ሳዋ፡ ብቕዓት ደቂ-ኣንስትዮ ተማሃሮ ንምሕያል ኣስተምህሮ ተዋሂቡ
ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ – ሳዋ፡ ብቕዓት ደቂ- ኣንስትዮ ተማሃሮ ንምሕያልን ኣብ ኩሉ መዳይ ተወዳዳርነተን ክብ ዝብለሉ ባይታ ንምጥጣሕን ዝሕግዝ ኣስተምህሮ፡ ብ10ን 21ን መስከረም ተዋሂቡ።
ኣብቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት 31 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተሳተፍኦ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ኣገዳስነት ኣካዳሚ ኣብ ውልቃውን ኮማውን ዕቤትን ምዕባለን፡ ሜላታት ኣጸናንዓ፡ ትምህርቲ ጾታን ማዕርነትን፡ ከምኡ’ውን ረብሓታት ሓባራዊ ህይወት ዘተኰረ’ዩ ነይሩ። መምህር ኣሚራ ኣልኣሚን ንኣገባብን ሜላን ኣጸናንዓ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ኣስተምህሮ፡ ዘዕግብ ውጽኢት ንምርካብ፡ ነፍሲ-ወከፍ ተመሃራይ ካብ ምጅማር ትምህርቲ ኣትሒዙ ግዜኡ ብዝግባእ ብምምቕራሕ ተዛንዩ ከጽንዕ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹር ዕላማ ብምቕማጥ ድማ ነቲ ዝምነዮ ፍረ ንምሕፋስ ጻዕሩ ከዛይድ ከምዝግባእ ጠቒሳ፡ መርመራ ምስ ተቓረበ ንመጽናዕቲ ኢልካ ዝካየድ ሸበድበድ ካብ ምርባሽን ምጭናቕን ሓሊፉ ዝርከቦ ረብሓ ከምዘየለ ኣብሪሃ።
“ስነ-ኣእምሮኣዊ ምድላዋት፡ ቀንዲ መንገዲ ዓወት’ዩ” ዝበለት መምህር ኣሚራ፡ መደባት መጽናዕቲ ብዝግባእ ምስራዕ፡ ካብ ጸቕጢ ምርሓቕ፡ እወታዊ ኣተሓሳስባ ምስራጽ፡ ጉጅለኣዊ ኣጸናንዓ ምትእትታው፡ ከምኡ’ውን ንመጽናዕቲ ዝጥዕመካ ምቹእ ቦታን ግዜን ምምራጽን ርእሰ ተኣማንነት ምምዕባልን፡ ኣብ እትሕልኖ ዕላማ ከብጽሑኻ ዝኽእሉ ሜላታት ምዃኖም ብሰፊሑ ኣረዲኣ።
መምህር ኣሚራ ኣብ መወዳእታ፡ መምህር ኣብ ዝገልጸሉ እዋን ብግቡእ ተኸታቲልካ መዘኻኸሪ ዝኾነካ ነጥብታት ምጽሓፍን ንዘይተረድኣካ ካብ መምህርካ ይኹን ካብ መዛኑኻ ሓቲትካ ንኽትፈልጥ ምጽዓርን፡ ኣብ ምብራኽ ፍልጠትካን ርእሰ-ተኣማንነትካን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ተመሃሮ ብሓፈሻ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ ንጹር ራኢን ዕላማን ሒዞም ጻዕሮም ከዛይዱ መኺራ።