ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ 30 ዓመት ናበይ?

ዝሑል ኲናትን ስምብራታቱን ከም ድሕረ-ባይታ ኣቐሚጥካ፣ ኣብቂዑ ካብ ዝተባህለሉ ሰዓት፡ ኣብዘን ኣስታት 30 ዓመታት፣ ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዝነበረ ዓቢ ትስፉው ዕድላት ዘይሃስስ ዝኽሪታት’ዩ። ነቲ ዕድላት ናብ ዘላቒ ርግኣትን ልምዓትን ንምድራኽ፣ ሃገራትን ህዝቢታትን ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣበጊሶሞ ዝነበሩ፣...