ሓተታ : ሚዛን ሕብረት ኤውሮጳ ዘፍኰሰ ውሳነ

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብ22 መጋቢት 2021፡ ንኤርትራ ዝምልከት ዘይርትዓዊ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ታሕሳስ 2020 ውሳነታቱ መሰረት ብምግባር ኣሕሊፉዎ ዘሎ ቁጽሪ 2021/481 ዝተሰምየ ናይ እገዳ ስጉምቲ፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንካልኦት ሃገራት እውን ዒላማ...