ብልጽግና’፡ ኣሳፊሕካ ሞት፡ ተዀርሚኻ ሞት
እቲ ነገር ገና’ዩ ዘሎ። ትግራይ ዝተሓወሶ ኲናት ካብ ዝጅምር ወርሒ’ኳ ኣይመልአን። ኣንፈቱ ግን ድሮ ይቀላቐል ኣሎ።
ውጥን “ብልጽግናን” ጐይተቱን፣ ቅድም ኣምሓራን ትግራይን ስዒርካ ምንብርካኽ፣ ደሓር ዓሰብ ምሓዝን ኤርትራ ከም ሃገር ምጥፋእን ኢዩ ኔሩ።
ፋኖ ኣምሓራ ግን ኣሎ፣ ሰዊዱ’ኳ ደኣ። ኣብ መኸተ ሰለስተ ዓመት ፡ ዓርሞሸሽ ሰራዊት ሃኒጹ፡ ንሰራዊት “ብልጽግና” የማህምኖ ኣሎ።
ሰራዊት ትግራይ’ውን፡ ዋላ’ኳ ካብ ከተማታት ትግራይ እንተዝለቐ፡ ጸላኢ ድማ ተሃዊኹ ‘ሞይቱ’ዩ’ ኢሉ እንተኣወጀ፣ ምስ ሰቡን ዕጥቁን ሰፊሕ ደገፍ ናይቲ ገጽ “ብልጽግና”ን ዕሱባት ከደዓትን ክርኢ ዘይደሊ ህዝቢ ትግራይን፡ ኣሎ። ህዱእ ገምጋም ጌሩ፡ ዓቕሙ ዳግም እናወደበ ድማ ኣብ ትግራይ ፋሕ ንዝበለ ሰራዊት ጸላኢ ቀቢሩ፡ ስርዓት “ብልጽግና” ንምውዳቕ ተንቀሳቓሲ መኸተኡ ፈሊምዎስ ይስጒም ኣሎ።
ፋኖን ሰራዊት ትግራይን ኩሎም ካልኦት ኣባላት “ኪዳን ንህልውና”ን- ብዓቢኡ ኦሮሞ፡ ከምኡ’ውን ዓፈር፡ ሶማል፡ ቤኒ ሻንጉል፡ ጉሙዝ- ሓባራዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መኸተኦም የሕይሉ ከም ዘለዉ’ውን ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሰራዊት ጸላኢ ካብ ሸዋ (ቀረባ ንኣዲስ ኣበባ) ክሳብ ዶባት ኤርትራ ተመጢጡ ተዘርጊሑ እናሃለወ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ጐኒ’ቲ ከምኡ ዕሱብ ኢማራት ዝዀነ “ዳዕም ሰሪዕ-ኣርኤስኤፍ” ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ይዋጋእ ኣሎ። ደገፍ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዝሕረሞ ከኣ ነዊሕ ኰይኑ’ዩ።
ምስ’ዚ ኹሉ ግድላቱ ግን፡ ምርጫ ጸላኢ ሕጂ’ውን ኲናት’ዩ። ቀንዲ ሕልሙን ድልየቱን ድማ ባሕርን መሬትን ኤርትራ ምጒባጥ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣንበርኪኽካ ምግዛእ። እዚ ድማ ሕጂ’ምበር፡ ካልእ ግዜ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣ (‘ናው ኦር ነቨር’) ኢሉ ደምዲምዎ ኢዩ። ኤርትራ ንምውራር ብዝወሓደ ንሰለስተ ዓመት ክገብሮ ዝጸንሐ ምቅርራብ ሎሚ ኣብ ዶብና ምስ ተጸገዐ ክገድፎ ኣይኰነን። ገለ ሃገራት ኲናት ንኸይውላዕ ዘመሓላልፈኦ ዘለዋ መልእኽታት ክዓግቶ ኣይኰነን። ጐይቶቱ ኣብ ፍርቂ መገዲ ደው ክብል ከፍቅዱሉ ኣይኰኑን።
ብተግባር ድማ፡ ኢማራት ውግሐ-ጸብሐ ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ትጓርተሉ ኣላ። እስራኤል መጋበርያኣ ምዃኑ ብወግዒ ኣዊጃ ትሕግዞ’ላ። ኣብ ፈቐዶ ዝቈጻጸሮ ከተማታትን ዓድታትን ኢትዮጵያ፡ ኣብ’ታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን፡ መንእሰያት ዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ ይገፍፍ ኣሎ። ኣቐዲሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስጉምቲ ከም ዝወስድ ንሕቡራት ሃገራት ብዕሊ ኣፍሊጡ ኔሩ’ዩ። ብቕድሚ ትማሊ ብትግርኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ከኣ፡ እንተዘይተንበርኪኽኩም፡ “ሳዕቤኑ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ” ብምባል፡ መደቡ ኣግሂዱ ኣሎ።
ብኣተሓሳስባ ጸላኢ፡ እዚ ኩሉ ፈኪሩን ተማባጺዑን፡ ክሳብ ዓንቀሩ ዓጢቑን፡ ናብ ዶብና ቀሪቡን፣ ብግምቱ ንትግራይ ኣዳኺሙን፣ ብዝወሓደ ዓሰብ እንተዘይሒዙ፡ ኣኸለ’ዩ፡ ካልኣይ ዕድል ክህሉ ኣይኮነን፣ ኣብ ስልጣኑ ክቕጽል’ውን ኣይክእልን’ዩ።
ንመራሒ “ብልጽግና” ኣብዚ በጺሕካ ደው ምባል ተዀርሚኻ ሞት ኢዩ። ስለዚ ድማ ብኹሉ ዘለዎ ዓቕሚ ክወርር’ዩ። ተራና፡ ንኹሉ እንተታት ድሉውነትና ምሕያል’ምበር ዘይምዝላቕ፣ ብሓያል መኸተና፡ ምዂርማይ ጥራይ ዘይኰነ ምስፋሕ’ውን፡ ንጸላኢ ሞት ከም ዝኸውን ምግባር ኢዩ።
ንኽተት ንሃገራና ንምክልኻል። ንኽተት ጸላኢና ንምስዓር። ምስ ተሳዕረ፡ ሕቖኡ ምስ ተጐዘ ጥራይ’ዩ ሓደግኡ ዝቕንጠጥ።


