ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ7 ጥቅምቲ ምስ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ዘካየዶ ቃለ-መሕትት
ክቡር ፕረዚደንት፡ ሎሚ ዘበን ክራማት ደንጒዩ ብምምጽኡ ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ። ድሒሩ ግን ደሓን ዝርጋሐ ዝነበሮ ዝናብ መጺኡ። ምስ’ዚ ብምትእስሳር ብሓፈሻ ኣብ ውሕስነት መግቢ ዘለና ኣተሓሕዛን ግስጋሰኡን ከመይ ከምዘሎ ከተብርሃልና?
እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ገፊሕ ስለ ዝዀነ፡ ምናልባት ምስ’ቲ ዓመት ዓመት ዝመጽእ ስክፍታ ኣዛሚድካ ክትሪኦ ይከኣል ይኸውን። ክራማት እንተ ደንጒዩ ወይ እንተ ዓቢሩ፡ ንበዓል ጥሪት፡ ንሓረስታይ ይኹን ካልእ ዋኒን ንዘለዎ ሰብ ሻቕሎት እዩ። ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ክዝረብ ከሎ፡ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ተጋኒኑ ይኸውን። ኰይኑ ግን ውሕስነት መግቢ ከም ናይ መወዳእታ ዕላማ ክትወስዶ ኣይከኣልን። ኣብ ግብራዊ ስራሕ፡ ክንዮ ውሕስነት መግቢ ክንዛረብ ክንክእል ኣለና። ውሕስነት መግቢ ምእንቲ ርእሱ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ (Subsistence) ዓይነት ኣተሓሳስባ ስለ ዝዀነ፡ ኪኖኡ ክትሓስብ ክትክእል ኣለካ። ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ናይ ሕጂ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብዝሒ ናይ ህዝቢ እናወሰኸኣብዝኸደሉ5፡10፡15… ዓመታት፡ ኣብ ዓይነት ሂወት ናይ ሰባት፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገር ናበይ ገጹ ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ ክብል ኣለዎ።
ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ወይ ዜጋ ዝደልዮን ዝጽበዮን መግቢ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ከተውሕስ ክትክእል ኣለካ። ኪኖኡ እንተዘይሓሲብካ ግን፡ እቶም እተውጽኦም ስትራተጂን ውጥናትን ሓጸርቲ ጥራይ እዮም ዝዀኑ። መብዛሕትኡ ናይ ሕርሻ ፕሮግራማትና፡ ብኸምኡ ዝተማእዘነ ኮይኑ ደኣ ይጽናሕ’ምበር፡ ካብኡ ወጺእና ኣግፍሕ ኣቢልና ክንሓስብ ክንክእል ኣለና። እስትራተጂና ከመይ ገይርና ንስእሎ? ብልክዕ እንታይ ኢና ክንገብር ንደሊ ዘለና? ‘እኹል እኽሊ ኣፍሪና ኢና፡ ርእስና ክኢልና ኢና’ ምባል ጥራይ ኣይኰነን። ናይ ብሓቂ ኣብ ዓይነት ሂወት ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ናይ ሕርሻ ፕሮግራማት ክንስእል ክንክእል ኣለና። ናይ ሕርሻ ፕሮግራማት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኻልኦት ጽላታት’ውን ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ውሕስነት መግቢ ክንብል ከለና፡ ኣእካል፡ ጥረታት፡ ጸባ፡ ስጋ፡ ዓሳ. . . ምህርቲን ቀረብን ዝተፈላለዩ ዓይነት መግቢ ናብ ዜጋ፡ ኪኖኡ እውን ናብ ደገ ክትሓስበሉ እትኽእል ዕድላት ስለዘሎ፡ እቲ ዝቕየስ ወይ ዝሰኣል ስትራተጂ ብኡ መጠን ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ።
ቅድሚ ዝኣገረ እቲ ወሳኒ ረቛሒ ማይ እዩ። ስለ’ዚ ባሕሪ ክትቆጻጸር ክትክእል ኣለካ። ብቐጻሊ ኣብ ዝናባዊ ሕርሻ ክንበር ኣይከኣልን እዩ። ስለ’ዚ ካብ ዝናባዊ ናብ መስኖኣዊ ወይ ናይ ክልቲኡ ዝንቕ፡ ኣበየናይ ከባቢን ኣበየናይ እዋንን ከተተኣታቱ ምእንቲ ክትውጥን፡ ቅድም ቀዳድም ማይ ክትቆጻጸር ኣለካ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ክራማት ኣብ ዝበርከተሉን ዘይበርከተሉን፡ ዓመት ዓመት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ናይ ሃገር ዝዘንብ መጠን ዝናብ፡ ክንደይ ይኸውን፡ ዝተፈላለየ ስታትስቲክስ ወይ ግምታት ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ነዚ ባህርያዊ ጸጋ ክትቈጻጸሮ፡ ኣብ መዓላ ከተውዕሎ፡ ንውሕስነት መግቢ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኪኖኡ’ውን ክትጥቀመሉ ምእንቲ፡ ሓደ ግፍሕ ዝበለ ወይ ሰፊሕ ስትራተጂ ናይ ምዕቃብን ምቁጽጻርን ማይ ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ።
ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዲጋታት፡ ከትርታት፡ መእለዪ ወሓይዝ ሰሪሕና ኢና። ግን ብድምር ይኹን ኣብ ከከባቢኡ እንታይ ስምብራት ገዲፉ እንድሕሪ ኢልና፡ ኣብ ዝርዝራት ክኣቱ ኣይደልን እየ። ዘዋህለልናዮ ተመኩሮ ኣለና። እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶ ግን ማይ ክንቆጻጸር ክንክእል ኣለና። ማይ ንምቍጽጻር፡ ቅድም ቀዳድም እቲ ባህርያዊ ኵነታት ብግቡእ ክጽናዕ ክኽእል ኣለዎ። ማይ ክዖታት፡ ወሓይዝን እቶም ወሓይዝ ዝኸዱሎም ተፋሰሳትን ክፍለጡን ክጽንዑን ክኽእሉ ኣለዎም። ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ፡ ማይ ኮረር ዝብለሉ ከባቢ ብግቡእ ተጸኒዑ፡ ሓጽብታት ክግበረሉ ኣብ ዝኽእሉ ቦታታት ከከም ከባቢኡ፡ ዓበይቲ፡ ማእከሎትን፡ ንኣሽቱን ሓጽብታት እንተ ኣዋዲድካ፡ ነቲ ማይ ተቖጻጺርካዮ ኣለኻ ማለት እዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ’ውን ከተኩረሉ ዝደሊ፡ ዓበይቲ ሓጽብታት ስለ ዝገበርካ ኣይኰነን። ካብ ዓበይቲ ይኹን ማእከሎት ሓጽብታት ምህናጽ፡ ዝያዳ ፍወሳ ናይ ማይ ክዖታት እዩ። ፍወሳ ናይ ማይ ክዖ፡ ብኸትሪ፡ ዛላታት፡ ምግራብን ዝተፈላለየ ካልኦት ቅርጽታትን ከተዋድደሉ ትኽእል ኢኻ። ብመጠን ኣብ ውሽጢ ሓደ ማይ ክዖ ዘሎ ባህሪ/መልክዕ ናይ መሬት፡ ነቲ ኣብ ዓመት ዓመት ዝዘንብ ማይ፡ ኣብ’ታ ማይ ክዖ እቲኣ ከመይ ገይርካ ትቆጻጸሮ ብምውጣን ናይ ኩለን ማይ ክዖታት ምቁጽጻር ክትገብር ትኽእል።
ናይ ባርካ፡ ጋሽ፡ ዓንሰባ፡ ዘይነዓቕ ሓይሊ ዘለዎም፡ ካብ ጫፍ ዶብ ቀሮራ ክሳብ ከባቢ ዓሰብ ዝዝርግሑ ናይ ምብራቕ ወሓይዝ ኣለዉ። እዚ ቀሊል ግዜ ዘይወስድ፡ ገዚፍ ጸጋታት ከምኡ’ውን ዓቕልን መስዋእትን ዝሓትት መደባት እዩ። በዚ ከይገበርካ ዝዀነ ካልእ ናይ መግቢ መደባት ከተተኣታቱ ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ብሓቂ ምስ ኩሉ’ቲ ዘጋጠመና ብድሆታት፡ ኣብ ውሽጢ እዚ 25 ዓመታት ዝተሰርሐን ሕጂ ዝስራሕ ዘሎን ንዝመጽእ ሓሙሽተ-ዓሰርተ ዓመታት ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ነቲ መባእታ እንብሎ፡ መጀመርያ ዝኣክል ፍርያት ከነፍሪ ምእንቲ፡ ዝሕግዘና ምቁጽጻር ናይ ማያት ገይርና ኣለና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ድሕሪ ምቁጽጻር ማያት ዝመጽእ፡ ኣብ ቆላ ድዩ፡ ኣብ ከበሳታት ድዩ፡ ኣብ ሓውሲ ቆላ ድዩ፡ ክንደይ ዝስፍሓቱ መሬት ክትሓርስ ትኽእል? ማይ ኣብ መዓላ እተውዕለሉ መሬት ክህሉ ኣለዎ። መሬት በቲ ናይ ቀደም ልምዳዊ መንገዲ ዘይኰነ፡ ብዘመናዊ መንገዲ ክምዕብልክኽእል ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ኣብ ዓመት ሓደ ምህርቲ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ምህርቲ፡ እንተ ተኻኢሉ’ውን ሰለስተ ምህርቲ እተፍርየሉን ተገላቢጥካ ትጥቀመሉ ክኸውን ኣለዎ። ስለ’ዚ፡ ኣብዚ ከባቢ ማይ ተቘጻጺርና ክትብል ከለኻ፡ ማዕረ ማዕረኡ ምስ ምስፋሕ ወይ ምድልዳል መሬት ዝተኣታቶ ቴክኖሎጂ ከምኡ’ውን ናይ ማይ ክዖታት ዝበሃል’ውን ብግቡእ እተደኣ ተተግቢሩ ናይ ግድን ኣብ ሓጽቢ ዝእከብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ማይ ክዖ ዝዘነበ ማይ ተተቖጻጺርካ፡ ብምግራብ ድዩ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ምእካብ ናይ ማይ ክብጻሕ ይከኣል። ኣብ ኣእካል ጥራይ ዘይኰነ ጥሪት’ውን ኣሎ። ካብ ጥሪት ዝርከብ መኽሰብ ቀሊል ኣይኰነን። ስገም፡ ስርናይ፡ መሸላን ካልኦት ኣእካልን ስለ ዘፍረና ጥራይ ኣይኰነን። ሃብቲ እንስሳ ሃገር ናይ ምስሳን ሓይሊ ኣሎ። እዚ ኣብ ውሕስነት መግቢ ዝህልዎ ኣበርክቶ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ስጋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጸባን ካልኦት ዝተፈላለዩ ምስኡ ዝኸዱ ረብሓታትን’ውን ኣለዉ። ናብ ናይ ካሽ ፍርያት ንኽትከይድ፡ ጡጥ፡ ሽኮር፡ ዝተፈላለዩ ንሰደድ ይኹን ናይ ውሽጢ ቁጠባ ክሕግዙ ዝኽእሉ መደባት እውን ከተተኣታቱ ትኽእል። ክሳብ እዚ ዘለናዮ እዋን 2017፡ ምናልባት’ውን ክሳብ 2018 ወይ 2019 እንተ ኢልና፡ ብኣጠቓላሊ ዝኣኽለና እኽሊ ከነፍሪ፡ እንድሕሪ 400 ሽሕ ሄክታር ኰይኑ ዘድልየና፡ ኪኖ’ዚ ኣብ ምሉእ ሃገር በብዞቡኡ እንድሕሪ ርኢናዮ፡ ክንደይ ዝኣክል መሬት እዩ ዝሕረስ ዘሎ? እንታይ ዓይነት እኽሊ ብዘየገድስ ኣብ ሓደ ሄክታርከ ክንደይ ኩንታል ወይ ክንደይ ቶን ክትሓፍስ ትኽእል? ነዚ ሕጂዘሎብዝሒህዝቢይኹንነቲ እናወሰኸ ዝኸይድን ዘድሊ ዓይነት ወይ ዓቐን ናይ ኣእካል እንታይ እዩ? ኣብ ግምት ክኣቱ ክኽእል ኣለዎ። ምስ ምቁጽጻር ማይ፡ ምድ’ልዳል መሬት፡ ምስ ምትእትታው ሓድሽ ቴክኖሎጂ እቶት ክበዝሕ ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ስፍሓት ዘይኰነ ዘገድስ፡ እንተደኣ ዝናባዊን መስኖኣዊን ሕርሻ ገይርካ ኮይንካ እትጥቀመሉ ዘለኻ፡ ኣብ ገለ ወይ ዓቢ ክፋል ናይቲ ማይ ዝተቘጻጸርካሉ ከባቢ ክልተ ምህርቲ ክትሓፍስ ስለ እትኽእል፡ ሓንቲ ሄክታር ክልተ ሄክታር ትኸውን ኣላ ማለት እዩ። እንድሕር ክልተ ምህርቲ ኣእቲኻ፡ ነቶም ካልኦት እትዋት (Input) ኣብ ግምት እናኣእተኻ ትኸይድ። እዚ ኣብ ሕርሻ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ሽቕለት፡ ኣብ ዓያይነት፡ ኣብ ዓይነት ሂወት ናይ ዝተፈላለየ ከባቢታት መሰረታዊ ለውጢ ኣለዎ። እዚ ዓበይቲ መደባት ናይ መቈጻጸሪ ሓጽብታት ኢልና ንዛረበሉ ዘለና፡ ኣብ ከከባቢኡ ዓዲ ብዓዲ፡ ጎደቦ ብጎደቦ፡ ዞባ ብዞባ፡ ንኡስ ዞባ ብንኡስ ዞባ. . . ክምዕብል ኣለዎ። ባህሊ ምቁጽጻር ማይ ከተዕቢ እንተ ዄንካ፡ ማይ ክዖታት ክትፍውስ ኣለካ። ማይ ክዖታት ምፍዋስ ድማ ኣብ ከከባቢኡ ክግበር ዘለዎ እዩ። ማይ ክዖታት ምፍዋስ ንገዛእ-ርእሱ ምስ ኣእካል ምዝራእ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዝተፈላለዩ ፍረታትን ናይ ካሽ ፍርያትን ከተእትወሉ ስለ ዝከኣል፡ ምቁጽጻር ማይ ኣብ ሓጽብታት ምእካብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ናይ ማይ ክዖታት ምፍዋስን ምስኡ ዝኸዱ ዝተፈላለዩ ናይ ሕርሻን ጥሪትን መደባትን እውን ስለ ዘለዉ፡ እዚኦም ዝያዳ ኣተኩሮ ክግበረሎም ክኽእል ኣለዎ።
ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ እንተ ዀይኑ፡ ማይ እንተ ዘይሃረመ እውን እኽሊ ኣይንስእንን ኢና። ስለ’ዚ ኣይትሻቐል፣ ዋና ነገር ንዓመታ ይኹን ንድሕሪኡ ሓሙሽተ-ዓሰርተ ዓመት፡ ብዘየጠራጥርን ዘየሰክፍን መንገዲ፡ ዝናብ መጽአ ኣይመጽአ መሬትና፡ ማይናን ካልእ ጸጋታትናን ተጠቒምና፡ ንነብስና ኰይንና ንደገ’ውን ክንሰድድ ንኽእል ኢና። እቲ እስትራተጂ ናብኡ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ማይ ንምቁጽጻር ዘድልዩ ትሕተ-ቕርጺ ናብ ምውዳድ፡ ማይን ሓመድን ምዕቃብ፡ ናይ ምግራብ መደባት፡ ምስሳን ጥሪት. ..።ኣብ’ዚመዳይ10%ወይ20% ካብ’ቲ እንብህጎ ገይርና ኣለና ኢልና ክንዛረብ ይከኣል’ዩ። ምናልባት ከም ዓንሰባ፡ ባርካ፡ ጋሽ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ወሓይዛት ጥራይ ዘይኰኑ ዘገድሱ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ዘለና ጸጋታት እውን መወዳእታ የብሉን። ምስ ካልእ ከባቢታት ኣነጻጺርካ፡ ብዙሕ ብልጫታት ኣለዎ። እቲ ኣብኡ ከይተጠቐምናሉ ናብ ባሕሪ ዝውሕዝ ማይ ውሑድ ኣይኮነን። ስፍሓት መሬት’ውን ንእሽተይ ኣይኰነን። ክሊማ ኣብ ግምት ኣእቲኻ በብዓይነቶም መደባት ከተተኣታትወሉ ይከኣል እዩ። ስለዝዀነ፡ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ከፋፊልና፡ ምብራቓዊ ናይ ልምዓት ዞባ፡ ማእከል ናይ ከበሳታት ናይ ልምዓት ዞባ፡ ምዕራብ ናይ ልምዓት ዞባ ተባሂሉ ዘሎ እውን ነናቱ ፍሉይነት ስለ ዘለዎ፡ ኣብ’ቲ ባህርያዊ ጸጋታት እውን ንዕኡ ዝሰማማዕ መደባት ከተተኣታትወሉ ክትክእል ኣለካ። እዚ ኣይበጻሕናዮን ዘለና።
ናይ ምብራቓዊ ጎላጉል መደባትና ገፋሕቲ ስለ ዝዀኑ፡ ብቐዳምነት ስለ ዘይሰራዕናዮም ኣይተተግበሩን ኣለዉ። ኣብ ከበሳታት ዘለዉ፡ ብኣጠቓላሊ ሓደ ክልተ ምስ ኣድላይነት ናይ ዝስተ ማይን ቀረብ ናይ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ዝተኣታተዉ መደባት ክህልዉ ይኽእሉ ይዀኑ። ግን እቶም ንገዚፍ ሕርሻዊ መደባትና ኢልና ከነተኣታትዎም ዘለና ኣይተፋረቑን ብሲሶ እውን ኣይበጻሕናዮን። ኣብ ምዕራባዊ ቆላታት ዘለና ጸጋታት ምሉእ ብምሉእ ክንቆጻጸሮ 20% እውን ኣይሸፈንናሉን ዘለና። እዚ ግምት እዚ ወሲድካ እንድሕሪ ርኢኻዮ፡ ኣብ ቅድመና ዘሎ ዕማማት ወይ ብድሆታት ገዚፍ እዩ። ዝኣኽለና ተመኵሮ ኣዋህሊልና ኣለና። ብዝተፈላለየ መንገዲ ጸጋታትና ነጐሳጕሶ ኣለና።ልዕሊኹሉከኣናይሰብጸጋ ምጕስጓስ እዩ። ኣዝዩ ከቢድ ወጻኢታት ዝሓትት፡ ክተኣታቶ ዘለዎ ናይ ማሽነሪ፡ መሳለጥያታት (እኲፕመንት) መስኖኣዊ ቴክኖሎጂ ወፍርታት ኣሎ። ምስኡ ዝኸይድ ናይ ዘርኢን ዝተፈላለዩ ናይ ሕርሻ ከሚካላትን ኣሎ።
ነዚኦም እናጐሳጕስና እቲ (Potential) ወይ ክህሎት እናኣዋህለልና እንድሕሪ ከይድና፡ ካብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘተኣማምን ደረጃ፡ ናብ ዝዓበየ ክንከይድ ዝበለጸ ዕድል ኣለና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ስለ’ዚ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ብዙሕ እንተ ዘይተሰከፍና ዝሓሸ እዩ። ኣብ ዝመጽእ መደባትና፡ ምስ’ዚ ወጺኡ ዘሎ ስትራተጂ እቶም ተዳልዮም ዘለዉ ፕሮግራማት ኣብ ውሽጢ እቶም ፕሮግራማት ዘለዉ ፕሮጀክትታትን ናታቶም ዝርዝር ውጥናትን፡ በብኸባቢኡ ጽቡቕ መረዳእታ እንተደኣ ኣሎ፡ ኣብ ትግባረ ኸኣ ሓያል ውዳበ እንድሕሪ ተረኺቡ፡ ናይ ብሓቂ እቲ ኣሳጉማ ክንህር ይኽእል እዩ። ብኡ መጠን ከኣ፡ ውሕስነት መግቢ ኣብ ሓደ እዋን ዛንታ እዩ ክበሃል ክኽእል ኣለዎ። ስለዚ ናብ ከምኡ ደረጃ ክንበጽሕ ደሓን ሰጒምና ኣለና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።
ክቡር ፕረዚደንት ገለ’ኳ ጠቒስካዮ ኢኻ። ንዝያዳ ምንጻር ግን ንዋሕዲ ዝናብን ደርቅን ኣብ ዝተቓልዐ ከባቢ ከም ምህላውና መጠን፡ ክዘና ማይ ንምዕባይ – ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ተተግቢሮም እዮም። ንኣብነት ከም ናይ ገርሰት፡ ከርከበት፡ ገርገራ፡ ጋሕቴላይ ወዘተ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብዚኦም ተተግቢሮም ዘለዉ ስርሓት ናይ ቀረባ መደባትና ከመይ ይመስል?
