Tagged: ሓሳውን ቆርበትን ፡ እናሓደረ ይፎክስ

ሓሳውን ቆርበትን ፡ እናሓደረ ይፎክስ

ብሚኪኤል ሓጎስ ኤርትራ ውሑድ ህዝቢ ግን ከኣ ዘሐብን ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ብምዃና፡ እቲ ቀንዲ ምስጢር ዓወት ናይዚ ውሑድን በይኑ ኣንጻር ብዙሕ ጊንጢታት ገጢሙ ዝተዓወተን ህዝቢ እንታይ ምዃኑ ንቡዙሓት ሕንቅል  ሕንቅሊተይ ይኾኖም ይኸውን`ዩ። ከም መቀጸልታ ዘቤታዊ ፕሮግራምን ፖሊሲታትናን ዝኾነ ናይ ወጻኢ ፖሊሲናን ዝምድናታትናን ‘ውን ን ሃገራዊ ረብሓናን ብዝሕሉ መንገዲ ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምን ብምስራሕ:ምስ ኩሎም ህዝብታትን መንግስታትን ዞባናን ዓለምን ኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ብምምዕባል ክምስረት ከምዘለዎ ብምእማን ዓሊምካ ምስራሕ ፡ ነቲ ናይ ውሽጢ መደባት ልምዓት ዝድርዕ ብሓደ ሸነኹ ምትሕብባርን ናይ ወጻኢ ሽርክነት ምሕያል በቲ ኻልእ ድማ ተጊሁ ምስ ምጽማም ሓድነት ምክእኣልን ሓዊሱ ይጋዓዝ ምህላው`ዩ ከም ህዝብን ሃገርን ንኹሎም ኣብ ልዕሊኤኡ በብእዋኑ ክመጹ ዝጸንሑ ቀይድታት ክበትኮምን ክዕወተሎምን ዝጸንሐን ዘሎን።   እዚ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ ከም ሃገርን ህዝብን ሃንቀው እንብሎ ከምቲ ሕልሚ ሰላምን ናጽነትን ጋህዲ ዝገበርና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ንዝነበሩና ኩሎም ዞባውን ዓለማውን ብድሆታት ብ ልዑል መኸተናን ተጸዋርነትን ጽባሕ ጋህዲ ንክኸውን ፡ብኹሉ ዓይነት መኸተታት ዘበርዓንና ንጽባሕ ጋህዲ ዝገብርናን፡ ሎሚ ድማ ነቲ እንሓልማ ተባሃጊትን ተወዳዳሪትን ኤርትራ ንምህናጻ ኣብ ናይ...