ብምኽንያት ርእሰ ኣውደ ኣመት ቅዱስ ዮሐንስ ፳፻፲ወ፬ (2021) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈነወ መልእኽቲ (ቃለ ቡራኬ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። አቀድም አእኵቶቶ ለእግዚአብሔር በኢየሱስ ክርስቶስ በእንተ ኵልክሙ እስመ ተሰምዓት ሃይማኖትክሙ ውስተ ኵሉ ዓለም። (ሮሜ ፲፩፡፰) ኣቐዲመ ንዂልኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ሃይማኖትኩም ኣብ ኵሉ ዓለም ስለተሰምዐት፡ ንእግዚአብሔር አመስግን። (ሮሜ...