ዛዛሚ ወተሃደራዊ ግጥም ውዕሎ 19 ግንቦት 1991
by
Shalote
·
Published
· Updated
ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ቃልሲ 30 ዓመ መኸተምታ ዝገበረሉ፡ ዛዛሚ ወተሃደራዊ ግጥም፡ ሰንበት 19 ግንቦት 1991 እዩ ጀሚሩ። እቲ ብግንባር ደቀምሓረ ዝጀመረ፡ ዛዛሚ መጥቃዕቲ፡ በተን ኣብቲ ግንባር ዝነበራ 4 ክፍላተ-ሰራዊት ማለት 16፡ 52፡ 70፡ 85 ምስ መካናይዝድ ብርጌዳት 73ን 34ን ካልኦት ደገፍቲ ኣሃዱታትን ዝተፈጸመ ኮይኑ፣ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ዞባዊ ሰራዊትን ሓፋሽ ህዝብን በብሸነኾም፡ ሰራዊት ጸላኢ መሊእካ ንምጽራግ፡ ሰቡን ንብረቱን ንምምራኽ ኣበርክቶ ዝገበርሉ ሰፊሕ ግጥም እዩ ነይሩ።
በቲ ዝወጸ ውጥን መጥቃዕቲ መሰረት፡ እቲ ግጥም ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ. ምስ ተጀመረ ክፍለ-ሰራዊት 52 ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ቅድመኣ ዝነበረ ዕርድታት ሰራዊት ጸላኢ ብምፍራስ ንሰሰብ ገማግም ሰፈር-ኣጣልን ኣፈልባን ተቘጻጸረት። ኣብ መስመር መጥቃዕቲ ናይዛ ክፍለሰራዊት ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ጸላኢ ተሪሩ ስለ ዝመከተ፡ ገለ ክፋል ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ማእከል ተቘሪጹ ከም ዝተርፍ ተገብረ። ክፍለ-ሰራዊት 85 ብወገና፡ ጸጋም ካብ ኣፈልባ፡ ክሳብ ከባቢ ሕረት፡ ዝነበረ ጭፌታ፡ ኣውቶቡስ፡ እንዳሓሰር ዝተባህለ ዕርድታት ተቘጻጸረቶ። ጸላኢ ሓይሊ እናደረበ፡ ተሪሩ ይምክት ስለዝነበረ፡ እቲ ውግእ ኣመና ከቢድ ነበረ። ክፍለ-ሰራዊት 16 እውን፡ ድሕሪ ናይ ምሉእ መዓልቲ ውግእ ሰዓት 22፡40 ምሸት ንጉራዕ ተቘጻጸረቶ።
ኣብዚ ዕለት’ዚ ጸላኢ፡ ከም ትሕጃ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ ኣስፊሩዎ ዝነበረ “ተራራ ክፍለ-ጦር 18”፡ ናብ ኣፈልባ ደረቦ። ካብ ሰዓት 14፡30 ጀሚሩ ድማ፡ እቲ ክፍለጦር፡ ኣብ ተሪር ናይ ምክልኻልን ጸረ-መጥቃዕቲን ውግእ ተጸምደ። ምሸት ካብ ሰዓት 18፡00 ክሳብ ሰዓት 20፡00 ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ንዝወሰዳኦ መጥቃዕቲ ድማ ንግዜኡ ክገትኦ ከኣለ። ካብ ሰዓት 22፡40 ጀሚሩ ኣብ ከባቢ እራር ንዝተወስደ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ህዝባዊ ሰራዊት ከኣ ተሪሩ ክምክቶ ሓደረ።
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