ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዞባዊን ዘቤታዊን ምዕባለታት ዝቐንዐ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ቀዳም 8 ጥሪ 2022፡ ብሬድዮን ቴለቪዥንን ኤርትራ ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዞባዊ ምዕባለታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ድማ ብፍላይ፡ ሓላላኺ ተራ ግዳማውያን ሓይልታት ኣብ ግጭት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዘይሕጋዊ ውሳነ እገዳ፡ ኩነታት ሱዳንን መጻኢ ኣመቱን፡ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ቻይናን ከምኡ’ውን ኣብ ቀዳምነታት ሃገራዊ መደባት ልምዓትን ድሕነትን 2022 ዝቐንዐ እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ መብርሂኡ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ ተኣሳሲሩ፦

  • ብዞባ ደረጃ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ተስፋ ተፈጢሩ ምንባሩ፣ በዚ ድማ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ንጡፍ ጽምዶ ከምዝኣተወት፣
  • እንተኾነ እዚ ዞባዊ ምዕባለ’ዚ ጭንቀት ዝፈጠረሎም ሓይልታት፡ ብመገዲ ጃንዳ ወያነ ነቲ ሃዋህው ንምዝራግ ናብ ወተሃደራዊ ዕንደራ ከምዘምርሑ፣ እቲ ውጥን ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስርዓት ለውጢ ብምምጻእ፡ ብቐንዱ ንኤርትራ ምጥቃዕ ምንባሩ፣
  • ኣብ ዝርዝር ናይቲ ውጥን፡ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 100 ሸቶታት ክጥቃዕ ተመሪጹ ምንባሩ፣ ኤርትራ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ትከታተሎ ስለዝነበረት ድማ፡ ሕጋዊ ናይ ነብሰ-ምክልኻል ስጉምቲ ከምዝወሰደት፣
  • እቲ ቀዳማይ ዕንደራ ምስ ፈሸለ፡ ብለኣኽቲ ወያነ ዝተኻየደ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጢን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ በይናዊ ተዂሲ ናይ ምባል ስጉምቲን ንጃንዳ ወያነ ናብ ካልኣይ ዕንደራ ስለዘምርሖ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት፡ ነቲ ውግእ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ብምልሓም ከቢድ ዕንወት ከምዘስዓበ፣
  • ኣብ መወዳእታ፡ ቀንዲ ግዳይ ናይዚ ዕንደራ’ዚ ህዝቢ ትግራይ ከምዝነበረ፣
  • ካብዚ ተሞኩሮ’ዚ ትምህርቲ ብምቕሳም ከኣ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ማህሰይቲ ንምፍዋስ፡ ህዝቢ ትግራይን ህዝብታት ኢትዮጵያን ንቕድሚት ዝጠመተ ሰፊሕ ኣመለኻኽታን ጻዕርን ከምዘድልዮም ኣገንዚቡ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወሰነ እገዳ ብዝምልከት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እዚ ናይ ሕጂ እገዳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅድሚኡ ዝተሃቀነ እገዳታት እውን ዝኾነ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይነበሮ፣ እቲ ኩነታት ምስ ገፊሕ ዓለማዊ ኩነታት ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ ብቐንዱ ነጸብራቕ ፍሽለት ፖሊሲታት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ምዕራባዊ ዓለም ምዃኑ ኣገንዚቡ። እቲ ዝተወስደ ውሳነ ሃስያ የብሉን እኳ እንተዘይተባህለ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ግን፡ ነዊሕ ተሞኩሮ ስለዘለዎም፡ ነዚ ተጻብኦ’ዚ ከም ዝሓለፈ ተጻብኦታት ብጽንዓት ሰጊሮም፡ ኣብ ዕላማኦም ካብ ምብጻሕ ከምዘይዕንቀፉ ኣረዲኡ።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ምዕባለታት፡ ውጽኢት ናይቲ በብግዜኡ ኣብታ ሃገር ክኽሰት ዝጸንሐ፡ ቅኑዕ ፍታሕ ዘይረኸበ ዝተዋህለለ ውንዙፍ ጸገማት ምዃኑ፡ ነዚ ዘቤታዊ ኩነታት ብምምዝማዝ ክግበር ዝጸንሐ ግዳማዊ ምትእትታው ከኣ፡ ነቲ ኩነታት ከምዝሓላለኾ ብምግላጽ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታት፡ ሕጂ እውን ብብሱል ኣመለኻኽታ ህዝቢን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሱዳን ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣስሚሩሉ።

ንዝምድና ኤርትራን ቻይናን ብዝምልከት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ካብ 60ታት ዝጀመረ እምበር ሓድሽ ከምዘይኮነ ጠቒሱ፡ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ዝተኸተመ ስምምዕ ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና ናብ ዝበረኸ ደረጃ ዘሰጋገር፡ ሰፊሕ ቁጠባዊን ድሕነታዊ መዳያት ዘጠቓልል ምዃኑ ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንመደባት ሃገራዊ ልምዓት 2022 ኣብ ዝምልከት ሕቶ፣ ናይዚ ዓመት’ዚ መደባት ልምዓት፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ ሃገራዊ ልምዓታዊ ውጥን ኮይኑ፡ ቀዳምነታት ተዋሂብዎ ዝትግበር መደባት፡ ብቐንዱ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፡ ጸዓትን ማይን ዝቐንዐ ምዃኑ፡ እዚ መደባት’ዚ ከኣ ምስ መደባት ሃገራዊ ድሕነት ተኣሳሲሩ ብዝሓየለ ውዳበን ሰፊሕ ሱታፌ ህዝቢ ክስርሓሉ ውጥን ተታሒዙ ከምዘሎ ኣረዲኡ።