ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 8 መጋቢት “ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ዋሕስ ልኡላውነትን ልምዓትን!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ከም ወትሩ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪራ ትውዕል ኣላ። ናይ ሎሚ ዘበን 8 መጋቢት፡ ዕብየትና ንምሕንኳል ዘንቀዱ ማእለያ ዘይነበሮም ተጻብኦታት...