ኣተሃናንጻ ክብርታት
እንጂነር ሚኪኤል በርሀ
ፍሉጥ ግሪኻዊ ፍላስፋ ኣሪስቶትል፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፣ “ምዕባለ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ብምህናጽ ጥዕና ዘለዎ ባህሪ መንእሰያት እዩ ዝጅምር፡” ብምባል ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ማለት ድማ ዝኾነ ኣብ ህይወት ዝርከብ ዕቤት፡ ብምምሃርን ብምህናጽን ጥዕና ዘለዎ ባህሪ ከም ዝርከብ ዘአንፍት እዩ። ባህሪ ናብ ክብርታት ምዕባዮም ድማ መሰረታዊ እዩ። ክብርታት በዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣገባባት ክንመሃሮም ንኽእል ኢና። ብምምሃር፡ ብምልምማድን ብምህናጽን። እስከ ነዞም ሰለስተ ነጥብታት በብሓደ ንርኣዮም።
ንደቅኻ ክብርታት ምምሃር፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዕማማት ወለዲ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ልዑል ዓቕልን ዘይምሕላልን የድሊ። ብተደጋጋሚ ከይሰልከዩ፡ ክሳብ እቲ ዝደልይዎ ዕላማ ዝወቕዑ ክምህርዎም ይግባእ። ዋጋን ኣገዳስነትን ናይቲ ክሃንጽዎ ዝድለ ዘሎ ክብርታት ጽቡቕ ገይሮም ንደቆም ከብርህሎም ኣገዳሲ እዩ። ወለዲ ንደቆም፡ ነጻ ኮይኖም ተራ ናይቲ ክህነጽ ዝድለ ዘሎ ክብርታት ኣብ ህይወት እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክገልጹሎም ይግባእ። ምህላው ናይቶም ክብርታት ከምጽኦ ዝኽእል ፍልልያት ብኣብነት ተሰንዩ ክግለጸሎም ድማ ኣገዳሲ እዩ።
ቈልዑ ብባህሪኦም፡ ካብ ዝፈትውዎም ሰባት ብዝመጾም ምኽርን ማዕዳን ብቐሊሉ እዮም ዝጽለዉ። ብፍላይ ነቲ ካብ ወለዶም ዝመጾም ምኽሪ፡ ከም ሓደ ውዱእ ሓቂ ገይሮም እዮም ዝቖጽርዎ። ስለዚ ንስኻ ከም ወላዲ ናብ ደቅኻ እተሕልፎ ምኽሪ፡ መልክዕ ናይ ህይወቶም ናይ ምቕያር ሓይሊ ስለዘለዎ፡ ተጠንቂቕካ ክትብሎ ሓላፍነት ኣለካ። ልዕሊ ዝኾነ ነገር፣ እትመኽሮን ኣብ ደቅኻ ክትሃንጾ ደሊኻ ዘለኻ ክብርታትን ኣብ ባህርያትካ ከተንጸባርቖ መሰረታዊ እዩ። ደቅኻ ልዕሊ እቲ እትብሎምን እትምህሮምን፡ ንተግብራትካ እዮም ዝዕዘቡ። ኩሉ ግዜ ድማ እዮም ዝዕዘቡኻ።
ደቂ ሮክፌለር፡ በቲ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ብዛዕባ ፋይናንሳዊ ንቕሓትን ክብርታትን ዝተማሃርዎ ኣዝዮም ፍሉጣት እዮም። ወላ’ኳ ሮክፌለር ዝተጋነነ ኣሜሪካዊ ተጃር እንተነበረ፡ ንደቁ ግና ገንዘብ ቅድሚ ምቕባሎም ክሰርሑ ይግድዶም ምንባሩ እዩ ዝግለጽ። ድሕሪኡ ነቲ ከም ፍረ-ጻምኦም ዝተዋህቦም ገንዘብ ብኸመይ ኣገባብ ከውፍርዎ ከም ዘለዎም፡ ክንደይ ካብቲ ገንዘብ ክዕቅብዎ ከምዘለዎም፡ ብሓፈሻ ድማ ብኸመይ ኣገባብ ክጥቀምሉ ከምዘለዎም ካብ ወለዶም እኹል ትምህርቲ ወሲዶም። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ንግዲ ዓለም ዕዉታት ኮይኖም ክወጹ ተራእዮም እዮም።
ነቲ ኣዚኻ ተድንቖ ክብሪ ኣጽንዓዮ፣ ንክብርታት ቀሪብካ ምስ እተጽንዖም ኢኻ ብዝያዳ ብዝነጸረ ኣገባብ ክትመሃሮም እትኽእል። ሕጊ ኣተኩሮ፣ “እቲ ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ዝተገደስካሉን ኣተኩሮ ዝሃብካዮን ነገር ይዓብን ቦታ ይሕዝን፡” እዩ ዝብል። እዚ እንታይ ንምባል እዩ፣ ብዛዕባ ተድንቖ ሰብ ዝያዳ ቀሪብካ እሞ ድማ ብተደጋጋሚ ኣብ ተጽንዓሉ ኣጋጣሚ፡ ኣገባብ ኣካይድኡን ክብርታቱን ኣብ ኣእምሮኻ ክህነጽ ዝዓበየ ተኽእሎ ኣሎ። በዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ውሽጥኻ ምስ ተሃንጸ፡ ከም ክብርታትካ ከተንጸባርቖ ኣብ ዝደለኻሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ዝሃነጽካዮ ባህሪ ናይ ምንጽብራቕ ዝያዳ ዕድል ኣሎካ ማለት እዩ።
