በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
አቀድም አእኵቶቶ ለእግዚአብሔር በኢየሱስ ክርስቶስ በእንተ ኵልክሙ እስመ ተሰምዓት ሃይማኖትክሙ ውስተ ኵሉ ዓለም። (ሮሜ ፲፩፡፰)
ኣቐዲመ ንዂልኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ሃይማኖትኩም ኣብ ኵሉ ዓለም ስለተሰምዐት፡ ንእግዚአብሔር አመስግን። (ሮሜ 11፡8)
ክቡራንን ክቡራትን፡ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሆስፒታል ተዓቒብኩም እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ፡ ኣብ ሓያል ጻዕሪ እትርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን ዘለኹም ሠራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሱራት፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ካብ ፳፻፲ወ፫/2013 ዓመተ ምሕረት ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ፡ ናብ ፳፻፲ወ፬/2014 ዘመነ ማርቆስ ዜናዊ፡ ብደሓነ ሰላም ኣብጸሓናን ኣብጸሓኩምን እናበልና ሠናይ ትምኒትና ንገልጸልኩም።
ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም፡ ወይረውዩ ኣድባረ በድው። (መዝ ፷፬፡፲፩)
ኣክሊል ዓመተ ምሕረት ትባርኽ፡ ናይ ምድሪ በረኻታት ጠሊ ይጸግቡ፡ ኣብ ምድረ በዳ ገቦታት ይረውዩ። (መዝ 64፡11)
ዘመን ሓሊፉ ዘመን ክትካእ ዝገበረ ጐይታ ዘመናት ልዑል እግዚአብሔር እዩ፡(ዘፍ፩፡፲፬-፲፰/1፡14-18) ። በዚ ድማ ንፍጥረታት ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ፡ ትውልዲ እናሕለፈን ትውልዲ እናተክአን መጋብን ሰራዕን ኮይኑ ዘናብር ባዕሉ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። (ዳን ፪፡፳-፳፪/2፡20-22)
እምበኣር ነዚ መሠረት ብምግባር መደምደታ ብሉይ ኪዳን መጀመርታ ሓዲስ ኪዳን ዝኾነ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ፡ ናይ ዘመን መሰጋገሪ ብምዃኑ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ብሉይ ናብ ሐዲስ፡ ካብ ዘመነ ኵነኔ ናብ ዘመነ ምሕረት ንዝተሰጋገርናሉ ዓቢይ ውዕለት ብምስትውዓል፡ ካብ ክፉእ ርሒቕና ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ክንዝክሮን ከነኽብሮን ሠሪዓትልና ኣላ።
፳፻፲ወ፫/2013 ዓመተ ምሕረት ኵልኻትኩም ከም እትፈልጥዎ ብሕማም ኮቪድን ፈታኒ ተጻብኦን ከምዘሕለፍናያ ንዂላትና ግሉጽ ኢዩ። ሕጂ ግና ዘመኑ “ማቴዎስ ተሳዕረ ማርቆስ ነገሠ” ዝበሃለሉ ዘመን፡ ኣምላከ ምሕረት ዘመነ ሰላም፡ ዘመነ ራህዋ፡ ዘመነ ፍቕሪ ክገብረልና ቡራኬናን ሠናይ ትምኒትናን ንገልጸልኩም።
ብተወሳኺ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍትና “ዘለዎ ንዘይብሉ የማቕል” (ሉቃ ፫፡፲/3፡10) ተባሂሉ ከም ዝተኣዘዘ፡ ምትሕግጋዝ ንቡርን ክቡርን ባህልና’ውን ስለዝኾነ ንጽጉማት ክንዝክር፡ ብሕማም ንዝሳቐዩ ወገናትና ክንበጽሕ፡ ንዝሓዘኑ ከነጸናንዕ፡ንዘኽታማትን ንዘይብሎምን ካብ ዘለና ምምቃል ከይንርስዕ እናበልና፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ብፍቕርን ምትሕልላይን ሠናይ ግብርን ክንዓይይ፡ ንዘይተሠርሐ ክንሠርሕ፡ ንዝተጀመረ ኽንፍጽም ብቕንዕና መንፈስ ክንትንሥእ ይግባእ።
ብረድኤት ርሑቀ መዓት ወብዙኃ ምሕረት፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድስት ቤተ ክርስቲያናን ሃይማኖትናን ከጽንዓልና፡ ሃገርና’ውን ክልልት በግርማ ሕጽርት ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ከንብረልና፡ እዚ ዓመት እዚ፡ ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ክገብረልና፡ ንዝሓመሙ ፈውሰ ምሕረቱ፡ ንዝተጸገሙ ድማ ራሕዋ ሂቡ፡ ፍረ ዘራእትና ክንሓፍስን፡ ሓድነትና ኣጽኒዕና ብፍቕርን ሕውነትን ክንነብርን ሓደራ ንብል። ኣብ መወዳእታ እግዚአብሔር ንወርኃ ክረምት ባሪኹ፡ ብዝናም ኣብቊሉ፡ ብፀሓይ ኣብሲሉ፡ ንዝሃበና ልምላሜ ናብ ፍረን ቆፎን ከምኡ’ውን ናብ ብርሃነ መስቀሉ ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ!!!
ብፁዕ ወቅዱስ ቀዳማዊ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ
መስከረም ፳፻፲ወ፬/ መስከረም 2021