ክብርታት ዓወትን ብቕዓትን

ካብ ሰሚናር ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ

“ሓደ ወለዶ ናብ ተካኢ ወለዶ ከሰጋግሮ ዝኽእል ዝኸበረ ውርሻ እንተሎ ንብረት፡ገዛ ወይ ካልእ ንዋት ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ክብርታት እዩ። ኣብ ሰውራ ዝተመሃርናዮም ክብርታት ሓድነት፡ ውህደት፡ ምክብባርን ምትሕግጋዝን እዮም። ህዝባዊ ግንባር ውጽኢት ናይ’ዞም ክብርታት’ዩ።

ኣብ እዋን ቃልሲ ኮነ ኣብ ግዜ ሓርነት ዘዐወቱና ክብርታት ንሳቶም እዮም። ሕጂ’ውን እቶም ክብርታት ንሳቶም’ዮም፤ ኣይተቐየሩን። “ዝሓለፍናዮ ተሞኩሮ ምስ እንውከስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሓይሊ ዘይመጣጠኖ፡ብዝተፈላለየ ዞባዊን ዓለማዊን ረቛሒታት ዝተጠናነገ ኵነታት ከመይ ገይሩ ሰጊሩ ክዕወተሉ ክኢሉ? ኣንጻር ገዚፍ ሓይሊ ብኸመይ’ዩ ተዓዊቱ እንተድኣ ኢልና፡ ክብርታት’ዩ መሰረቱ።

“ንሓደ ገዚፍ፡ ዘይመዘናኻ ሓይሊ ከመይ ጌርካ ክትገጥሞ ትኽእል? እቲ ዝደኸመ ነቲ ዝሓየለ ከመይ ገይሩ ይስዕሮ? እቲ ዝወሓደ ነቲ ዝበዝሐ ከመይ ገይሩ ከሰንፎ ይኽእል? እቲ ዝወሓደን ዝደኸመን ክዕወት እንተኾይኑ፡ ሓይሉ ዘዕብየሉ መራብሒ (multiplier) ክረክብ ክኽእል ኣለዎ። እቲ መራብሒ ኸኣ ፍልጠት’ዩ።

“ፍልጠት ንመሃዝነት ክትጥቀመሉ እንከሎኻ፡ ፍልጠት ብግብሪ እናማሓየሽካዮን እናሓየልካዮን ክትከይድ እንከሎኻ፡ ንውሑድ ቁጽሪ የራብሖ፡ ንድኹም ሓይሊ የሐይሎ። ነቲ ራእዪ (vision) እውን ዝያዳ የሐይሎ። ስለዚ ፍልጠትን መሃዝነትን ርእሱ ዝኸኣለ ክብሪ ኮይኑ፡ ወሳኒ ረቛሒ ናይ ዓወት እዩ።