ናይ ቀረባ መደባትና ብኸመይ ክትገልጾ ትኽእል እንተ ኢልካኒ፡ እቲ ተኣኪቡ ዘሎ ማይ ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን ኢና ዘለና። ንኣብነት ኣብ ከርከበት ተዋህሊሉ ዘሎ ማይ ክትግምቶ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ብዘይምግናን ልዕሊ 200 ሚልዮን ሜትሮ ኩቢ ወይ ትርብዒት ሜትሮ ማይ ኣሎ። እቲ ትሕተ-ቕርጺ ክዋደድ ከሎ ኣብ ግምት ዝኣተዉ መደባት ነይሮም። ሕጂ ግን እቲ ማይ ተኣኪቡ ኣሎ። ኣብኡ ተጣይሶም ዝኸዱ ‘ክንድ’ዚ ሓሪሶም ክንድ’ዚ ኣእትዮም’ ዝብል ነገራት ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ግን እቲ ክህሎት (Potential) ናይ’ቲ ትሕተ-ቕርጺ ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀመሉ ክትክእል ኣለካ ዝኣክል ምድላዋት ተገይሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ሰጣሕ ጐላጉል ስለ ዝዀነ ብልጫ ስለ ዘለዎ፡ ከፋፊልካ (ድሮ እውን እቲ ምክፍፋል ተገይሩ ኣሎ) ከተፍርየሉ ምተኻእለ። ብምሉእ ዓቕሚ ናይ’ቲ ተዋህሊሉ ዘሎ ማይ ዝለምዐ መሬት ግን የለን። ብዝሒ ናይ’ቲ ማይ ምስ’ቲ ዘሎ መደብ ዝመጣጠን ኣይኰነን።
እዚ መሬት ምድልዳል ጥራይ ዘይኰነ ናይ መስኖ ስርዓት ከተተኣታትወሉ ክትክእል ኣለካ። ናይ መስኖ ስርዓት ክተኣታቶ ኸኣ ናይ ጸዓት ጉዳይ ኣሎ። ምናልባት ምስ መልክዕ ናይ መሬት ብስሕበት (Gravity) ዝሰርሕ ስርዓት ናይ መስኖ ከተተኣታቱ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገፊሕ ቦታ ብኸምኡ ክትሰርሕ ግን ኣይዋጽኣካን እዩ። ተወሳኺ ጸዓት ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብኡ፡ ናይ ጸዓት ጸገም የለን ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ንሓዋሩ ግን ወጻኢታትና ኣውሒድና መኽሰባትና እናኣዕበና ንኽንከይድ፡ እሞ ዘተኣማምን ምንጪ ናይ ጸዓት ክንረክብ ክንክእል ምእንቲ፡ ናይ ጸሓያዊ ወይ ተሃዳሲ መመንጨዊ ጸዓት ክኣትወሉ ኣለዎ ተባሂሉ፡ ናይ 8 ሜጋ ዝኸውን ኣብ ወረቐት ተሳኢሉ ዝተወደአ መደብ ኣሎ። ንሱ ጸዓት ብዘውሕስ መንገዲ ክሳብ ዝትግበር፡ ንመሰጋገሪ ኢልና ክንዛረበሉ እንኽእል ረስናዊ መመንጨዊ ጸዓት ኣለና። እቲ ዋና ነገር ግን፡ በቲ ኣብኡ ዘሎ ማይ ክንደይ ሽሕ ሄክታር ከነልምዕ ንኽእል እንድሕር ኢልካ፡ እቲ ኣብኡ ተዳልዩ ዘሎ መሬት ንዓኡ ዝኣክል ኣይኰነን። ስለዚ፡ ናብ ዝገፍሐ መሬት ከተብጽሖ ክትክእል ኣለካ። እቲ ተኣኪቡ ዘሎ ማይ፡ ናብ ዝገፍሐ መሬት ከተብጽሖ ኸኣ ስርዓተ መዐደሊ ወይ መከፋፈሊ ክትዝርግሕ ክትክእል ኣለካ። ኣብ ውሽጢ 20-30 ኪ/ሜተር ጥራይ ዘይኰነ፡ ናብ ውሽጢ 40-50 ኪ/ሜተር፡ ንሰሜን፡ ንምዕራብ፡ ንደቡብ ገጹ ከም ዝዝርጋሕ ክትገብሮ ክትክእል ኣለካ።
ናይ ከርከበት ፕሮጀክት ጥራይ እንተ ርኢና፡ ብዙሕ ክትሰርሓሉ እትኽእል ዕድላት ኣሎ። 10-20 ሽሕ ሄክታር’ውን ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ዘሻቕል የብልናን። ማይ እንተዘይሃረመ እውን እኽሊ ኣይንስእንን ኢና። ንዓመታ ይኹን ንድሕሪኡ ሓሙሽተ ዓሰርተ ዓመት፡ ብዘየጠራጥርን ዘየሰክፍን መንገዲ፡ ዝናብ መጽአ ኣይመጽአ፡ መሬትና፡ ማይናን ካልእ ጸጋታትናን ተጠቒምና፡ ንነብስና ኰይንና ንደገ’ውን ክንሰድድ ንኽእል ኢና።
ቀሊል ኣይኰነን። እንተደኣ እቲ መከፋፈሊን መዐደሊን ስርዓት ዘርጊሕካዮ፡ ልዕሊኡ’ውን ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ዓይነት ናይ’ቶም ኣዝርእቲ’ውን ኣከራኻሪ ኣርእስቲ እዩ። እቲ ቦታ ንጡጥ ምሩጽ እዩ። ሎሚ ዘይኰነ ብቐደሙ ዝተፈለጠ እዩ። ኣብ ጡጥ ከተውፍር እንድሕሪ ዄንካ፡ ክንደይ ዝኣክል ጡጥ ክትዘርእ ትኽእል? ኣብኡ ዝፈረየ ጡጥ ናብ ዓለባ ናብ ልብሲ ክትቅይሮ እንታይ እንታይ ብልጫታት ኣለካ? ጥረ ጡጥ ክትሸይጥ እንተኾይንካ የዋጽኣካ ድዩ ኣየዋጽኣካን? ክትፈልጥ ኣለካ። ናይ ሽኮር መደብ ኣሎ። ብሽኮር ርእስና ምእንቲ ክንክእል እውን ዝኣኽለና ክንገብር ንኽእል ኢና።
ኣብ ኣፍ-ሂምቦል ዝተፈተነ ተመኵሮ ኣሎ። እቲ ቦታ እውን ምቹእ እዩ። ባልዕ ስለ ዘይብሉ’ውን ብዙሕ ዘሰክፍ ሕማማት የብሉን። ካሽ ክሮፕ እውን ከተተኣታቱ ኣለካ። ካልኦት ዝተፈላለዩ መደባት’ውን ከምኡ።
ትሕተ-ቅርጺ ተዋዲዱ፡ ዝኣኽለና ማይ ሒዝና ኣለና። ንዕኡ ክንምዝምዘሉ እንኽእል ናይ ብሓቂ ኩሉ ዘድልየና መሳለጥያታት ኣዋዲድና ዲና እንተደኣ ኢልና ግን ኣየዋደድናን። ሕጂ ኣብኡ እዩ እቲ ጉያ ዘሎ። ንዓኡ ተኣማሚንካ ገጅፍ መደባት ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ናይ ገርሰት፡ ፋንኮ፡ ኣለቡ. . . ኣብ ከባቢ ተሰነይን ዓሊ ግድርን ዘሎ ጽቡቕ ትሕተ- ቕርጺ ተዋዲድሉ ብዙሕ ነገር ንጥቀመሉ ዘለና እዩ። ብተዛማዲ ምስ ካልእ ማለት እዩ። ብመጠን ናይቲ ተኣኪቡ ወይ ተዓቂቡ ዘሎ ማይ፡ ተኣታትዩ ዘሎ መደባት ቀዲሙ ስለ ዝጸንሐ፡ ብዙሕ ብልጫታት ኣለዎ። ዳርጋ ማዕረ እቲ ዘሎ እኩብ ዝተዋህለለ ማይ ክንጥቀመሉ ክኢልና ኣለና ኢልካ ክትዛረብ ይከኣል ይኸውን። እዚ ሕጂ ናይ ተሰነይን ዓሊ ግድርን ወሲኽካ እንተርኢኻዮ ግና ብግቡእ ኣይተጠቐምናሉን። ዋላ እቲ ዝተነድፈ ውጥን’ውን ኣይተተግበረን ኣሎ። ካብኡ ንጎሊጅ ገጽካ ክሳብ በዓል ኦምሓጀር፡ ባደሚት. . . ክትወርድ ትኽእል ኢኻ። እቲ ተኣኪቡ ዘሎ ማይን እቲ ስፍሓት ናይቲ መሬትን ኣብ ግምት እንተ ኣእቲኻዮ፡ ክንጥቀመሉ ክኢልና ዘለና ኣዝዩ ንእሽቶይ እዩ። እንተ በዝሐ ካብ 30% ወይ 20-25% ዝሓልፍ ኣይኰነን። እቲ ዝተረፈ 60-70 % ዝኸውን ማይ እንተ ዝርከበሉ ብዙሕ ነገር ምገበርና። ናይ ጥሪት እውን ኣብ ግምት ዘእተወእዩ። እዘን ኣብ’ዚ ከባቢ ዘለዋ እንተ ርኢና፡ ምስ ብዝሒ ናይ ህዝቢን ትሕዝቶ ናይቲ ማይን፡ ንዝተፈላለየ መዓልታት ከፋፊልካ ክትጥቀመሉ እትኽእል ማይ ተኣኪቡ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ግን ኣብ’ዚ እውን ንገዛእ ርእሱ መበጻጽሒን መከፋፈሊን ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ክተኣታተወሉ ክኽእል ኣለዎ።
