ዝበርዓነ ውጥን ዕብለላ

ኣብ 1989፡ ምውዳቕ “ሶቭየት-ነበር” ስዒቡ ዝተፈጥረ ዓለማዊ ኩነት፡ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ጥራሕ ኣይነበረን። ሓደ ህሩፍ ሕልሚ እውን ኣንቂሉ እዩ። ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣመሪካ፡ “ድሕሪ እምብራጦርያ ሮማ፡ ኣብ ዓለምና ከምዚ ናትና ገይራ ሓንቲ ሃገር ዝዓበለለትሉ...