ደቡብ – ኣስታት 1.3 ሚልዮን ፈልሲ ገረብ ተተኺሉ

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ዝተፈላለየ ዓይነታት ፈልሲ ገረብ ከምእተተኽለ፡ ሓላፊ በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳማን ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ገብረሚካኤል በርሀ ሓቢሩ። ኣቶ ገብረሚካኤል፡ ኣብ ናይ ሎም-ዘበን ክረምቲ፡ 21 ሚእታዊት መበቈላዊ ዝርከቦ፡...