ካብ ኣስመራ ጀሚርካ፡ ገጠራት፡ ሓውሲ ከተማ ዝበሃል’ውን ኣብ’ቲ መደብ ዝኣተወ ኣሎ። ናይ ብዓል ገርገራ ንኣብነት ናብቲ ከባቢ ጥራይ ክትጥቀመሉ ዘዋጻጽእ ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ገርገራ ንሃዘሞ ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ። ካብ ገርገራ ንከባቢ ደቀምሓረ፡ ኮርባርያ ካብኡ ንንየው ንምብራቕ’ውን ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ውን ክትዝርግሖ ክትክእል ኣለካ። መከፋፈሊ ስርዓት ክህልወካ ኣለዎ – ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀመሎም ምእንቲ። ናይ ምብራቕ ናይ ጋሕቴላይ ኢልና እንድሕሪ ተዛሪብና፡ ኣብ መወዳእታ ኣይበጽሐን ዘሎ። ንባጽዕ ንዝስተን ንጽሬትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ እንታይ መደባት ከተተኣታቱ ትኽእል? ብሰሜን፡ ናብ ዒን፡ ላባ፡ ፈልከት፡ ዓገት. . ገጽካ’ውን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ክሳብ ከባቢባጽዕዘሎጠለብናይማይጥራይ ንገዛእ-ርእሱ፡ ቅድም ንዝስተን ንጽሬትን ነማልእ’ሞ፡ ማዕረ ማዕረኡ እውን ንመደባት ሕርሻ’ውን ክትጥቀመሉ። ኣብኡ’ውን እቲ መከፋፈሊ ስርዓት ብግቡእ ከተዋድዶ ክትክእል ኣለካ። ጠለብ እናሓየለን እናዓበየን ክኸይድ ስለ ዝኽእል፡ ካልኦት መመላእታ ትሕተ-ቕርጽታት ክዋደዱ ክኽእሉ ኣለዎም። ደቡብ ካብ ባጽዕ፡ ከም ናይ ዊዓን ካልኦትን ዓበይቲ ወሓይዝ ኣለዉ። ነዚኣቶም ብጋሕቴላይ ጀሚርና ነቶም ካልኦት ከነማልኦም እንተ ኽኢልና፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ክተኣታቶ ዝኽእል መደባት ናይ ሕርሻን ናይ ጥሪትን’ውን ብቐንዱ እናዓበየ ክመጽእ ይኽእል።
ማይ ንእክብ ኣለና። እቲ ዝኣከብናዮ ማይ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተጠቒምናሉ ክንብል ምእንቲ ግን፡ ኩሎም እቶም ምስኡ ክኸዱ ዘለዎም ወይ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ከነማልኦም ኣለና። ካብዚ ተዋህሊሉ ዘሎ ተመኵሮ፡ እቲ ማይ ምቍጽጻርን ትሕተ-ቕርጺ ማያት ምስራሕን ተኻኢሉ ኣሎ። ካብኡ’ኸ ናበይ? ንዝበሃል፡ ማዕረ ማዕረኡ ቅድመ- ምድላው ክግበረሎም ዘለዎ እዞም ጉዳያት እዚኣቶም እዮም። እንተደኣ ኣብ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ 2-3 ዓመታት ጽቡቕ ምድላዋት ተገይሩሎም፡ መበገሲ ክዀኑና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። እዚ ከም ናይ 2018 ዓ.ም. መደብ ኢና ንዛረብ ዘለና ማለት እዩ።
2017 ዓ.ም. ስኽፍታታት ነይሩ። ክራማት ደንጉዩ ክራማት ቀልጢፉ ይበሃል ነይሩ። ኣብኡ ዘይኰነ እቲ ሕቶ ግን፡ ኣብ 2018 ክንዛረብ ከለና እዞም ሕቶታት ብምሉኣቶም ፈቲሕናዮም’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ዓቢ ክፋል ካብኣቶም ፈቲሕናዮ ኣለና ኢልና ክንዛረብ ክንክእል ኣለና። እቲ ብድሆ ናይ ገዚፍ ወፍሪ ጠለብ እዩ። ብጣዕሚ ገዚፍ ስለ ዝዀነ፡ ጁባኻ እናረኣኻ የዋጽኣና ድዩ ኣየዋጽኣናን እናበልካ፡ ገለ ገለ ፕሮግራማት እናሰዋእና ኣብኡ ኣዝቢልና ክንሰርሕ ኣለና ተባሂሉ፡ ኣብ መስርሕ ምጽፋፍ ዘሎ መደባት ኣሎ። ግን ኣብ 2018 ኣብ ሓደ ዝበረኸ መድረኽ በጺሕና ኣለና ኢልና ክንዛረብ ምእንቲ፡ እቲ እንውስኾ፡ እዚን እዚን እዩ ተባሂሉ ክረአ ክኽእል ኣለዎ። ኩሎም እዞም ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ዋላ እቶም ደቀቕቲ ዝበሃሉ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተሰርሑ ኣዝዮም ንኣሽቱ ሓጽብታትን ራህያታትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ኣለዉ። ጸሓያዊ መመንጨዊ ጸዓት፡ መጨንጕዒ ፓምፓታት ኣተኣታቲና፡ መዐደሊ መስመራት እናዘርጋሕና፡ ኣብ ዓበይቲ መደባት ጥራይ ክንጥምት ዘይኰነ፡ ነቶም ንኣሽቱ-ንኣሽቱ መደባት እውን ከየስተናዓቕና ክንሰርሕ ኣለና። ንኹሉ ዘድሊ ጸጋታት ከተጐሳጕስ ስለ ዘለካ፡ ዓመት ዓመት ምናልባት ኣብ 2018 ከነጐሳጉሶም እንኽእል ኣብ መስርሕ ኣለዉ ክንሪኦም ኢና። ሽዑ – ሰዓቱ ምስ መጽአ ክንዛረበሎም ኢና።
ክቡር ፕረዚደንት፡ ሸርፊ ባጤራ ንምርግጋእ፡ ዝርቈት ርእሰ-ማል ናይ ምውጋድን ንግዲ ኮንትሮባንድ ናይ ምቁጽጻርን ስርሓት ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ዘይሕጋዊ ድለላን ምውቕቓዕን ንምቁጽጻርን ዕዳጋ ንምርግጋእን እንታይ ይግበር ኣሎ?
እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ከም ጉዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ዕብየት ናይ’ቲ ቁጠባ፡ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሰገርናዮ መስገደላትን ዘጋጥሙና ዘለዉ ብድሆታትን ብግምት
ክትዛረበሎም ኣጸጋሚ እዩ። ብኣሃዛት ክትዛረበሎም ከለኻ ዝበለጸ እዩ። ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን፡ እቲ ናይ ደገ ምስንኻላት ወይ ሸርሕታት እንብሎ እናበዝሐ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ሒዝናዮ ንኸይድ ዝነበርና ክፉት ፖሊስታት ናቱ ሳዕቤናት ነይርዎ። ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ፡ በብዓቕሙ ክርደኦ ዘለዎ፡ “እቲ ብናቕፋ እትወስዶ መሃያ እንታይ ክትገዝኣሉ ትኽእል?” ዝብል እዩ። ደሞዝ ኣይተቐየረን። ንዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት ወይ እውን ልዕሊኡ ይኸውን ደሞዝ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። ካብ ሕብስቲ ጀሚርካ ዝዀነ ንሂወት ዘድልየካ መሰረታዊ ነገር ክትገዝእ፡ ኣብ ኢድካ ናይ ዘሎ ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ሓይሊ እዩ ዝውስኖ። ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ ነንበይኖም ኣጋጣሚታት ጠቒሰዮ ኣለኹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ከም ዋዛ ኣዕሊለሉ ነይረ። ኣብ’ዚ ዜና እየ ዝሰምዖ። ኣብ ከባቢሰንዓፈድዩወይኣብካልእካብ ቴለቪዥን ሰሚዐ ኣለኹ። “ጸባ ብርትዓዊ ዋጋ ኢና ንሸጦ” ኢሉ ይዛረብ ሓደ ገላጻይ። ‘ብርትዓዊ ዋጋ’ ዝብሎ ዘሎ ንሓንቲ ሊትሮ 20 ናቕፋ ትሽየጥ ማለት እዩ። ርትዓዊዶ ኣይርትዓዊን ኣይኰነን እቲሕቶ።ንሓደሊትሮጸባ-20 ናቕፋ እንድሕሪ ኮይንካ ትገዝኣ፡ ኣብ ጀርመንንሓደኪሎጸባካብ29ክሳብ 30 ሳንቲም ይሽየጥ። እዛ 20 ናቕፋ ትበሃል ዘላ፡ በቲ ወግዓዊ ዝበሃል 15 ወይ 20 ወይ እውን ካብኡ ንላዕሊ ኣሽርፋ፡ ማዕረ መጠን ኣብ’ቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎሊትሮጸባወይኪሎጸባብኸመይ ትመጣጠን? ከም ኣብነት፡ ሓደ በርሚል ማይ ኣብ’ዚ ከተማ፡ ብኸመይ ይሽየጥ ነይሩ? በየናይ መጐት (Logic) እዩ ዝሽየጥ ነይሩ? ፈሓም ንሓደ መሸማዕ 800 ናቕፋ ይሽየጥ ይበሃል። ጥሪት ዘራብሕ ሓረስታይ፡ ንመግቢ እንስሳ ንኹንታል ብ500 ይገዝኦ። እዚ ነቲ ሰብ ዝፈልጦን ዝሰምዖን እየ ንኣብነት ዘምጽእ ዘለኹ። ኣብ መወዳእታ ግን ዝወሰድካ መሃያ ውሰድ፡ እቲ እትወስዶ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ እንታይ ትገዝኣሉ እዩ ዝውስኖ።
ዕዳጋ በብግዜኡ እናነሃረ፡ ሸርፊ ናቕፋ እናንቈልቈለ እንድሕሪ ከይዱ ትርጉም የብሉን። እቲ ንስኻ ትወስዶ ዘለኻ ደሞዝ ናይ ምዕዳግ ሓይሉ እናደኸመ ስለ ዝኸይድ፡ ደሞዝካ ኸኣ ማዕረኡ ስለ ዘይውስኽ፡ ኣብ ሓደ ሰብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ከምኡ ዝኣመሰለ ዘይምኽኑይ ናህሪ ዋጋታትን ምውቕቓዕን (Speculation) እዩ ዝኸውን። ሓደ ብሓደ ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ሊትሮ ጸባ ከተፍሪ ክንደይ’ዩ ወጻኢታቱ፡ ሓደ ሓደ ዝተገብረ ኤክሰርሳይስ (Excersice) ኣሎ። ሓደ ሊትሮ ጸባ ንኽፈሪ ወጻኢኡ ካብ 6 ክሳብ 7 ናቕፋ ኣይበዝሕን እዩ። ዋላ በቲ ሕጂ ዘሎ ሸርፊ፡ በየናይ (Logic) 20 ናቕፋ ይሽየጥ እንድሕሪ ኢልካ መግለጺ’ውን የብሉን። ናይ መጓዓዚ ይኹን ካልእ ዝተፈላለየ ወጻኢታት ደሚርካ (Margin) ወሲኸሉ ኢልካ ናብ 10 ናቕፋ እንተ ኣብጻሕካዮ ምናልባት ምኽኑይ ወይ ርትዓዊ ኢልካ ክትዛረብ ትኽልእ። ኣብ ዘቤታዊ ዕዳጋና ጥራይ ዘይኰነ፡ ብናይ ዓለም ዕዳጋ’ውን ክትቅበሎ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብዘይምቍጽጻር ክጋልብ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ኣካይዳታት፡ ብቐንዱ ናይ ደገ ሸርሒ እዩ። እዚ ኹሉ ምዝባዕ (Distortion) ዘተኣታቱ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ደገ ዝለኣኽ ሓዋላ እዩ። ሓዋላ፡ ከም ግቡእ መስርዕ ክህልዎ ነይርዎ። እዚ ሓዋላ እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ቁጠባ ናይ ሃገር፡ ብመንገዲ ወግዓውያን ባንክታት ዝግበር ሓዋላ ኣይኰነን። ስለምንታይ እዩ እቲ ክብሪ ናይ ናቕፋ ዘንቆልቁል ዘሎ? በየናይ ጠንቅታት እዩ? እንድሕሪ ኢልካ፡ ሓደ ኣብነት እየ ዘምጽእ ዘለኹ እምበር፡ ብዙሓት ክትዛረበሎም እትኽእል ነገራት ኣለዉ። ሓደ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ደገ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ናብ ቤተሰቡ ገንዘብ ክሰድድ ይደሊ። እዚ ንቤተሰብ ዝስደድ ገንዘብ፡ ብርያል ይምጻእ ብዩሮ ወይ ብዶላር፡ ክሽረፍ ክኽእል ኣለዎ። እንተኾነ ኣብ ባንኪ ከይዱ ብ15 ኣሽርፉለይ ኣይብልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ደገ ብ30 ወይ ኣርብዓ ከሽርፈሉ ዝኽእል ኣሎ። እዚ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓሰርተ ገለ ዓመታት ክግበር ዝጸንሐ፡ ውዱብ ገበን እዩ። እታ ሃገር ከይትቐስን ምእንቲ፡ ሓዋላ ምእንቲ ከይትጥቀመሉ፡ ‘ክዕገት – ክሕነቕ ኣለዎ’ ተባሂሉ ስለ ዝተሰርሓሉ፡ ነቲ ናብ ውሽጢ ቍጠባ ሃገር ክኣቱ ዘለዎ ሓዋላታት ዝሓንቕ መርበባት ተዋዲዱ። ነዚ ናይ ስለያ ትካላት እየን ዝመርሓኦ። ብደገ ደገ ካልእ ክረኣየካ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ውሽጢ፡ መን የካይዶ? – መን ይመርሖ? እንተ ኢልካ ግን፡ ኣብ ደገ ዘሎ እዩ ዝመርሖ።
ሓደ ዜጋ ንቤተሰቡ ገንዘብ ክሰድድ እንተደኣ ደልዩ፡ እቲ መርበብ ስለ ዘሎ፡ ናበይ ከም ዝሰድድ ይፈልጥ እዩ ማለት እዩ። እቲ ናቕፋ ኣብ ደገ እዩ ዝሽረፍ። ኣብ ደገ እንድሕሪ ዝሽረፍ ኰይኑ፡ ሓደ ድኳን ዝኸፈተ ሰብ፡ ዶላር ወይ ዩሮ፡ ወይ ርያል ተቐቢሉ፡ ከመይ ገይሩ ናቕፋ ከቕርብ ይኽእል? እቲ ብማዕረ ማዕሪኡ ዝኸይድ ጥበብ፡ ካብ’ዚ ናቕፋ ተዘቚቝ፡ ክሻታት ተመሊኡ ናብ’ተን ባንክታት ይኸይድ።
እተን ባንክታት ልቸንሳ የብለንን። ኣብ ደገ ስለ ዘለዋ ዝቆጻጸር’ውን የብለንን። ናብ ቤተሰብ ገንዘብ ክሰድድ ዝደለየ ሰብ፡ ኣድራሻኡ ናብኣተን ይሰዶ። ንሳተን ከኣ ኣብ ደገ የሸራርፋኦ። እቲ ንቤተሰቡ ኢሉ ገንዘብ ዝሰደደ፡ ዝረብሕ ዘሎ እዩ ዝመስሎ ዘሎ። ግን እግሩ እዩ ዝወግእ ዘሎ። እተን ዝመጽኣ ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ይሸረፋ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዝበጽሖ ሰብ፡ ዘድልዮ ነገር ኣብ ዕዳጋ ከይዱ ክገዝኣሉ እንድሕሪ ኰይኑ፡ በቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ እዩ ዝገዝእ። እንተደኣ ባጤራ ናቕፋ ዋግኡ ኣንቆልቊሉ፡ ብዝመስለካ መንገዲ ኣሽርፎ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ክትሕግዞ ኢልካ ትሰደሉ ዘለኻ ሰብ እዩ ዝኸስር ዘሎ። እዚ ቀሊል ስእሊ ናቱ እዩ።
እዚ ኣባና ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ከባቢታት እውን ይሰርሕ እዩ። ሕጂ ዘሎ ናይ ዓለም ስርዓት ብኸምኡ እዩ ዝሰርሕ። ህዝቢ ተጥሚ፡ ህዝቢ ከም ዝሳቐን ዝነዓዓብን ትገብር፡ ዘይሩ-ዘይሩ፡ ኸኣ ኩሉ ንቝጠባ እዩ ዝጸሉ። መዐረዪ ክግበረሉ ክኽእል ኣለዎ። “መንግስቲ ከም’ዚ ገይሩ፡ መንግስቲ ከም’ዚ ሰሪሑ” ዝበሃል፡ መንግስቲ ካብኡ ዝረኽቦ ዝዀነ ነገር የብሉን። እቲ ዕላማ፡ እቲ ተራ ዜጋ፡ ነቲ ክረኽቦ ዝኽእል ደገፍ ብግቡእ ክጥቀመሉ ክኽእል ኣለዎ። ባጤራ ምእንቲ ርእሱ ሓደ ናይ መሳለጢ ወረቐት እዩ። ሓድሽ ባጤራ ምትእትታዉ መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል እኳ እንተዘይኰነ፡ ነዚ ኸም’ዚ ዝኣመሰለ ነውጺን ምዝንባዕን ዘምጽእ ዘሎ ምውቕቓዓት ግን፡ መቆጻጸሪ ክግበረሉ ክኽእል ኣለዎ። መወዳእታ ተጠቃሚ ዜጋ እዩ። እዚ ፕሪሚቲቭ (Primitive) ቁጠባ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ሃገር ባንክታት ሰሪሐን ኣይሰሪሐን እንታይ ከሲበን ኣይከሰባን፡ ኢልካ ኣብ ገዚፍ ነገር ኣቲኻ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቀለልቲ መሳለጥያታት ዝህብ ፋይናንስያዊ ትካላት እንተዘይኰይኑ፡ ዓበይቲ ባንክታት፡ ዝልቃሕን ዘለቅሕን፡ኣብ ዓበይቲ ቁጠባዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ጽላታት፡ ኣብ ኢንዱስትሪታት ዝኣቱን ዘውፍርን ባንክታት’ውን የለን።
