መበቆልን ኣመዓባብላን ጥበባውን ታሪኻውን መስርሕ ምድላው ብራናታት ግእዝ
ብ ኣብርሃም ዘርኣይ
ኤርትራ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ፡ ሓንቲ ካብተን ኣዝዮም ጥንታውያን ዝዀኑ ስልጣነታት ዓለምና እትውንን ሃገር እያ። ከም ኣካል እዞም ውርሻታት ከኣ፡ ሓያለ ጥንታዊ መልክዖም ዓቂቦም ክሳብ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ዘመናውነት፡ ብድሆታት ዝተፈላለዩ መድረኻት ሓሊፎም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ይርከቡ። ሓደ ካብዞም ድንቂ ኣብነታት ስልጣነታት ሃገርና፡ ካብ ልምድታትን ኣገልግሎትን ሓያለ ገዳማትን ኣድባራትን ተፈልዩ ዘይርአ ትሕዝቶታት ኣብ ብራናታት ግእዝ ዝሰፈረ ጽሑፋዊ ሓድግታት እዩ። ሓያለ ኣድባራትን ገዳማትን ሃገርና፡ ጥንታውያን ሓሓሊፉ’ውን ዕዲሚኦም ብንጹር ዘይፍለጡ ኣብ ብራናታት ዝሰፈሩ ጽሑፋዊ ትሕዝቶታት ዓቂበን ይርከባ። እዞም ኣብ ሓያለ ኣድባራትን ገዳማትን ሃገርና ዝርከቡ ጥንታውያን ብራናታት፡ ምስ ጥንታዊ ምዕባለ ስነ-ጽሑፍ ግእዝ ተኣሳሲሩ ዝርኣይ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶታት ሓዚሎም ይርከቡ። እዞም ውጽኢት ቆርበት እንስሳታት ዝዀኑ ብራናታት ግእዝ፡ ብዘለዎም ነፍሳዊ (organic) ትሕዝቶ፡ ምስ ንውሓት ግዜ ናይ ዕንወት ሓደጋ ዘንጸላለዎም እዮም። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ዕድመ ዘቝጸሩ ብራናታት፡ ጽሑፋዊ ትሕዝቶኦም ንምዕቃቦም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ሓደስቲ ብራናታት ብዝተለምደ ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባባት ክረጋገጹ ኣሸጋሪ እዩ። ይኹን’ምበር ምዕባለ ስነ-ጽሑፍ ግእዝ ንልዕሊ 2000 ዓመታት ከይተለወጠ ብምጽንሑ፡ መበቆልን ምዕባለን ጥበብ መስርሕ ምድላው ብራናታትን ምስኦም ዝዛመድ ጽሑፋዊ ትሕዝቶን ምስ’ዚ ፍጻመታት ከምዝተኣሳሰር ይግለጽ። ስነ- ጽሑፍ ግእዝ ኣብ 4ይ-5ይ ክፍለ-ዘመን ዘለዎ ህሉው መልክዕ ከምዝሓዘን፡ ኣብ ዳሕረዋይ ዘመናት ብፍላይ ከኣ ካብ 12- 17 ክፍለ-ዘመን ምስ ምዕባለ መስርሕ ምድላው ብራናታት ኣብ ማእከላይ ዘመን ወርቃዊ ዘመን ከም ዘሕለፈን ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ይሕብሩ።
ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ጥንታውያን ገዳማትን ኣድባራትን፡ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎም ኣብ ብራናታት ዝሰፈሩ ጽሑፋት ግእዝ ዓቂቦም ይርከቡ። ጂያንፍራንቸስኮ ሉዚኒ፡ ዝተባህለ፡ ተመራማሪ ስነ-ጽሑፍ ግእዝን ታሪኽን ከም ዝገልጾ፡ ጥንታዊ ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣብ ሃገርና ዝበዝሐ ኣብ ብራናታት ዝሰፈረ ጽሑፋት ግእዝ ዓቂቡ ከም ዘሎ ይሕብር። ብኻልእ ወገን፡ ጃሴክ ቶማስዊስኽን ማይክል ገርቨርስን ዝተባህሉ ተመራመርቲ ኣብ 1994 