ዝኽሪ ህይወት ገዲም ተጋዳላይ ቀዳማይ ዋና ጸሓፊ ህ.ግ. – ብጻይ ሮሞዳን መሓመድኑር

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን! ኣብ ዓለም፡ ቅያታት ዝፍጸም፡ ብብርቱዕ ድሌትን ፍቕሪን’ዩ። እቲ ንግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ ሓያልን ፈንጢሱ፡ ዓለም ኣይክኣልን ዝበለቶ ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነት ክውን ዝገበረ ተኣምራታዊ ታሪኽ፡ ምንጩ ብርቱዕ ባህጊ ናጽነት፡ ሓያል ፍቕሪ ህዝቢን ሃገርን፡ ዘይንቕነቕ...