ውዒልካ ሓዲርካ ክሳድ ምሓዝ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ዕድጊ ዓቕሚ ሃገራዊ ባጤራ ክሕይል እንድሕሪ ጀሚሩ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ እዩ ዝጥቀም። እዚ ትምኒት ወይ ባህጊ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብ ናቱ ዋኒን ዝሰርሕ ዘሎ ሰብ፡ እዚ መቆጻጸሪ ክተኣታተወሉ ክኽእል ኣለዎ። ብዛዕባ ደሞዝ ምውሳኽን ዘይምውሳኽን ምናልባት ዳሕራይ ክንዛረበሉ ንኽእል ኢና። እቲ ዋና ፖሊሲ ከነተኣታትዎ ዘለና፡ እቶም መሳርሒታት ዝበሃሉ ፖሊሲታት ከምጽእዎ ዘለዎም ናይ ናቕፋ ናይ ምዕዳግ ሓይሊ ክዓቢ ኣለዎ። እዚ ነቲ ኻልእ ክፋል ዝርስዕ’ውን ኣይኰነን። ቀረብ ናይ’ቶም መሰረታውያን ወይ ስትራተጂካውያን ሃለኽቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታትን ኣቚሑን፡ ብዓይነት ይኹን ብዓቐን ውሕስነት ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ምስ’ቲ ናይቲ ቁጠባ ናይ ኣፍራይነት ዓቕሚ ዝኸይድ እዩ። እቲ ቁጠባ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ፣ መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሃሉ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ተሸሚቶም ዝመጽኡ ድዮም ወይስ ብዘቤታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ክንብል ኣሎና። እቲ ዝተኣታተወ ፖሊሲ ሰሪሑ’ዶ ኣይሰርሐን እንተ ኢልካኒ፡ ኣይፈልጥን እየ ክብለካ እኽእል። ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ ወይ ሽዱሽተ ወርሒ ወይ ኣብ ዓመት ሰሪሑን ኣይሰርሐን ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ምናልባት’ውን ዘይተሓሰበሉ ሳዕቤናት ከምጽእ ይኽእል ይኸውን። ሓድሽ ባጤራ ክተኣታቶ ከሎ፡እቲዋናዕላማ፡ነቲኣብዑደት ዝጸንሐ ባጤራ ክትቆጻጸሮ ክትክእል ኣለካ። ነዚ ብደገ ዘንቀደ ሸርሒታት፡ እንተዘይሰዓርካዮ እውን ክትቆጻጸሮን ክትምክቶን ክትክእል ኣለካ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብ ኢዱ ዝሓዞ ናቕፋ ክጥቀመሉ ምእንቲ፡ናይ ዕድጊ ሓይሉ ክድይብ ክኽእል ኣለዎ። ስለ’ዚ፡ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ፡ ነዚ ፖሊሲ ከተግብርን ክቆጻጸሮን ክኽእል ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዕላማ፡ ኣብ ዕብየት ናይ ቁጠባ እንታይ ከምጽእ ወይ ኣይከምጽእን እዩ ዘይኰነ፡ እንታይ ተገይሩ እንድሕሪ ኢልና ምስ’ቲ ዝፈጠሮ ሓጎጽጎጽ፡ ሓደ ሓደ ለውጥታት ተራእዩ ይኸውን። ንምልክታት ናይ’ቲ ለውጢ ወሲድካ፡ ከም’ዚ ኰይኑ ኣሎ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ኣሎ፡ ዝወጽአ ፖሊስታት ሰሪሑ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ናይ ሓደ ተዋሳኣይ ጸወታ ኣይኰነን። ብዙሓት ተዋሳእቲ ዘለዎ ጉዳይ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ክስራሓሉ ዘለዎ እዩ።
እቲ ቀዳማይ መልእኽቲ ክመሓላለፍ ዘለዎ፡ እቶም ካብ ደገ በዘን ናይ ከትሪ ባንክታት ኣቢሎም ናብ ቤተሰብ ገንዘብ ዝሰዱ ዘለዉ፡ ዘይሮም-ዘይሮም ንሓይሊ ዕድጊ ናቕፋ ይቐትልዎ ከም ዘለዉ ክፈልጡ ክኽእሉ ኣለዎም። ንዓይ ሓገዝ ግበረለይ፡ ደግፈኒ፡ ረድኤት ግበረለይ. . . ዝብል መንግስቲ የለን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ተጠቃሚ እቲ ዜጋን ህዝብን ስለ ዝዀነ፡ ምንቅስቓሳት ናይ ዝተፈላለዩ ባጤራታት፡ ናብ ምንታይ ይኸይድ ከም ዘሎ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ክሳራ ዘይሩ-ዘይሩ ነቲ ዘበግስ ዘሎ’ውን ይኸውን ስለ ዘሎ፡ እትሰዶ ዘለኻ ደገፍ ተሸሪፉ ናይ’ቲ ዝተሸርፈ ባጤራ መዐደጊ ሓይሊ ገዚፍ ክኸውን ከሎ ጥራይ እዩ ዘዋጽኣካ። ንዓኡ ዝሃሲ ዝዀነ ነገር እንተ ገይርካ፡ ንነብስኻ ኢኻ ትጐድእ ዘለኻ እምበር፡ ንዝዀነ ሰብ ኣይኰንካን ትጐድእ ዘለኻ።
እዚ ቀሊል ስራሕ ዝሓትት ኣይኰነን። ማዕረኡ ክስራሓሉ ክኽእል ኣለዎ። ምናልባት ባጤራ ኣብ ዕብየት ናይ ቁጠባ፡ ኣብ ርግኣት ናይ ዋጋታት፡ ኣብ ዝቕባበን ዝተፈላለዩ ካልኦት ቁጠባዊ ረቛሒታትን ኣበርክቶ ኣለዎ እንድሕሪ ኢሎሙኻ፡ ውሱን ኣበርክቶ እዩ ዘለዎ። እቲ ዋና ነገር፡ ንዕብየት ቁጠባ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃ፡ ኩሎም ጽላታት፡ ኩሎም ኢንዱስትሪታት ዝህሉ ፍርያት ክዓቢ፡ ካብ’ዚ ሕጂ ዘሎ ጽፍሒ ናብ ዝለዓለ ክኸይድ እዩ እቲ ቀንዲ ኣተኲሮ። እቲ ባጤራ ግን፡ ናይ ገለ ገለ ዘይድለዩ ተርእዮታት ምውቕቓዕን መነባብሮ ዜጋታት ኣብ ዝትንክፉ ጉዳያትን ኣመት ስለ ዘለዎ፡ ንዕኡንምቁጽጻር፡ ክውቅዑ ዘለዎም ዕላማታት ተነጺሮም፡ ኣካላት ናይ መንግስቲ ብግቡእ ክሰርሓሎም ከም ዘለወን ጥራይ እየ ከዘኻኽሮም ዝደሊ። እቲ ኣርእስቲ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ ኣዝዩ ገፊሕን ብዙሕ ጨንፈራት ዘለዎን ስለዝዀነ፡ እቲ ወጺኡ ዘሎ ፖሊስታት ሰሪሑ’ዶ ኣይሰርሐን፡ ክሰርሕ ድዩ ኣይክሰርሕን ክሳብ ክንደይ ክድፈኣሉ ይኽእል፡ ኣብ መንጎ ዝግበር ለውጥታት እንታይ ኣሎ ከይተንተንና፡ እታ ናይ መወዳእታ ዕላማ ክብሪ ወይ ሓይሊ ዕድጊ ናቕፋ ንምቁጽጻር፡ ቀረብ ነፍሲ- ወከፍ ዜጋ ናይ’ቶም መሰረታውያን ዝበሃሉ ሃለኽቲ እናተኸታተልካ፡ እቲ ዝድለ ዕላማ ክውቃዕ ክኽእል ኣለዎ እዩ እቲ ሓሳባት።
ብዛዕባ ኮንትሮባንድ ዝበሃል ዘረባታት ኣሎ። ሓደ ክንፈልጦ ዘለና፡ መጽናዕትን ገምጋማትን ዝተገብሮ ጽቡቕ ፖሊስታት ወጺኡ ኣሎ እንድሕሪ ተባሂሉ፡ ናይ ትግባረ ዓቕሚኸ? ትብል’ሞ፡ ናብ’ቲ ትካላት ትመጽእ። እቲ ትካላት ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ፖሊስታት ከተግብር ይኽእል ድዩ? ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ዝዀኑ ጉዳያት ከመይ ገይሩ ክሕዞም ይኽእል? ናይ ብሓቂ ኣብ ትግባረ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጸገማት እንታይ እዮም?። ንኮንትሮባንድን ንዝተፈላለዩ ካልኦት ኣብ’ዚ ናይ ምውቕቓዕ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣሰራርሓታትን፡ ብቕዓት ናይ’ተን ትካላትና እንታይ ይመስል? ኢልካ ክትሓትት ከኣ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ እዩ። ፖሊሲታት፡ ነዚን ነዚን ዕላማታት ወይ ሸቶታት ክንወቕዓሉ ኢልና ስኢልናዮ ኣለና። ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተኣማሚንና፡ ብባህጊ ብድልየት ጥራይ ክንሰርሕ ኢና ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ዲና? ንዕኡ ዘተግብር ኣካላት ኣለና ድዩ” ዝብል ሕቶታት ኣሎ። እዚ’ውን ምስ ግዜ እናወርጸጸ ዝኸይድ እዩ። ምኽንያቱ ኣዋጃት፡ ፖሊሲታት. . . ምውጻእ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ስለ ዘይኰነ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ካልእ ዓቢ ብድሆ እዩ። እቲ ዝወጽአ ግን፡ ከም’ቲ ዝተሓስበ ወይ ዝተደልየ ኣድሚዑ’ኳ እንተ ዘይበልና፡ ብዙሕ ተመኵሮታት ኣዋህሊልናሉ ስለ ዘለና፡ ንዝመጽእ ብዝበለጸ ከነተግብሮ ዝሓሸ ኩነት ኣለና ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።
ክቡር ፕረዚደንት፡ መንግስቲ ብገዚፍ ወጻኢ መሰረታዊ ሃለኽቲ ይቕርብ ኣሎ። ይኹን’ምበር፡ እቲ ጠለባት ኣዝዩ ብዙሕ ስለዝዀነ፡ ብሕጊ ዝሰርሕ ዓቕሚን ርእሰማልን ዘለዎ ብፍላይ ከኣ ኣብ መተካእታ ናይ እታው ዝነጥፍ ኢንዱስትሪያዊ ብሕታዊ ክፋል ንምስታፍ ዘሎ ተኽእሎን፡ ብመንግስቲ ክግበር ዝግባእ ምትብባዕን እንታይ እዩ?
