ቭላድሚር ፑቲን : ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ከንቱ እዩ
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ “ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተወሳኺ እገዳ ምውሳን ረብሓ ዘይብሉ ከንቱ’ዩ” ክብል፡ ኣመሪካ ተወሳኺ እገዳ ንምትግባር እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ትርጉም ከምዘይብሉ ኣብ ኣኼባ ብሪክስ ገሊጹ።
ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ንብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝጥርንፍ ኣኼባ – ብሪክስ፡ ቅልውላው ሰሜን ኮርያ ዝፍትሓሉ እንኮ ኣማራጺ
ዲፕሎማሲ ጥራይ ምዃኑ ዝገለጸ ፑቲን፡ “ሰሜን ኮርያውያን፡ ኑክሌሳዊ መደባት ካብ ምቁራጽ ጥሜት ይመርጹ” ኢሉ። ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እንተደኣ ወሲዳ፡ ከም ዕብዳን ከም ዝርእዮ ዝገለጸ ፑቲን፡ እቲ ኵነታት ናብ ግሎባዊ ህልቂት ከም ዘምርሕ’ዩ ዘጠንቅቕ። እንተዀነ፡ ነቲ ሰሜን ኮርያ ዘካየደቶ ሻዱሻይ ፈተነ ኑክሌር – “ተዅታዂ ስጉምቲ” ክብል ኰኒኑዎ ኣሎ።
ዝሓለፈ ሰንበት ገዚፍ ኑክሌሳዊ ቦምብ ዝፈተነት ሰሜን ኮርያ፡ ዘለዋ ኩሉ ኣጽዋር፡ ካብ ኣመሪካ ክመጻ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል ከም እተውዕሎ እያ ተፍልጥ።
ኣመሪካ ብሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተረረ እገዳታት ክትግበር ከም ዘለዎ ኣገንዚባ። ምስታ ሃገር ጥቡቕ ንግዳዊ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ጸቕጢ ክገብራ ድማ ጸዊዓ። እዚ ምስ ዘይሰርሕ፡ ወተሃደራዊ ኣማራጺ ከም እተናዲ ድማ ተጠንቅቕ።
ምስ ሰሜን ኮርያ ዝዓበየ ንግዳዊ ሽርክና ዘለዋ ቻይና ብወገና፡ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ብዝርርብ ጥራይ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ተገንዝብ።
ሩስያን ቻይናን፡ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኮርያ ትተኽሎ ዘላ ስርዓተ-ጸረ-ሚሳይልን ተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ልምምዳትን፡ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ወጥሪ ካብ ምግዳድ ሓሊፉ ዘምጽኦ ፍረ ከም ዘየለ ይሕብራ።