ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ንኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረ-ሰብ መብርሂ ሂቡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሎሚ15 ጥቅምቲ፡ ኣብ ኣስመራንዝርከቡ ኣባላት ዲፕሎማስያዊ ማሕበረ-ሰብ፡ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራዒላማ ብምግባር ተካይዶ ዘላ ግህሰትን ጥሕሰትን፡ ከምኡ’ውን ጽልዋኡ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መብርሂ ሂቡ።
ሚኒስተር ዑስማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስርዓት ብልጽግና ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ጀሚሩ፡ “ልኡላዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ” ናይ ምውናን ሕልሙ ኣብ ተግባር ንምውዓል፡ ኩሉ ዓይነት ኣማራጺታት እንተላይ ሓይሊ ክጥቀም ምዃኑ ብተደጋጋሚ መግለጺታት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅሉዕ ኲናት ኣዊጁ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ከም’ዚ ዝኣምሰለ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንመትከላት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጻረር፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ2018 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ‘ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን’ ዝጥሕስ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከቦም ላዕለዎት ፖለቲካውያንን ወተሃደራውያንን ሰበ-ስልጣንብልጽግና፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብምንጻግ ንቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን ንምቊጽጻር ክህብዎ ንዝጸንሑ መግለጺታት ኣብነታት ኣሰንዩ ምዝርዛር፡ እዚ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከቢድ ስግኣት፣ ንዞባው ሰላምን ምርግጋእን ድማ ከቢድ ሓደጋምዃኑ ገሊጹ።
ሚኒስተር ዑስማን ኣስዒቡ፡ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብፍላይድማ ዓንቀጽ 2(4)፡ ኣንጻር ግዝኣታዊ ሓድነት ወይ ፖለቲካዊ ናጽነት ዝኾነት ሃገር ሓይሊ ይኹን ምፍርራሕ ምጥቃም ከምዝኽልክል ብምዝኽኻር፡ ስርዓት ብልጽግና ኣንጻር ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ነዚ ብምልኣት ዝግህስ ከምዝዀነን ክውገዝ ከምዘለዎን ኣረዲኡ።
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ‘ስምምዕ ፕሪቶርያ’ ኣመልኪቱ ድማ ሚኒስተር ዑስማን፡ እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተገብረ ምዃኑ ብምንጻር፡ ኤርትራ ኣካል ናይ’ቲ ስምምዕ ከምዘይኮነትን ኣብ ኣተገባብርኡ ዝኾነ ተራ ከምዘይነበራን ከምዘይምልከታን ኣረጋጊጹ።
“ስርዓት ብልጽግና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከባ ኣንጻር ኤርትራ ዝንቀሳቐሳ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምዕቋብ ወተሃደራውን ሎጂስቲካውን ደገፍ ከምዝገብረለን ድሕሪ ምብራህ፡ ዞባዊ ግጭታትዘጐሃህርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዘጋድድን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።
ንምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክገልጽ ከሎ ድማ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት2026 ጀሚሩ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ንወግዓዊ ደብዳቤታት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምላሽ ምሃብ ከምዘቋረጸንምስ’ቲ ሚኒስትሪ ርክባቱ በቲኹ ምጽንሑን፣ ብ8 ነሓሰ2026 ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ከይሓበረ ዓጽዩ ካብ ኤርትራ ከምዝወጸ ድሕሪ ምግላጽ፡ ስርዓት ብልጽግና ብ1 ጥቅምቲ2026፡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን ዝተመደቡ ዝርከብዎም ብጠቕላላ ዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ከምዝሰጎጔ፣ እዚ ድማ ንኣህጉራዊ ስምምዓት ዝጥሕስቅሉዕ ግህሰት ከምዝዀነ ኣነጺሩ።
ሚኒስተር ዑስማን ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብ9 ጥቅምቲ 2026 ናብ ባይቶ ጸጥታውድብ ሕቡራት ሃገራትንዝለኣኾ መግለጺ ብምጥቃስ፡ እቲ ባይቶ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንተጻባኢ ፖሊሲ ኢትዮጵያ ብትሪ ክዅንኖን ብመሰረት ምዕራፍ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ግቡእ መግትኢ ስጉምትታት ክወስድን ጸዊዑ።