እቲ ሕቶ ንገዛእ-ርእሱ ካብ ግጉይ ግምት (Assumption) ዝጅምር ዘሎ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ካብ ደገ ዝዕደግ ገዚፍ ኣይኰነን። ከውፍር እየ ዝብል ሰብ፡ ሕጋዊ ገንዘብ ኣለካዶ? ጠለባት ህዝቢ ከተማልእ ትኽእል ዲኻ? እንታይ እንታይ ኢኻ ከተምጽእ ወይ ክትዕድግ? ናይ’ዛ ሃገር ጠለብ (Demand) ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ብልክዕ ትፈልጦ ዲኻ? ዝብሉ ሕቶታት ከማልእ እኽእል እየ እንድሕር ኢሉ፡ እንሆ ፈረስ – እንሆ ጐልጎል። ግን ናይ ምግዛእ ዓቕሙ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ባንካታት ዝተቐመጠ ወይ ዝተኣከበ ገንዘብ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ከም ዘንቀሳቕሶ. . . ከርኢ ኣለዎ።
እዚ ብሕታዊ ክፋል ዝበሃል ዓቢ ኣርእስቲ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ናትናን ካልኦት ከማና ዝኣመሰላ ሃገራትን ኣዝዩ ፍልማዊ (Primitive) ዝዀነ ቁጠባ፡ ናይ ብሕታዊ ክፋል ባህርያት ሓደ ብሓደ እንድሕር ኣጽኒዕናዮ፡ ጽግዕተኛ ናይ ደገ ዓበይቲ ትካላት እዩ – ናይ ገዛእ-ርእሱ ሓይሊ ዘይፈጠረ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ 25 ዓመታት፡ ብሕታዊ ክፋል ክንፈጥር ምእንቲ፡ መንግስቲ ዘየተኣታተዎ ፖሊሲ ኣይጸንሐን። ብደርጊ ተሃጊሩ ዝነበረ ንብረት ናብ ዋናኡ ከም ዝምለስ፡ ዝተፈላለየ ትካላት ናብ ሓደሽቲ ወፍሪ ከም ዝኸዱ ተገይሩ። ሎሚ እቲ ጸብጻብ ሓደ ብሓደ ገንጺልካ እንተ ርኢኻዮ ንዝዀነ ሰብ መገረመ። እዚ ኣብ ዘቤታዊን ግዳማዊን ኩነት ዝፈጥሮ ነገር ቀሊል ኣይኰነን። ሃለኽቲ ነገራት መጺኡ ኣይመጽአን? ከመይ ይሽየጥ? ዘይኰነ፡ ኣብ መወዳእታ ብመጠን ናይ’ቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ናይ ባጤራ ናይ ምዕዳግ ሓይሊ ይኹን ዑደት ሸርፍታት እዩ ዝልካዕ። ገንዘብ ኣለኒ ገዚአ ክመጽእ እኽእል’የ ንዝበለ ዝኽልከል ነገር የለን እኮ። እቲ ከውፍር እየ ዝብል ሰብ፡ ንመንግስቲ ዝሕግዞ ነገር የለን። ንመንግስቲ ዋላ ሓንቲ ዝውስኸሉ ነገር የብሉን። ኰይኑ ግን፡ ንቍጠባ ሃገር ዝሕግዝ፡ መነባብሮ ናይ ዜጋታት ዘማሓይሽ ዲዩ ክገብር ዝደሊ ዘሎ ዋላስ – ኣብ ምውቕቓዕ ክኣቱ? ዝብል ሕቶ መልሲ የድልዮ።
ካብ ደገ ተገዚኡ ዝመጽእ ስርናይ ብኽንደይ ከም ዝተገዝአ፡ ዕዳጋታት ዓለም ፍሉጣት እዮም። መኽሰብ ክትረክብ እንተ ዀይንካ፡ ሓላል መኽሰብ እንተ ገይርካ፡ ዝዀነ ሰብ ዓይኑ ከይሓሰየ ክተሓጋገዘካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ብሕታዊ ክፋል ዝበሃል፡ ናይ 2017 ዓቢ መደብና እዩ። ‘ኣነ ገንዘብ ኣለኒ፡ ከውፍር እኽእል እየ’ ዝበለ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ከውፍር ይኽእል እዩ። ናይ ብሓቂ ዓቕሚ ዘለዎም፡ ድልየት ዘለዎም፡ ተረዲኡዎም ዝሰርሑ እንተደኣ ኣለዉ።
ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ኣብ ጽርግያ ዝዕለል ዘረባታት ዳርጋ ኣእዛንና ዓቢስና እንኸደሉ እዩ። “እወ እንታይ መሲሉካ፡ መንግስቲ ንኹሉ ነገር ተቖጻጺሩዎ፣ ዕድል ስለ ዝኸልኣና እምበር ንሕና ተኣምራት ክንሰርሕ ምኸኣልና ነይርና. . .” ዝበሃል ዘረባ ኣሎ። ሓንቲ ክሻ ፊኖ፡ ሓንቲ ኪሎ ዓደስ. . . በዚ ጠውየ – ሓቢአ ዘምጻእክዎ ኣይኰነን እቲ ሕቶ። ክንደይ ዝኣክል ኣበርክቶ ክትገብር ትኽእል? እንታይ ዓቕሚ ኣለካ” እዩ። ክንድ’ዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣለኒ፡ ኣብ ከም’ዚ ከውፍር ደልየ ነይረ ግን ዕድል ከሊኦሙኒ ንዝብል፡ እዛ ሃገር ንእሽቶ እያ። እንታይ ከም ዘሎን ዘድሊን ንኽትፈልጥ ዘጸግም ኣይኰነን።
እቲ ሕቶ፡ ነቲ መንግስቲ ዘምጽኦ ዘሎ ስለምንታይ ብሕታዊ ክፋል ገዚኡ ዘየምጽአ ኣይኰነን። ንዕብየት ናይ’ቲ ቍጠባ ይኹን ንሓዋሩ እንድሕር ብሕታዊ ክፋል ክህሉ ዝኽእል ኰይኑ፡ ኣበየናይ ጽላት፡ ኢንዱስትሪ፡ ዋኒን፡ ብኸመይ መገዲ እዩ ክሰርሕ ዘለዎ፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ዝህልዎ ድርኺት እንታይ ክመስል ይኽእል – ከመይ ዝበለ ኣበርክቶ (Contribution) ክህልዎ ይኽእል ኢልካ ሓደ ብሓደ ክትዛረብ ክትክእል ኣለካ። እቲ ኣብ ጽርግያታት ብዛዕባ መንግስቲ ዝበሃል ዕላላት፡ ዋላ ኣእዛንና እንተ ዘይኮዀየና ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። ኣብ መወዳእታ ግን እንታይ ኣለካ እዩ ዝውስኖ። እቶም ናይ ብሓቂ ከውፍሩ ዝደልዩ፡ ከም ዕዮ ገዛኦም ገይሮም እዚን እዚን ክንገብር ንኽእል ኢና ዝብሉ፡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮታት ይማሃሩ።
ኣብ ምውቕቓዕ ክኣቱ ዝደሊ፡ ካብ’ዚ ናቕፋ መጽዩ (Syphon) ገይሩ ምስ’ተን ኣብ ደገ ዘለዋ ድኳናት ተሓባቢሩ ብዝኣከቦ ዶላር ፊኖ ገዚኡ ከምጽእ እንተዀይኑ ግን፡ ካበይን ብኸመይን ከም ዝገዝኦ? ብሕጋዊ መንገዲ ዝኣከቦ ገንዘብ ኣለዎ ድዩ የብሉን ክፍለጥ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኸኣ፡ ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዘልዓልኩዎ፡ ዝዀነ ናብ’ዚ ዓዲ መጺኡ ዝሽየጥ ንብረት፡ ኣብ ዘቤታዊ ዕዳጋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ እውን ተወዳዳርነቱ ክምዘን ኣለዎ። ሎሚ ኣብ ናይ ዓለም ዕዳጋ ዘሎ ነገራት ዋጋኡ ዘይፍለጥ ነገር የለን። ካብ ቻይናን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታትን መጺኡ ናብ ዕዳጋ ዝወርድ ዘሎ ዝተፈላለየ ሃለኽቲን ካልኦትን፡ በየናይ መለክዒታት እዩ ዋግኡ ዝውሰን? መን እዩኸ እቲ ዓዳጋይ? ናይ ብሓቂኸ ነቲ ባጤራ ብግቡእ ኣብ መዓልኡ የውዕሎ ኣሎ ድዩ? ብዙሕ ካልእ ሕቶታት ዘልዕል እዩ። ነቲ መሰረታዊ ጠለባት