ዘስፈሩዎ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡ ጥንታዊ ገዳም ደብረ-ሊባኖስ ሃም ብውሑድ 84 ብራናታት ኣብ ትሕዝቶኡ ዓቂቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዞም ጥንታውያን ገዳማትን ኣድባራትን ሃገርና ዝርከቡ ጥንታውያን ብራናታት ግእዝ ክንዮ ሃይማኖታውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ዝህቡ ትሕዝቶታት፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ግእዝ፡ ታሪኽን መበቆል ኣመዓባብላ ዝተፈላለዩ ጥበባት … ወዘተ ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ጽሑፋት ሓቚፎም ብምህላዎም ፍሉይነቶም ጉሉሕ እዩ። መብዛሕትኦም እዞም ብራናታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት እናተቐድሑ ዝመጹ ምዃኖም ዝግለጽ እኳ እንተዀነ፡ ኣቓልቦ ሞያውያን ምሕደራን ዕቃበን ባህላዊ ውርሻታት፡ ታሪኽ፡ ስነዳ… ወዘተ ዝረኸቡ እዮም። ንጥበባዊ መስርሓት መበቆልን ኣመዓባብላን ምድላው ብራናታት ግእዝ ከምኡ ድማ ዘለዎም ታሪኻዊ ኣገዳስነት ምስ እንምልከት፡ እዞም ጥንታውያን ጽሑፋት ዓቂቦም ዘለዉ ብራናታት ግእዝ ድንቂ ኣብነታት ባህላዊ ውርሻታት ሃገርና፡ ዞባናን ዓለምናን ምዃኖም ምፍላጥ የድሊ።
ዛጊት ኣብ ሃገርና፡ ክንዮ ምልላይን ምስናድን ኣብ ዝተፈላለዩ ጥንታውያን ኣድባራትን ዘለዉ ኣብ ብራናታት ዝሰፈሩ ጽሑፋትን ኣፈናዊ ናይ ምዕቃብ ስራሕን ዕምቆት ዘለዎ መጽናዕትታት ኣይተገብረን።
ይኹን`ምበር፡ ኣብ ዙርያ ጥበባዊ መበቆልን ኣመዓባብላን መስርሕ ምድላው ብራናታት ግእዝ ከምኡ’ውን ታሪኻዊ ትሕዝቶኦም ዝግበር መጽናዕቲ፡ ኣገዳስነት እዞም ጥንታውያን ውርሻታትን ምስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ብምዝማድ፡ ኣፍልጦና ክነዕብይ ዘኽእሉና እዮም። ክንዲ ዝዀነ፡ ኣብዚ ዓንቀጽ፡ ንጥበባዊ መስርሓት መበቆልን ኣመዓባብላን ምድላው ብራናታት ግእዝ ምስ ታሪኻውን ባህላውን ኣገዳስነቶም ተኣሳሲሩ፡ ሓፈሻዊ መብርሂ ሰፊሩ ኣሎ።
ንጥበባዊ መስርሓት መበቆልን ኣመዓባብላን ምድላው ብራናታት ግእዝ ምርኩስ ዝገበሩ መጽናዕትታት፡ ኣብ ዙርያ ጥበብ ጽሑፍን ምውቃብ ገጻት እዞም ብራናታት (writing systems and painting of layers)፡ መስርሕ ምድላው ገጻት ብራናታት (construction of book blocks) ከምኡ’ውን መስርሕ ምትሕሓዝ ገጻት እዞም ብራናታት (binding process) ይካየድ። ብራናታት ግእዝ ካብቶም ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተዳለዉ ብራናታቶም ዝፈልዮም ሓያለ ኣብነታት ኣሎ። እዞም ፍልልያት ብቐንዲ ኣብ ዝተፈላለዩ መስርሓት ኣገባብ ምድላውን ኣብ ዓይነታት ንመስርሕ ምድላው ናብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ቆርበትን ከምዘመንጨዉ ይግለጽ። ብራናታት ግእዝ ብቐንዱ ካብ ቆርበት ኣጣል ከምዝተዳለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ። ብኻልእ ወገን፡ ብራናታት ግእዝ ብተዛማዲ መሰረታዊ ናይ ምድላው ኣገባብ ዝሓለፉ ኰይኖም፡ ሓያል ኬሚካላዊ መስርሓት ዘይተገብረሎም እውን እዮም። እዚ መስርሕ’ዚ ብተዛማዲ ነቶም ኣብ ብራናታት ግእዝ ምስ ንውሓት ግዜ ኣብ ገጻቶም ዝርኣዩ መለግለግ ዝብሉ ባህርያዊ መስርሓት (gelatinization process) ዝጸልው እዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ብራናታት ግእዝ ካብቶም ኣብ ኣህጉር ኣውሮጳ ኣብ ተመሳሳሊ እዋናት ዝፈረዩ ብራናታት ብተዛማዲ ኣብ ዓይነቶም ይፍለዩ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ መስርሕ ምትሕሓዝ ገጻት ብራናታት ግእዝ (binding process) ዝርኣይ ቅርጺ ምስቶም ብኦርቶዶክሳዊ ኢደ-ጽሑፋት (Orthodox Codices) ዝፍለጡ ልምድታት ማእከላይ ምብራቕን ስልጣነታት ኢለን ይመሳሰል። በዚ ምኽንያት’ዚ እምበኣር፡ ኣብ መስርሕ ምትሕሓዝ ኣብ ብራናታት ግእዝ ዝርኣዩ ናይ ምውቃብ ባእታታት (decorative elements) ካብ መስርሕ ምዕባለ እዚ ኦርቶዶክሳዊ ኢደ-ጽሑፋት፡ ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ናይ’ዚ ምዕባለ ከምዝማዕበሉ ይግለጽ። ብተመሳሳሊ መዳይ፡ እዞም ተርእዮታት ምስ ዝርግሐን ምዕባለን ጽሑፋዊ ሓድግታትን መስርሕ ምድላው ብራናታትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ስልጣነታት ኒልን ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ምድላው ብራናታት ግእዝ ኣብ ሃገርና፡ ምስዞም ኣብዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ቦታታት ዝማዕበሉ መስርሓት ምትሕሓዝ ገጻት ብራናታት ማይ ምውቃብ ኣብነታትን ብምንጽጻር ተመሳሳልነቶምን ፍልልያቶምን ክርኣይ የድሊ። ክንዲ ዝዀነ፡ ሓፈሻዊ ርድኢት መስርሕ ምዕባለ እዞም ጥበባት ኣብ ዞባና ክህልወና ሓጋዚ እዩ።
ካብዚ ብዘይፍለ፡ ኣብ ጥበባዊ መዳይ መስርሕ ምድላው ብራናታት ግእዝ ዝርኣዩ ምስ ኣጠቓቕማ ባእታታት (adhesives) ዝተኣሳሰሩ መስርሓት ኣገደስቲ መረዳእታታት መስርሕ ናይዞም ድንቂ ኣብነታት ባህላዊ ውርሻታትና እዮም። ኣብ ገለ ገለ ጽሑፋት ከም ዝግለጽ፡ ውጽኢት ኣትክልቲ ዝዀነ ስታርች (Starch paste) ዝበሃል ባእታ ነዚ ዕላማ የገልግል ምንባሩ ይፍለጥ። ብኻልእ ወገን፡ ነዚ መዳይ ዘገልግሉ ዝነበሩ መበቆላውያን ትሕዝቶታት ካብ ኣትክልቲ ዝመንጨዉ ኮላታት (gums and gum resins) ምንባሮም ካልኦት ጽሑፋት የረድኡ። ነዞም መረዳእታታት ምርኩስ ብምግባር እምበኣር፡ ኣብዞም ብራናታት ግእዝ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ጥበባዊ መዳይ ንምርዳእ መጽናዕትታት (physic- chemical surveys) ክግበር ኣድላዪ እዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ገጻት ብራናታት ግእዝ ዝርኣዩ ወግዕታት ምስላም (decorative conventions) ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ምትሕሓዝ እዞም ገጻት (book