ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣብ ሃርጌሳ ዑደት ኣካይዶም
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሎሚ 18 መጋቢት ኣብ ሃርጌሳ ምስ ፕረዚደንት ሙሴ ቢሂ ዓብዲ ተራኺቡ።
ፕረዚደንት ሙሴ ዓብዲ፡ ንተበግሶ ኤርትራ ድሕሪ ምምጓስ፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሶማሊላንድን መርገጺታታ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያትን፡ ንልኡኽ ኤርትራ መብርሂ ሂቡ።
ዕላማ ናይ’ዚ ናይ መጀመርያ ዑደት፡ ምስ ሶማሊላንድ ጽምዶ ንምጅማርን ዞባዊ ሰላም ንምድንፋዕን’ዩ። ልኡኽ ኤርትራ ኣብዚ ናይ 3 መዓልታት ዑደቱ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ሶማሊላንድ፡ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታት ዘተኰረ ርክባት ከካይድ’ዩ።