መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ጽምብል ናጽነት

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጽኢን! ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ! እንቋዕ ንመበል 30 ዕለተ-ናጽነት ኣብጽሓና! ዮሃና! ንወደብቲ’ዚ ጽምብል ከኣ፤ ልዑል ምስጋና! ርዝነትን መኣዛን፡ እዛ ዕዝዝቲ ዕለት፤ ዓመት-ዓመት እናዛየደ ምኻዱ፤ ኪኖ ባህታን ሓበንን፤ ብዙሓት ሓቂታት ዝቕስቅስን...