ንተንኰል ስርዓት ብልጽግና ዘቃልዐ ተወሳኺ ስጒምቲ!

ንተንኰል ስርዓት ብልጽግና ዘቃልዐ ተወሳኺ ስጒምቲ!
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስጓግ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቀዋሚ ወኪል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን ዝምልከት ሕጋዊ ናይ ተቓውሞ ደብዳበታት፡ ብ12 ጥቅምቲ ናብ ኣብያተ-ጽሕፈት ክልቲኡ ውድባት ሰዲዱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መልእኽቱ፡ እዚ ተግባር’ዚ ቅሉዕ ጥሕሰት መትከላት ልኡላዊ ምዕሩይነት ሃገራት ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዓንቀጽ 15 ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያ ከም ኣአንጋዲት ሃገርን ዝተገብረ ውዕል ናይ 2008፣ ንውሕስነት ወከልቲ ኣባል ሃገራት ዝምልከት ውዕል ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ 1965፣ ከምኡ’ውን ካልእ መሰረታዊ ኣህጉራዊ ስምምዓት ከምዝዀነ ብምንጻር፡ ኣባልነት ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት፡ ኣአንጋዲት ሃገር ብእትወስዶ በይናዊ ስጒምቲታት ክገሃስ ከምዘይግባእ ኣስሚሩሉ።

ውክልና ኣብ’ተን ውድባት ኣብ ቃሕታ ወይ ቀውፊ ካልእ ኣባል ሃገር ክምርኰስ ዘይግባእ ልኡላዊ መሰል ስለዝዀነ፡ ኣራሚ ስጒምቲታት ተወሲዱ፡ ኤርትራ – ከም ልኡላዊትን ማዕረ ኣባል ሃገርን፡ ኣባልነታን ምሉእ ተሳታፍነታ ኣብ ዝካየድ ንጥፈታትን ክረጋግጽ ጸዊዑ’ሎ።

እዚ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ናይ ምብራርን ዝምድና ናይ ምብታኽን ስጒምቲ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዒላማ ብምግባር ተካይዶ ዘላ ግህሰትን ጥሕሰትን’ዩ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት 2026 ጀሚሩ ንወግዓዊ ደብዳበታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምላሽ ምሃብ ብምቁራጽ፡ ርክባቱ ምስ’ቲ ሚኒስትሪ በቲኹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከይሓበረ፡ ብ8 ነሓሰ 2026 ኣባላቱ ካብ ኤርትራ ኣውጺኡ። እዚ፡ ነቲ ልሙድ ዲፕሎማስያዊ ስርዓት ዝጻረር ስጒምቲ፡ ምጥጣሕ ባይታ ንካልእ ዘንቀደ ተንኰል’ዩ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ኣብ ኣስመራ ክትዓጹ ድሕሪ ምውሳና፡ ብ1 ጥቅምቲ 2026 – ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን ዝተመደቡ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጹ ኣዚዛ። እንተዀነ፡ እቶም ዝተሰጉ ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰኑ፣ እንተላይ ኣብ’ተን ውድባት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ብምዃኖም፡ እቲ ስጒምቲ – ቅሉዕ ጥሕሰት ናይ’ቲ ንኣባልነትን ተሳታፍነትን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ዘመሓድር ኣህጉራዊ ሕግን ውዕላትን ስለዝዀነ፡ ክቕልበስ ምሕታት ልኡላዊ መሰል’ዩ።
MOI