ዓንደርቲ ናብ ጥፍኣት፡ ደለይቲ ሰላም ናብ ልምዓት
“ክኸውን’ዩ፡ ከመይ ዘይኸውን!” እትብል ደርፊ ዘይሰምዐ ኣይህልወናን ይኸውን። ኣብቲ፡ “ኣይከውንን’ዩ! ኦሮማይ! ጠፋእኩም! ኣንጻርኩም እልቢ ብረትን ሰብን ተጓሪቱ’ሎ፡. . .” ዝተባህለሉ እዋን’ዩ ከምኡ ዝበልና። ኣብ ድቕድቕ ጸላም ጩራ ብርሃን ክርኢ ዝኽእል እምነት ኣብ ዕላማን ቅኑዕነት ሃገራዊ ጉዳይን ስለ ዘሎና፡ ኣብ ከዋሕ እዋን ማይ ክፍልፍል ምዃኑ ንኣምን – ብሕልሚ ዘይኮነ ብግብሪ። መሬት ጸቢባ፡ ጥርሑ ገረወኛ ብርቱዕ ድምጺ እናገበረ፡ ክንዮ’ቲ ወቕታዊ ነብሒ ክትሓስብ ምኽኣልን ዝመጽአ እንተ መጽአ ብፈኸራን ታህዲድን ክምህ ዘይምባልን ታሪኽና ዘድምቖ ድሙቕ ኣሰርና’ዩ።
ነቲ ክኸውን ዘሎዎ፡ ከምቲ ክኾኖ ዘሎዎ ዘዅኖ እቲ ብዓል መትከል’ዩ። “ግድን’ዩ ክኸውን!” ዝብል ጽኑዕ እምነት ስቕ ኢልካ ዝሰርጽ ኣይኮነን። ብዓል ቅኑዕን ፍትሓውን ዕላማ ጥራይ እዩ ድማ ኣብ ውሽጡ ከስርጾ ዝኽእል። እልቢ ሰብን ኣጽዋርን ኣኪብና’ለና! ኣይትሓድር-ኣይትውዕል ጠፋእካ! እናተባህለ ክምህ ከይበሎ ጉዳዩ ዝገብርን ዓቕሙ ዘሐይልን ውሑድ ህዝብን ንኡስ ሃገርን ኢና። ብታህዲድን ፈኸራን ተንበርኪኽናን ተሰናቢድናን እንተ ንኸውን፡ ይትረፍ ከም ሃገር ክንህሉ፡ ከም ሰባት’ውን መበቆልና ምተማሕወ – መሬታና’ምበር ሰብና ዘይደልዩ ገዛእቲ እዮም ፈቲኖምና። ንሕና ግን ነቲ ክኸውን ዘሎዎ ኣጸቢቕና ስለ እንርድኦ፡ ከመይ ከም እነዅኖ ኣብ ምሕሳብ ንጸምድ። “ጸላኢ ገዚፍን ብዙሕን’ዩ፡ ክትስዕሩዎ ድማ ኣይትኽእሉን ኢኹም!” ክበሃለና እንከሎ፡ “ከመይ ዘይንኽእሎ!” ብምባል ከመይ ከም እንኽእሎ ኣብ ባይታ ብግብሪ ነርኢ።
ክጽልምት እንከሎ፡ ክንዮ’ቲ ጸላም ንዘሎ ብርሃን ክንርኢ ዘብቅዓና፡ “ከመይ ዘይበርህ!” ዘብለና ኣውራ ምኽንያት፡ እምነት ኣብ ገዛእ-ነብስና’ዩ። ነብሱ ዘይኣምን ሰብ፡ ዝከኣል ነገር ዘሎ ኣይመስሎን’ዩ። ኣብ ካልኦት ዝጽጋዕ፡ ተጸባዪ፡ ብትካቦ ዝነብር ሰብ፡ ሰሪሕካ ዝሕለፍ ኣይመስሎን’ዩ። ዓቕሉ ዘጽብብ፡ ኣተሓሳስባኡ ዝደፍን፡ ብዕለታዊ ፍጻመታት ዝርበሽ ሰብ፡ ክንዮ ኣፍንጫኡ ክሓስብ ኣይክእልን። ስለዚ፡ ኩሉ ነገር ንእኡ ዘይከኣልን ዘይከውንን’ዩ። ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዘማዕብል፡ “ኣይከውንን፡ ኣይከኣልን” ደኣ’ምበር፡ “ክኸውን’ዩ፡ ይከኣል’ዩ” ክብል ኣይደፍርን።
እታ ሓያል መርከብ፡ ምስ ሓያል ማዕበል እናተላተመት፡ ናብዝን ናብትን እናበለት፡ ናብ መዓርፎኣ ወደብ እትበጽሕ፡ ሓያል ካፕተን ምስ ዝመርሓ’ዩ። “ማዕበል በርቲዑ’ሎ፣ ኣይንወጽኦን ኢና፣ ኣኺሉና’ዩ፡” ዝብል ሰነፍ ካፕተን ዝመርሓ እንተኾይኑ፡ ብርግጽ ናብ መዓርፎኣ ኣይትበጽሕን’ያ። እዛ ናትና መርከብ፡ ክንዮ ኩሉ ማዕበልን ጸላምን ናብ መዓርፎኣ ከም እትበጽሕ እትኣምንን እትተኣማመንን’ያ። ኣብ ቅድሚኣ፡ “ክኸውን’ዩ ከመይ ዘይኸውን! እቲ ዝኸውን ጥራይ ድማ’ዩ ዝኸውን!” ዝብል ጭርሖ ዓወት ኣሎ። ዓንደርቲ ናብ ጥፍኣት፡ ደለይቲ ሰላም ናብ ልምዓት ክኸውን’ዩ፡ ከመይ ዘይኸውን!


