9 ምኽንያታት ጠንቂ ምዝሓል ዋይፋይ (wi fi)
ሚኪኤል በርሀ
ዋይ ፋይ ዝበሃል ኣገባብ ኣጣቓቕማ ኢንተርነት ኣብዚ እዋን’ዚ ዝያዳ ህቡብን ኣገዳሲ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ፍርያት ናይ ቴክኖሎጂ እዩ። እዚኣገባብ እዚ ኣብ ዝተወሰነ ርሕቀት ብምዃን ካብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታት ዘድልየካ ሓበሬታ ክትወስድ ዘኽእለካ ኮይኑ፡ ኣብ ዓራትካ ይኹን ኣብ ዝምችኣካ ቦታ ብምዃን ክትጥቀም ዘፍቅድ ብምዃኑ እቲ ካልእ ብልጭኡ እዩ። ዋይፋይ ኣብ ሞንጎ እታ ሒዝካያ ዘለኻ ንብረት (ሞባይል፡ ታፕለት፡ ላፕቶፕን ካልእን)ን እቲ ኢንተርነት ዝዝርግሕ መሳርሕን ዘራኽብ ውጽኢት ቴክኖሎጂ እዩ። ንሓይሊ ዋይፋይ ዘዳኽሙ ብዙሓት ምኽንያታት እኳ እንተለዉ ንሎሚ ግና ነዞም ትሽዓተ ኣብነታት ተኸታተሉ፥
1. ኣቀማምጣ ራውተር (router) ማለት እታ ናይ ኢንተርነት ምንጪ ዝኾነት ንብረት ወሳኒ እዩ። ኣብ ሓደ ትሕት ዝበለ ቦታ እንተድኣ ኣቐሚጥካያ እቲ እትፍንዎ ዌፍ ክዕገት ስለዝኽእል ሓይሊ ናይቲ ክትረኽቦ እትኽል እናተዳኸመ እዩ ዝመጽእ። ወይ’ውን ጠቕሊሉ ክዕገት ይኽእል እዩ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ራውተር ኣብ ብርኽ ዝበለ፡ ብምቹእ ኣገባብ ናብ ኩሉ ክትዕድለሉ እትኽእል ቦታ ክትከውን ኣለዋ።
2. እቲ ካብ ራውተር ዝዝርጋሕ ዌፍ ብሓደ ኮንኩሪት ወይ’ውን ብሓጺን ብዝተዓጽወ ቦታ ክሓልፍ ስለዘይክእል ብዝተኻእለ መጠን ካብዞም ነገራት ብምእላይ ኣብ ሓደ ካብ ኤለክትሮኒካዊ ኣቑሑት ዘለዎ ቦታ ብምእላይ ክቕመጥ ኣለዎ።
3. ኩሉ ግዜ ካብ ራውተር እናረሓቕካ ክትከይድ ከለኻ፡ እቲ እትረኽቦ ሓይሊ እናደኸመ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ዝያዳ ናብታ ራውተር ኣብ ትቐርበሉ ኣጋጣሚ ዝያዳ ሓይሊ ትረክብ ማለት እዩ። ራውተር ብ360 ዲግሪ ዌፍ ስለእትሰድድ ብኹሉ ሸነኽ ናይታ ራውተር ኴንካ ክትጥቀም ይከኣል እዩ። ስለዚ ነታ ራውተር ካብ ኣብ ሓደ ጸግዒ ብምቕማጥ ክትጥቀመላ ካብ ምፍታን ኣብ ማእከል እንተቐመጥካያ ዝያዳ ተመራጺ ይገብሮ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ነቲ ካብታ ራውተር ዝፍኖ ሓይሊ ዘባዝሕ ‘ሪቢተር ` ዝበሃል ወይ’ውን ካልእ ዓይነት መሳርሒ ክትጥቀም ይከኣል እዩ።
4. ኣብ ከባቢና ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኤለክትሮኒካዊ መሳሪሒታት (ንኣብነት ካብ ሳትላይታት፡ ሞባይላት፡ ታወራትን ራውተራትን ክንጠቅስ ይከኣል እዩ።) ዝወጽእ ብዓይኒ ክረኣዩ ዘይክእሉን ብዙሕ ዘይነስተብህለሎምን ሲግናልስ(signals) ንብርትዐ ዋይፋይ ብርኡይ ይጸልውዎ እዮም። ነዞም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ተጻባእቲ ሲግናልስ ሓይሊ ዘለዎ ማዕበል ዝርግሐ (band- width) ብምጥቃም ክንስዕሮም ይከኣል እዩ።