binding process) ዝዝውተሩ መሳርሒታት ኣብ ዙርያ ጥበባዊ ኩርናዕ እዚ ዘመናት ዘቑጸረ ያታዊ ፍልጠት ዝርኣዩ እዮም። ኣብ መስርሕ ምውቃብ እዞም ገጻት ብራናታት ግእዝ ዝርኣዩ ትሕዝቶታት (motifs)፡ ኣብ መስርሕ ምድላው ብራናታት ዝርኣዩ ሒደት ግን ኣገደስቲ ፍልልያት፡ ምንጽብራቕ ኣሳእልን ኣጠቓቕማ ኣብ ጽሑፍን ምውቃብ ገጻት እዞም ብራናታት ዝርኣዩ ዝተፈላለዩ ሕብሪ ዝህቡ ባእታታትን ንጥበባዊ መስርሕ ምድላው እዞም ኣካል ባህላዊ ውርሻታትና ዝዀኑ ብራናታት ግእዝ ንምርዳእ ዘገድሱና መዳያት እዮም። ያታዊ ኣተዓቓቕባ እዞም ጥንታውያን ብራናታት ግእዝን ኣገባባት ምዕራይ ዝተበላሸዉ ገጻቶም’ውን ካብዚ ብዘይፍለ ምሉእነት መስርሕ ምድላው እዞም ብራናታት ንምፍላጥ ይሕግዙ።
ስለ’ዚ ጥበባዊ መዳይ መስርሕ ምድላው ብራናታት ግእዝ ሓደ ካብቶም ኣብ ዘመናት ዝተጠርዩ ኣገደስቲ ባህላውን ስነ-ጥበባውን ክእለታት ሕብረተሰብ ኤርትራ እዮም። ተመራመርቲ ጃሴክ ቶማስዊስክን ማይክል ገርቨርሰን ከምዝገልጹዎ ብቕዓትን ጸዓትን እቶም ነዚ ጥበብ ዝውንኑ ዝነበሩ ሰባት ክንዮ ምስክር ስነ-ጥበባዊ ክእለቶም፡ ክብርታት እቶም ንዘመናት እናተወራሪሱ ታሪኻውን ባህላውን ውርሻታት ሕብረተሰብና ክስነድ ዘኽኣሉ ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ጥበባት እዮም።
እዞም ድንቂ ኣብነታት ባህላዊ ውርሻታትና ዝዀኑ ብራናታት ግእዝ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ምስ ንውሓት ግዜ ተኣሳሲሩ ንዕንወት ክቃልዑ ጸኒሖምን ኣለዉን። ኣገባብ ኣተዓቓቕባ እዞም ብራናታት ዝተፈላለዩ መስርሓት ዝጠምር ኰይኑ፡ ናብ ሓደጋ ምዕናው ከብጽሖም ዘኽእል ዝተፈላለዩ መስርሓት ንምፍላጥ ከኣ ስነ-ፍልጠታዊ ኣተሓሕዛ ምኽታል ኣድላዪ ይኸውን። ከፊላዊ መጽናዕትታት ዛጊት ተለልዮምን ተሰኒዶምን ዘለዉ ጥንታውያን ብራናታት ግእዝ ከም ዘነጽሮ፡ እዞም ድንቂ ኣብነታት ባህላዊ ውርሻታትና ምስ ነፍሳዊ (organic) ትሕዝቶኦም ዝዛመድ ኣብ ንውሓት ግዜ ዝርኣይ መለግለግ ዝብል ባህርያዊ መስርሓት (gelatinization process) ናብ ዝተሓላለኸን ዝተዋሳሰበን ናይ ምዕናው መስርሕ ከም ዘምርሖም ይፍለጥ። ዘይብቑዕ ናይ ምዕቃብ ቦታታትን ዘይተማልአ ናይ ምዕራይ መስርሕን ነዚ ዝተወሳሰበ ባህርያዊ ኩነታት ዝድርኹ ኰይኖም፡ ምዕቃብ እዞም ጥንታውያን ብራናታት ግእዝ ነዞም ሽግራት ንምግታእ ዝዕልም እዩ። ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝተበጋገሱ ንትሕዝቶ እዞም ጥንታውያን ብራናታት ንምስናድን ምልላይን ክግበሩ ዝጸንሑ ንጥፈታት ቀሊል ተራ ዝነበሮም ኣይኰኑን። ብማእከል ስነዳን ምርምርን ዝተበጋገሱ ናይ ዲጂታይዘሽንን ማይክሮፊልሚንግ ስርሓት መሰረታዊ ኣካል ናይ’ዚ ኰይኖም ክጥቀሱ ይከኣል። ተራ እዞም ስርሓት ኣብ ናይ ምዕቃብ ስርሓት መሰረታዊ ባይታ ዘንጽፍ ኰይኑ፡ ምዕቃብ እዞም ብራናታት ግእዝ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ታሪኽ ባህላዊ ውርሻታት ክኢላታት ምሕደራን ምዕቃብን ቅርስታት ከምኡ’ውን ኣበርክቶ ጥንታውያን ገዳማትን ኣድባራትን ብግቡእ ከጣምር ኣብ ቀጻሊ ስርሓት የድሊ።