምእተተኽለ፡ ሓላፊ በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳማን ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ገብረሚካኤል በርሀ ሓቢሩ።
ኣቶ ገብረሚካኤል፡ ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ክረምቲ፡ 21 ሚእታዊት መበቈላዊ ዝርከቦ፡ ኣብ 9 መደበራት ፈልሲ ዝፈለሰ 27 ዓይነታት ኣግራብ ከምእተተኽለ፡ ካብ’ዚ እቲ 81 ሚእታዊት ብደረጃ ኮምን ውልቀ- ገረብትን፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ብወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ከምኡ’ውን መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ከምእተተኽለ ኣረዲኡ።
ናይ ምጽዳቕ ተኽእሎ ናይ’ቲ ዝተተኽለ ፈልሲታት ምስ ዝርጋሐን ዓቐንን ዝናብ ክራማት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ገብረሚካኤል፡ ብሓፈሻ ግን ዛጊት ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ብውህደት ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻን ምምሕዳራትን ዝካየድ ወፍሪ ክረምታዊ ልምዓት ተመሃሮ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 5 ሽሕ ተመሃሮ፡ ኣለይቶምን ክኢላታትን ዝተሳተፍዎ ኣድማዒ ንጥፈታት ከምእተዓመ ገሊጹ።
ኣብ ሕሩምን ግዝያውን ሕዛእቲታት ዝተተኽለ ኣግራብ፡ ኣብ ምርጋእ መሬትን ምስሳን ሽፋን መሬትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምውሓስ ቀለብ ጥሪት እወታዊ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሓመድን ማይን ከይዓቀብካ ዝካየድ ናይ ልምዓት ወፍሪ ውጽኢታዊ ክኸውን ስለዘይክእል፡ ህዝብን ምምሕዳራትን ውህደቶም ብምሕያል ክደፍኡሉ ኣዘኻኺሩ።