5. ማይክሮዌፍ ኦቨን (microwave oven) ኣብ ዘለወሉ ቦታ ዋይፋይ ብግቡእ ክዝርጋሕ ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ሞዴል ናይ ዋይፋይ ናይ ቀደም ሞዴል ምስ ዝኸውን። ምኽንያቱ ማይክሮዌፍ ኦቨንን ዋይፋይን ኣብ ሓደ ዓይነት ማዕበላዊ ምንብድባድ (frequency) ስለዝዝርግሑ። ስለዚ
ብዝተኻእለ መጠን ራውተር ኣብ ከባቢ ኦቨን ዘላቶ ቦታ ክትቕመጥ የብላን። ብተመሳሳሊ ምስ ብሉቱዝ (bluetooth) ኣብ ተመሳሳሊ ማዕበል ስለዝፍኖ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ብሉቱዝ ከባቢ ክርሕቕ ኣለዎ።
6. ምናልባት ኣብ ግምትና ብፍጹም ዘይነበረ ክኸውን ይኽእል እዩ እምበር፡ እዞም ከም መጸባበቒ እንጥቀመሎም ናይ ክሪስማስ ብርሃናት ንሓይሊ ዋይፋይ የዳኽምዎ እዮም። እዞም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ንጥቀመሎም ብርሃናት ብፍላይ ድማ ውልዕ ጥፍእ ዝብሉ ብርሃናት በቲ ዝተፍእዎ ኤለክትሪክ ፊልድ ነቲ ካብ ራውተር ዝወጽእ ዋይፋይ ብውሑድ ዓቐን ክዓግትዎ ስለዝኽእሉ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ከባቢ`ዞም ብርሃን ዝተፍኡ መሳርሒታት ከነርሕቖም ኣለና።
7. ብዝሒ ተጠቃማይ ኣዝዩ ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ካብ ሓንቲ ራውተር ዝዝርጋሕ ማዕበል ተጠቀምቱ ብዙሓት እንተኾይኖም፡ እቲ ዝዝርጋሕ ማዕበል ተመቓቒሉ ይዳኸም። ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ጸገም ንምግልጋል፡ ወይ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ክውሕዱ ኣለዎም ወይ ድማ ሓይሊ ናይቲ ካብ ራውተር ዝዝርጋሕ ማዕበል ክዓቢ ኣለዎ።
8. እቶም እተካይዶም ንጥፈታት ኣብ ምዝሓልን ምሕያልን ዋይፋይ ኣዝዮም ወሰንቲ እዮም። ንኣብነት ኣብ መሰመር ኣቲኻ ጌም ምጽዋት፡ ዓበይቲ ፋይላት ካብ ኢንተርነት ምውራድን ካልእን ነቲ ካብ ዋይፋይ እትረኽቦ ሓይሊ የዝሕሎ እዩ። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ተጠቀምቲ ኣብ ዝበዝሑሉ ኣጋጣሚ ፈኮስቲ ንጥፈታት ጥራይ ምክያድ ዝያዳ ተመራጺ እዩ።
9. ማይ ካብቶም ንሓይሊ ዋይፋይ ማለት ማዕበላዊ ዝርግሐ ዋይፋይ ብርኡይ ዝጸልዉ ባእታታት እዩ። ሰባት ድማ 60% ካብ ኣካላትና ብማይ ዝቖመ ከም ምዃኑ መጠን ንዝርግሐ ዋይፋይ ብዝተወሰነ ዓቐን ንጸልዎ ኢና። ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ራውተር ካብ ጻዕቂ ሰብ ዘለዎ ቦታ ክንኣልያ ኣለና።