ሚ/ሪ ጥዕና ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ
ተወሺቦም ዝጸንሑ ዕድመኦም ካብ 22 ክሳብ 50 ዓመት ዝዝርጋሕ 4 ዜጋታት፡ ብ17ን 18ን ሚያዝያ ብዝተገብረሎም መርመራ፡ COVID-19 ስለዝተረኽቦም፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ፡ ዛጊት 39 በጺሑ’ሎ።
ካብቶም COVID-19 ስለዝተረኽቦም 4 ዜጋታት፡ እተን 3 ደቂኣንስትዮ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ-ተባዕታይ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ሰለስተ በረራታት ቅድሚ ምቊራጹ ዝኣተዉ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጸንሐት’ዮም።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ 3 ካብቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝጸንሑ ሕሙማት ኮሮና ቫይረስ፡ ብዝተገብረሎም መርመራ ካብ’ቲ ሕማም ነጻ ኮይኖም ስለዝተረኽቡ፡ ብ18 ሚያዝያ ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።