ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 8 መጋቢት “ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ዋሕስ ልኡላውነትን ልምዓትን!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ከም ወትሩ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪራ ትውዕል ኣላ።
ናይ ሎሚ ዘበን 8 መጋቢት፡ ዕብየትና ንምሕንኳል ዘንቀዱ ማእለያ ዘይነበሮም ተጻብኦታት – ብልዑል ሃገራዊ ንቕሓትን መኸተን ኣረብሪብና፡ መሰረታዊ ልምዓት ኣብ ምውዳድ ቀሊል ዘይኮነ ገስጋሰ ብምምዝጋብ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ እንሰግረሉ መድረኽ መቐይሮ እያ ትበዓል ዘላ። ናይ’ዚ ሓድሽ ምዕራፍ ተልእኾና ድማ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተዋህለለ ገስጋስ ብምዕቃብ፡ ዝበረኸ ዕብየት ምርግጋጽ እዩ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ተኣምር ዝሰርሐ ድሙቕ ኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ኣብ ምዕዋት ዝቕጽል ሃገራዊ መደባት ልምዓት ግደኡ ወሳኒ እዩ።
ከም ዝፍለጥ፡ ዕዙዝ ሱታፌ ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኮነ ኣብ ዕማም ህንጸት ሃገር፡ ዋሕስ ልዑላውነትን ልምዓትን ምዃኑ ብግብሪን ብተደጋጋምን ኣመስኪሩ እዩ። እዚ ግብራዊ ስራሕ’ዚ ድማ፡ ንኣመለኻኽታ ዜጋታት ብመሰረቱ ቀይሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ጾታዊ ማዕርነት ንብዙሕ ድሕረታት ዝሰገረ ሕብረተሰብ ክኸውን ኣብቂዕዎ ኣሎ።
ብተወሳኺ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ምዕሩያት ኣበርከትቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምዕሩያት ረባሕቲ ንክኾና ብዝተፈጥረ ዕድላት፡ ህይወት ኤርትራውያን ደቂ- ኣንስትዮ ብዓይነቱ እናተለወጠ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። ካብ’ቲ ብዙሕ ለውጥታት ገለ ጉሉሓት መርኣያታት ንምጥቃስ፡ ኣብ 1991 መጠን ሞት ኣዴታት ኣብ ግዜ ወሊድ 998 ዝነበረ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ትሕቲ 325 ወሪዱ ኣሎ። ከም ክሽቦ፡ ትሕቲ ዕድመ መርዓን ካልእን ዝኣመሰለ ጎዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ሕጋውን ኮማውን ድርኺት ስለ ዝረኸበ፡ ኣዝዩ ዘተባብዕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ ትምህርቲ ተኸፊቱ ብዘሎ ምዕሩይ ዕድላት፡ ሱታፌ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ልዕሊ 34.3%፡ ኣብ ኮለጃት ድማ ብገምጋም ልዕሊ 37.1% ምብጽሑ፡ ንብሩህ መጻኢ ዕድል ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዘእምት እዩ። ሱታፈ መንእሰያት ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያታት፡ እንተላይ ኣብቲ ንደቂ-ተባዕትዮ ጥራይ ተሓዚኡ ዝነበረ ዕዮታት እውን ርኡይ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ድኽነት ንምውጋድን ቁጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽን ኣብ ዝግበር ዘሎ መደባት ልምዓት ዘለወን ሱታፌን ተራን ዕዙዝ ኢዩ።
ደረጃ ምዕሩይነት ጾታን ሱታፌን፡ መዐቀኒ ስልጣነ ሕብረተሰባት እዩ። እቲ ዝበለጸ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክወቕዖ ዝሕልን ናይ መወዳእታ ሽቶ እንተሎ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ፡ ማሕበራዊ ቦታን ካልእ ፍልልያትን ንኹሉ ኣባል ሕብረተሰብ ምዕሩይ ዕድላት ምርግጋጽ እዩ። ምርግጋጽ ምዕሩይ ዕድላት ብሸነኹ ንህንጸትን ምዕባለን ሕብረተሰብ ዓቢ ድርኺት እዩ። በዚ መንጽር እዚ ክጥመት እንከሎ እምበኣር፡ ምርግጋጽ ምዕሩይ ዕድላትን መሰላትን ደቂ-ኣንስትዮ ክንዮ ሰብኣዊ መሰል፡ ዋሕስ ልምዓትን ዕብየትን ሕብረተሰብ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምርግጋጽ መሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ከመዝግቦ ዝበቕዐ ገስጋስን ዘማዕበሎ ቅኑዕ ኣመለኻኽታን ንቕሓትን እምበኣር፡ ሓደ ካብቲ እንኾርዓሉ ታሪኽናን መርኣያ ሃገራዊ ክብርናን ባህልናን እዩ። እዚ ብርቂ ገስጋስ’ዚ፡ ዝያዳ እናበረኸን እናወርጸጸን ክኸይድ ከኣ፡ ናይ ኩሎም ኣካላት መንግስቲን ሕብረተሰብን ሓልዮትን ናብዮትን የድልዮ። እዚ ንክኸውን፡ ሕቶን መልስን ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ከም ኣምርን ዕላማን ደጋጊምካ ምኹልዑ ኣገዳሲ እዩ። ንብሉጽ ውጽኢት ድማ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ማዕረ ዕድላት ብምስፋሕ፡ ሞያን ዓቕሚን ጸጋታትን ደቂ-
ኣንስትዮ ዝዓብየሉ መደባት ሓያል ውዳበ ደቂ-ኣንስትዮ ብሓፈሻ፡ ኣብ መንእሰያት ዘቕንዐ ድማ ብፍሉይ ብምክያድ፡ መላእ ዓቕሚ ሕብረተሰብና ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ኣሰሊፍና፡ ኣድማዕነትና ከም ሃገርን ሕብረተሰብን ብተዓጻጻፊ ክብ ከነብሎ፡ ብኣጋጣሚ እዛ ክብርቲ ዕለት 8 መጋቢት
መብጽዓና ከነሐድስ ሃማደኤ ይጽውዕ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት! ዕድመ ን8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ! ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዓወት ንሓፋሽ!