ከም ኣብነት ኣገባብ ናይ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክንወስድ ይከኣል እዩ። ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም፡ ተዓለምቲ ዛንታታት ትብዓት፡ ጽንዓት፡ ድስፕሊንን ኣገዳስነት ንብጻይካ ምሕጋዝን እዩ ዝንገሮም። እሞ ድማ ብተደጋጋሚ። እዞም ዛንታታት ብተደጋጋሚ ምስ ተነግሮም፡ ነንሕድሕዶም
ምስ ተዘራረብሉ፡ በይኖም ድማ ምስ ሓሰቡሉ፡ ከይተረደኦም ከም ክብርታት ኮይኖም እዮም ኣብ ውሽጦም ዝህነጹ። ነዚ ዝሃንጸዎ ባህሪ ድማ ኣብ ትሕቲ ልዑል ጸቕጥን ኲናትን ክጥቀምሉ ይረኣዩ። እቲ መሰረታዊ ነጥቢ ናይ ምዕቡል ባህሪ፡ ሓቂ ምዝራብ እዩ። ሓቂ ምዝራብ፡ ንዓኻ ይኹን
ንካልኦት ምችኡነት ዘይፈጥር ነገር ወላ ይኹን፡ ሓቂ ብምዝራብካ ጥራይ ጽቡቕ ክስመዓካን ናይ ካልኦት ሰባት ክብሪ ክትረክብን ኢኻ። ኣብ ህይወት ክትረኽቦ ካብ እትኽእል ዝዓበየ ነገር ድማ ካልኦት ሰባት ከም ሓደ ሓቀኛ ሰብ ገይሮም ክቖጽሩኻን ከም መወከሲ ክወስዱኻን ከለዉ እዩ።
ነቶም ኣዚኻ ተድንቖም ሰባት ምሰል፣ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ናይ ባህርያትካ በቶም ኣዚኻ እተድንቖም ሰባት ዝተሃንጸ እዩ። እቶም ሰባት ብህይወት ዘለዉ ወይ ድማ ብህይወት ዘየለዉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ብልክዕ መነመን እዮም ንምፍላጥ ናብ ሕሉፍ ህይወትካ ጠምት። ናይ ኩሎም እቶም እተድንቖም ሰባት ኣስማቶምን እተድንቖ ባህርያቶምን
ብዝርዝር ጸሓፎ። ካብቲ ዝዘርዘርካዮ ክብርታት፡ እቲ ብዝያዳ ምሳኻ ዝመሳሰል ክብሪ ፈሊኻ ኣለልዮ። ምስ ሓደ ካብቶም ኣዚኻ እተድንቖም ሰባት፡ ፍርቂ መዓልቲ ንከተሕልፍ ዕድል እንተዝወሃበካ፣ ግዜኻ ምስ መን መሕለፍካዮ፧ ስለምንታይ ኢኻ ኸ ነዚ ሰብ እዚ መሪጽካዮ፧ ኣብታ ዝተዋህበትካ ግዜ ኸ ብዛዕባ እንታይ ከተዕልል ምመረጽካ፧ ወይ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ምሓተትካዮ፧ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ እዚ
ዝመረጽካዮ ሰብ ስለምንታይ ምሳኻ ግዜ ከሐልፍ ይደሊ ይኸውን፧ ኣገዳሲ ሰብ ንምዃን ዘማዕበልካዮም ክብርታትን ልሉያት ባህርያትን
ኣለዉኻ ዶ፧ ኤፒክቲተስ ዝተባህለ ሮማዊ ፍላስፋ፡ ሓደ ግዜ፣ “ኣሸገርቲ እዋናት ንሰብ ኣይሰርሕዎን እዮም። እንታይ ድኣ ምስቲ ሓቀኛ መንነቱ
ከም ዝራኸብ እዮም ዝገብርዎ፡” ኢሉ ነይሩ። ጸገማት ኣበ ዘጋጠምሉ እዋን፡ ሰባት በቲ ኣቐዲሞም ሃኒጸሞ ዝጸንሑ ክብርታት ተደፊኦም እዮም
ቀጥታዊ ግበረ መልሲ ዝህቡ። እቲ ዝህብዎ ግብረ መልሲ፡ ሕማቕን ዘየድምዕን እንተኾይኑ፣ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ህይወቶም ዝሃነጽዎ ክብርታት
ዳግመ-ግምት ክገብሩሉ ኣለዎም ማለት እዩ።
ክብርታት ደጋጊምካ ብምልምማድ እዮም ዝህነጹ። ክሳብ ናብ ልምዲ ማዕቢሎም ኣካል ናይ ህይወትና ኮይኖም ናብ ትሕተ ውነና ዝሰርጹ፡ ነቲ ከነማዕብሎ እንደሊ ክብሪ ብተደጋጋሚ ክንለማመዶ ግድነት እዩ። እቶም ልዑል ክብርታትን ልሉይ ባህርን ዝውንኑ ሰባት፡ ውጽኢት ናይቲ ዝሓለፍዎ ነዊሕ መስርሕን ዝገበርዎ ልዑል ጻዕርን ምዃኑ ክንዝክር ድማ ኣገዳሲ እዩ።
ካብ መጽሓፍ “ኣይተመኽኒ”


