ኣብ ሻምፕዮን ዓለም 2017 ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ ተፈሊጦም
ኣብ መበል 90 ውድድር ጽርግያ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም 2017፡ ንኤርትራ ዝውክሉ ተቐዳደምቲ ከምእተመርጹ፡ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊ ጋንታ ኣቶ ሳምሶም ሰለሙን ሓቢሩ፣ብመሰረት ሓበሬታኡ፡ ኣብ ናይ ዓበይቲ ውድድር ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ – ናትናኤል ብርሃነ፡ መርሃዊ ቁዱስ፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ሜሮን ተሾመን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ምዃኖም ብምሕባር፡ ሜሮን ተሾመ ኣብ ክሮኖ ሜተር ከም ዝሳተፍን ኣማኑኤል ድማ ከም ቅያር ኮይኑ ናብ ኖርወይ ከምርሕ እዩ፣ ሜሮን ኣብርሃም፡ ዓወት ሃብቶም፡ ዘመንፈስ ሰለሙን፡ መሓሪ ተስፋጽዮንን ሳይሞን ሙሴን እቶም ብትሕቲ 23 ዓመት ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ እዮም፣ ኣብዚ ውድድር ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብሰንኪ ናይ ሕክምና ቆጸራ ከምዘይሳተፍ ተፈሊጡ ኣሎ፣
ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ካብ 17 ክሳብ 24 መስከረም ኣብ ከተማ በርገን – ኖርወይ ክእንገድ እዩ፣ ኖርወይ ሎሚ ንኻልኣይ ግዜኣ’ያ ነዚ ዓቢ ውድድር ከተአንግድ፣ 17 መስከረም ብናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር (ብኽልቲኡ ጾታ) ዝፍልም ሻምፕዮን ዓለም፡ ብናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ጽርግያ ውድድር እዩ መጋረጃኡ ክዓጹ፣ ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ደቂ ተባዕትዮ ክሽፍኑዎ ተሰሪዕሎም ዘሎ 276.5 ኪሎሜተር፡ ካብ 1981 ንድሓር እቲ ዝነውሐ ጕዕዞ ናይዚ ውድድር እዩ፣