ዓለማዊ ስርዓት ኣብ ምስግጋር፡ ኤርትራ ናብ ግቡእ ቦታኣ
ኣንጻር’ቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዕቑድ ዓብሊሉ ዝጸንሐ ሓደ ቀጽራዊ ስርዓት፡ ዝሕይል ዘሎ ተቓውሞ ህዝብታት ዓለም፡ ንውልደት ሓድሽ ብዙሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ዝደፍእ ምልክት ምስግጋር ኮይኑ ምህላዉ ብዙሕ ምርምር ዝሓትት ኣይኮነን። ዘመነ እንኮ ቀጽራዊ ስርዓት፡ ንገለ ውሑዳት ሃገራት ከም መምህራን ንዝተረፋ ብዙሓት ሃገራት ከኣ ከም ተምሃሮ እዩ መዲብወን። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክግበር ዝጸንሐ ተጻብኦ መበገሲኡ “ኩለን ሃገራት- ይዕበያ ይንኣሳ- መሰል ምርጫ ዝምእምአን ፖለቲካዊ ስርዓት ኣለወን”፣ ዝብል መትከል ነኺሳ ብምሓዛን ንግዳማዊ ትእዛዛት ብምንጻጋን’ዩ። ፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ብመነጽር ኤርትራውያን፡ ሓንቲ ሃገር ሓይላን ጽልዋኣን ተጠቂማ ንዘይተቓደወን ሃገራት እትቐጽዓሉ ኰርማጅ ምብቃዕ ማለት እዩ። ኤርትራ ብዝደጋገም ዓመጽ ርእሰ-ሓያላን ዘሕለፈቶ ተመክሮ፡ ዝኸፈለቶ ዋጋ፡ ቀሊል ስለ ዘይኮነ፡ ብድሩት ዓቕማን ምቕሉል ተሳትፎኣን ንፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ተቓሊሳ እያ።
ሓንቲ ብውነ እትምራሕ ሃገር ጉዳያታ ብዘተን ልዝብን እያ ትፈትሕ። ኣመሪካ ግን ናብ መድረኽ ርእሰ-ሓያል ካብ እትድይብ ኣትሒዛ ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ካብ ዘተን ልዝብን ወጺኣ ናብ እገዳ፡ ጸቕጥን ወተሃደራዊ ወራርን ክትህንደድ ጸኒሓ። እዚ፡ ካልኦት መንገድታት ስለ ዝተዓጽዉዋ ዘይኮነስ፡ ኣንቂዳ ክትገብሮ ዝጸንሐት ኣካይዳ እዩ። ንዓኣን ንመላእ ዓለምን ከኣ ክቡር ዋጋ የኽፍል ኣሎ። እንተኾነ እቲ ዕንደራ ጠገለ ክስእን እንከሎ፡ ህዝቢ ዓለም ዝያዳ እናነቅሐን ነቲ ኢፍትሓውነት እናተጸየኖን መጺኡ እምበር ኢዱ ኣይሃበን፣ ፍትሒ ካብ ምጥላብ እውን ኣየዕረፈን። ህዝቢ ዓለም ኣማራጺታት ክርኢ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እምበኣር ዋሽንግተን ደው ኢላ ዳግማይ ክትሓስብ ቀሲብዋ ይርከብ። እዚ ኣብ እዋን ምስግጋር ዓለማዊ ስርዓት ዝርአ ዘሎ ዕግርግር ዘኸትሎ ዕንወት ቀሊል’ኳ እንተዘይኮነ ዝሓደሰ መዋእል ኣብ ምፍጣር ግን ዘይጉሰ ኣበርክቶ ክህልዎ’ዩ። ብሓጺሩ፡ እቲ መገዲ ጸላም ተጸንቂቑ ወጋሕታ ከም ዝቐረበ ምልክታት ይረአ’ሎ።
ዓለም ትቕየር ኣላ። እቲ ሓድሽ ካብቲ ኣረጊት ዝፈልዮ መልክዕን ትሕዝቶን ከመይ ከም ዝመስል ካብ ግምታት ወጻኢ ብርጉጽነት ምዝራብ ኣጸጋሚ’ዩ። ለውጢ ንረብሓና ዝኸውን ግን፡ ውሽጣዊ ዓቕምና ብምድልዳል፡ ንቕሓትና ብምብራኽ፡ ዘዐውቱና መትከላትን ክብርታትን ኣጽኒዕና ብምሓዝ፡ ግዳማዊ ዝምድናታትና ብምሕያል ብንጥፈት ምስ እንዋሳእ’ዩ። ኤርትራ ካብ 1950ታት ጀሚራ ክሳብ ሎሚ፡ በቲ “ኣይፋል ንዕብለላ” ዝብል ናጻ መርገጺኣ ሕብንቲ’ያ። እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተዘርአ መንፈስ ጽንዓት፡ ፍረኡ ዝሕፍሰሉ ግዜ ድማ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ’ዚ ጽልግልግ እዋን ምስግጋር፡ እታ ብትብዓታን ቅኑዕ መርገጺኣን እትፍለጥ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ግቡእ ቦታኣ ክትሕዝ ኣይክትጽገምን’ያ።
ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኤርትራ ካብ ኣቀማምጣኣ ጥራይ ዝምንጩ ኣይኮነን። መትከል፡ ኣተሓሳስባ፡ መርገጽን ተመክሮን ኤርትራ ንኣድላይነታ ዘዕብዩ ተወሰኽቲ ጸጋታት እዮም። ኣንፈትን ሽታን ናይቲ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ኢድና ዘሎ ብልጫታት ዘስብሕ ምዃኑ ጠቒስና ክንፋነወኩም።


