2ይ መድረኽ ዙር ኤርትራ 2017 ብዓወት ኣማኑኤል ጸጋይ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ
ዙር ኤርትራ 2017 ብሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝተዓብለለ መድረኽ! ካብ ሓጋዝ ተበጊሱ ዓቐበታት ጥንቁል- ልሓስ ን ልቢ-ትግራይ ን ወጽ’ዩ ኣብ ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝተዛዘመ 2ይ መድረኽ ዙር ኤርትራ ፣ብዓወት ኣማኑኤል ጸጋይ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተዛዚሙ።
ኣማኑኤል ሎሚ ሃዲሙ ብምውዓል’ዩ ንዓባይ ጉጅለ ልዕሊ ሓደ ደቂቅ ፍልልይ ኣንጺፉላ መዛዘሚ መስመር በጺሑ።
ዓባይ ጉጅለ ኣብ ዝገበረቶ ቅጽበታዊ ውድድር ድማ ዘመንፈስ ሰለሙን ካብ ሃገራዊት ስለ ዝሰዓራ ናይ 2ይ ደረጃ ቦታ ክሕዝ እንከሎ ካልእ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ዝኾነ ሜሮን ኣብርሃም 3ይ ተርታ ብምሓዝ 3ተ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ዕዉታት’ዚ መድረኽ ኮይኖም።
4ይ ክሊንት ሃንድሪክስ ሃ. ጋ.ደቡብ ኣፍሪቃ
5ይ ሲራክ ተስፎም ክለብ ኤሪ-ተል
6ይ ተስፎም ማርያም ሃ.ጋ.ኤርትራ
7ይ ሜሮን ቶሸመ ክለብ ባይክ ኤይድ
8ይ ኣሮን ደንረጽዮን ክለብ ኣስቤኮ
9ይ ማርኮ በርናናንድየቲ ኣሞረ-ቪታ
10ይ መሓሪ ተስፋጽዮን ሃ.ጋ.ኤርትራ
1.ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ዕዉት 2ይ መድረኽ ዝኾነ ኣማኑኤል ጸጋይ መሪሕነት ብጫ ማልያ ካብ ሜሮን ተሾመ ተረኪቡ ኣሎ። ብዘይካዚ ማልያ ብሉጽ መንእሰይ ማልያ ብሙጽ ቮላቲስታ ን ውን ኣብ ኢድ ኣማኑኤል የን ኣትየን ዘለዋ፣
2. ማልያ ንጉስ ዓቐብ ኣብ ዝባን ዘመንፈስ ሰለሙን ኣላ።2-Stage