መበቆልን ኣመዓባብላን ጥበባውን ታሪኻውን መስርሕ ምድላው ብራናታት ግእዝ

ብ ኣብርሃም ዘርኣይ ኤርትራ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ፡ ሓንቲ ካብተን ኣዝዮም ጥንታውያን ዝዀኑ ስልጣነታት ዓለምና እትውንን ሃገር እያ። ከም ኣካል እዞም ውርሻታት ከኣ፡ ሓያለ ጥንታዊ መልክዖም ዓቂቦም ክሳብ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ዘመናውነት፡...