መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና

ምምሕዳር ስርዓት ኣሜሪካ፡ ከም መቐጸልታ ዝምቡዕ ተጻባኢ ፖሊሲታቱ፡ ሓድሽ ዝመስል ዓላቚ “እገዳ” ኣዊጁ’ሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ብፍሉይ፡ ዘላቒ (sustainable) ርግኣት ዝፈጥር መሰረታዊ ፍታሕ ንኸይወሓስ፡ ቀጻሊ/ዝተናውሐ ናይ ህውከት (chaos) ሕሱም-ሸንኰለል ንምምሕዳር፡...