ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ
ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣብ’ቲ ካብ 26 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ሻምፕዮን ጕያ መሮር ዓለም ንምስታፍ፡ ዝመጽእ 23 መጋቢት ናብ ኡጋንዳ ከተምርሕ’ያ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣብዚ ዓለምለኻዊ ውድድር፡ ብምሉእ ቍጽርን ብምሉእ ጋንታን ማለት ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጁኒየርን ሲኒየርን፥ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ብተመሳሳሊ ኣብ ጁኒየርን ሲኒየርን ትሳተፍ ምህላዋ ክምስገን ዝግበኦ’ዩ፣ ኣብዚ ውድድር 24 ኤርትራውያን ኣትለታት ክሳተፉ ምዃኖም ብተወሳኺ ተፈሊጡ’ሎ፣ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ኣብ ውድድር ጕያ መሮር ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ፖድየም ብምድያብ፡ ሓንቲ ካብ ተጠመትቲን ተፈራህቲን ጋንታታት’ያ፣ ኣብ 2007 ኬንያ ኣብ ዘአንገደቶ ውድድር፡ ብመገዲ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ዘመዝገበቶ ናይ ወርቂ መዳልያ ዓወት፡ ኦለምፒካዊ ኣትለት ተኽለማርያም መድሕን ከኣ ኣብ 2013 ፖላንድ ኣብ ዘአንገደቶ ብዘመዝገቦ ናይ ነሓስ መዳልያ ዓወት ካብቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ዓወታት ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣብ ውድድር ጉያ መሮር’ዩ፣ ሻምፕዮን ጉያ መሮር ዓለም ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኣንገደሉ፡ ኤርትራ ደሚቓ ከምዝወጸት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ዓመት ደጊሙ ኣብ ኣፍሪቃ ሃገረ ኡጋንዳ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ግዜ ኸኣ ኣትለታት ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ ኵሉ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም ከመዘለዉ ሓቢሮም ኣለዉ፣ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ናይ ሲኒየር ውድድር ዝያዳ ከምተድምዕ’ዩ ዝግለጽ፣
ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኣትለቲክስ፡ እቲ ዝተሞኮረ ኣትለት እንተደኣ ሃልዩ – ኣትለት ሳምሶም ገብረዮሃንስ እዩ፣ ኣብ 2011 ስጳኛ ኣብ ዘአንገደቶ ሻምፕዮን ጕያ መሮር ዓለም፡ ኣትለት ሳምሶም ኣብ ናይ ጁኒየር ውድድር መበል 12 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ፈጺሙ ነይሩ፣ ኣትለት ሳምሶም ገብረዮውሃንስ ብዘለዎ ሃብታም ተመክሮ፡ ነዞን ንኣሽቱ ኣትለታት ኣብ ምቕላስ ዝለዓለ ተራ ክጻወት ትጽቢት ኣሎ፣
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከተማ ጉያንግ ናይ ቻይና ኣብ ዘአንገደቶ ቻምፕዮን ጉያ መሮር ዓለም 2015 ኣብ ናይ ጁኒየር 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ተሸላሚት ነሓስ መዳልያ ክትከውን ክኢላ’ያ፣ እዚ ዓወት፡ ኤርትራ ድሕሪ 2009 ንመጀምርታ ግዜ ኣብ ፖድየም ትድይበሉ ዝነበረት ብምንባሩ፡ ድሙቕ ዓወት’ዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል፣ ኣብቲ እዋን ኣትለታት ኣሮን ክፍለ፡ ኣፈወርቂ ብርሃነ ሞጎስ ሹማይን ኣትለት ብርሃነን ነዚ ዓወት ክዉን ክገብሩ ዝኸኣሉ ኣትለታት’ዮም ነይሮም፣ እዞም ኣርባዕተ ኣትለታት፡ ሎሚ ካብ ጁኒየር ናብ ሲኒየር ሰጊሮም፡ ደጊሞም ብሓባር ናብ ኡጋንዳ የምርሑ ኣለዉ፣ ምስ ምኵራት ኣትለታት ጎይትኦም ክፍለን ሳምሶም ገብረዮሃንስን ብምዃን ከኣ ነቲ ኣብ ቻይና ኣብ ናይ ጁኒየር ውድድር ዘመዝገቡዎ ዓወት፡ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ናይ ሲኒየር ክደግምዎ ትጽቢት ይግበር፣
ሓደ ካብዞም ኣርባዕተ ናይ ቻይና ዕዉታት ኣትለታት ዝኾነ ኣትለት ኣፍወርቂ ብርሃነ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ መስበርቲ ከምቲ ዝድለ ውድድር ከየካየደ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዛ ዓመት ግን ኣብ ሓያል ብቕዓት ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ፣ ኣፍወርቂ ኣብ 2014 ሃገራዊ ዘውዲ ሻምፕዮን ጕያ መሮር ድሕሪ ምድፍኡ፡ ኣብ ሻምፕዮን ጕያ መሮር መላእ ኣፍሪቃ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ተሸላሚ ነሓስ መዳልያ ክኸውን በቒዑ ነይሩ’ዩ፣ እንሆ ሎሚ ኸኣ ከም ሲኒየር ኣትለት ኮይኑ ንኡጋንዳ ይምለሳ፣