ዘማልኣልናን ናይ ግድን ኣድለይቲ ዘይኰኑ ኣቑሑ እውን ክመጽኡ እንድሕር ኰይኖም፡ ብኸመይ መንገዲ? ክረአ ኣለዎ። ነዚ ኣብ ዕዳጋ ዝወርድ ሃላኺ ኣቑሑን ኣገልግሎታትን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት – ንኣብነት ኣብ’ዚ ሕጂ ን2017 መግትኢ ተገይሩሉ፡ ኣብ 2018 ክስርሓሉ እዩ ዝበሃል ዘሎ፡ ኣነ ኣብ ናይ ልብሲ ስራሕ ከውፍር ዝብል እንተ’ሎ ንኣብነት፡ እንሃለ ጐልጎል እናሃለ ፈረስ ክበሃል ይኽእል። ጡጥ ኣፍሪኻ፡ ቅጥኒ ገይርካ፡ ዓለባ ኣሊምካ፡ ኣብ መወዳእታ ልብሲ ከተቕርብ ትኽእል ዲኻ? ጡጥ ምሻጥ እንድሕር ኰይኑ፡ ጡጥ ሸይጥና እንረብሓሉ ነገር የለን። ዋላ ብድራማቲክ መንገዲ ኣይኹን፡ እቲ ኢንዱስትሪ ክሕይል ስለዘለዎ፡ ኣብ’ቲ ዓውዲ ወፍሪ እንድሕር ኣሎ ኰይኑ ብኸመይ መንገዲ? ቆርበት፡ ዝተፈላለዩ ኣብ ኣስቃጥላ ተዓሺጎም ዝኸዱ ኢንዱስትሪያዊ ፍርያት እንድሕር ኣለዉ ኰይኖም፡ ብኸመይ መንገዲ? ቍጠባ ከተዕብዮ እንተድኣ ኮይንካ፡ ዓቐን ናይ’ቲ ወፍሪ ክዓቢ ክኽእል ኣለዎ። ኣበየናይ ኣርእስቲ ኢኻ ተወፍር ዘለኻ? ክንደይ ሽቕለት ክትፈጥር ኢኻ. . .? ኣብ መወዳእታ ድምር ናይ ንጥፈታት ወፍርኻ ኣብ ቁጠባ እንታይ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ።
መንግስቲ፡ ንምንታይ ሓላፍነት ተሰኪሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ክፈልጥ ምእንቲ፡ ነዞም ጉዳያት እዚኣቶም ክሕዞም ክኽእል ኣለዎ። ናይ ብሓቂ ኣብ ቁጠባ ክኣቱ እደሊ’የ ዝብል ኣውፋሪ እንድሕር ኣሎ፡ እዚአን እየን እተን መለክዒታትናን መወከሲናን። ብሓላል ከውፍር ዝደለየ፡ ክሰርሕ ዝደለየ፡ ጸገም የለን። ግን ንዕብየት ቍጠባ ናይ’ታ ሃገር ከበርክት ስለ ዘለዎ፡ እዘን ረቛሒታት እዚአን ተማልአን ዲኻ ተባሂሉ ክምዘን ክኽእል ኣለዎ።
እቲ ሓፈሻዊ ዘረባ፡ ምስ ናይ መግቢ ሃለኽቲ ጥራይ ስለዝመጽእ፡ ምንጪ ናይ ኣእካልከ ካበይ እዩ? እኽሊ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክመጽእ ይኽእል’ዩ። እቲ ዕዳጋታት ፍሉጥ እዩ። ብኽንደይ ይመጽእ? ኣብ’ዚኸ ብኽንደይ ትሸጦ? ክፍለጥ ኣለዎ። ባኒ ይኹን ሕንባሻ ኰይኑ ኣብ ዕዳጋ ክቐርብ ከሎ፡ ነቲ ሃገር ዘገድሶ – እቲ ካብ ደገ ተገዚኡ ናብ’ዚ ዓዲ ዝኣቱ ሃለኽቲ ነገራት ዋጋኡ ክንደይ’ዩ ዝብል’ዩ። ነቲ ንባጤራ ናቕፋ ይኹን ንሸርፊ ዝምልከት ኣሉታዊ ጽልዋታት ብኸመይ ይጸልዎ ክፍለጥ ኣለዎ። ብቐሊል ኣዘራርባ ግን፡ ኣብ’ዚ (Primitive) ዝዀነ ቁጠባ፡ ክምዕብል ዝኸኣለ ብሕታዊ ክፋል ኣይጸንሐን። ዋላ እቲ ምትብባዕ ዝተገብረሉ እውን፡ ንብዙሓት ምኽንያት ከም’ቲ ዝድለ ከፍሪ ኣይጸንሐን። ኣብ’ቶም መሰረታውያን ንቑጠባዊ ዕብየት ናይ’ዛ ሃገር ከበርክቱ ዘለዎም ጉዳያት ከመይ ገይርና ክንሰርሕ ንኽእል፡ እቶም ነተኣታትዎም ፖሊሲታትከ ኣድማዕነቶም ብኸመይ ነረጋግጽ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ዕብየት ናይቲ ቑጠባ (sustainable) ብዝዀነ መንገዲ ምዕቃብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓይነት ሂወት ናይ ሰባት እናተመሓየሸ ከም ዝኸይድ ክትገብር ምእንቲ፡ ኣታዊታትን መነባብሮን እናተመጣጠነ ከም ዝኸይድ ክትገብር ስለ ዘለካ፡ እዚኦም ነንሕድሕዶም ዝተዛመዱ ኣርእስቲ እዮም። ብተናጸል ክትርእዮም ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ መንግስቲ ዘቕርቦ ወይ ብስም ትካላት ናይ መንግስቲ ዝቐርብ መሰረታዊ ስትራተጂያዊ ሃለኽትን ኣድላዪ ዝበሃል ካልኦት ነገራትን ግን፡ ካብ ዝጸንሖ እውን ዝያዳ ክቕጽል እዩ። ምኽንያቱ፡ ክሳብ ሕጂ ከም ስርናይ፡ መሸላ፡ ካልኦት ጥረምረ፡ ሽኮር፡ ዘይቲ ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ዝበሃሉ ሃለኽቲ እዩ ከእቱ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ኣብ ካልኣይ ገጽ፡ እቶም ካልኦት የድልዩ እዮም ዝበሃሉ ኣቝሑ እውን ከነቕርብ ክንክእል ኣለና ማለት እዩ።
ክቡር ፕረዚደንት እቲ ምውቕቓዕ ይበዝሕ ስለዘሎ፡ ክሳብ ቍጠባና ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ዝበጽሕ፡ ዋጋታት ኣቝሑ ብምቁጽጻር መፋዀሲ ወይ ገለ ለውጢ ክመጽእ ተኽእሎ ኣሎዶ?
እወ ከምኡ ክትገብር የደናድነካ እዩ። የግዳስ፡ ዋጋታት ክትቆጻጸር እንድሕር ኴንካ፡ ኣብ ድርብ ሃልኪ ኢኻ ክትኣቱ። መን እዩ ዝቆጻጸር? ብኸመይ እዩኸ ዝቆጻጸር? እቶም ሃለኽቲ ኣቝሑን ኣገልግሎታትን ከም ዝቐርቡ ክትገብር እዩ እቲ ዝቐለለ። ንምዃኑ ንኣየኖት ኣቝሑ ኢና እሞ ክንቆጻጸሮም? ንብምሉኦም እቶም ሃለኽቲ ዝበሃሉ ኣቝሑን ኣገልግሎታትን ዋጋኦም ክትስልዖም ብዙሕ ከቢድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ዘቤታዊ ዕዳጋ ክበሃል እንከሎ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ንዝፈርዩ ፍርያት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ካብ ደገ ንዝመጹ ፍርያት’ዩ ዘጠቓልል።
ካብ ደገ ዝመጹ ኣቝሑ፡ መሰረታውያን ይኹኑ ዘይመሰረታውያን ዋጋኦም ፍሉጥ እዩ። ኣብ ደገ ተወዳዳሪ ዕዳጋ ስለዘሎ፡ ኣብ ዘድልየካ ዕዳጋ ከይድካ፡ እቲ ዘድልየካ ዓይነት ሃላኺ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ናብዚ ዓዲ ንኸተእትዎ፡ እቲ ዝገበርካዮ ወጻኢታት ምስ ርትዓዊ መኽሰብ ደሚርካ፡ ሓላል ንጥፈታት ከተካይድ ትኽእል ኢካ።
ንኣብነት ንሓንቲ ካብ ናይ ቤት-ጽሕፈት ጠለባት ዝኾነት ፕሪንተር ንውሰድ። ፕሪንተር ኣላትካ፡ ካርትሪጅ ክትገዝእ ደሊኻ። ካብ ዕዳጋታት ዱባይ፡ ኒውዮርክ፡ ቻይና፡ … ክትሽምት ትኽእል ኢኻ። ንዓኣ ገዚእካ ብነፋሪት ጽዒንካ ከተምጽኣ ክንደይ ትውድኣልካ? ካርትሪጅ ናይዘን ከምዚአን ዝኣመሰላ ፕሪንተራት፡ ብኽንድዚ ኢኻ ትሸጦ ኢልና እንሃልከሉ ምኽንያት የብልናን።
ዓይንኻ ሰም ኣቢልካ ገለ ጕዳያት ከምዚ እንተኾኑ ወይ ከምዚ እንተተፈትሑኸ ኢልካ ክትዛረብ ትኽእል። የግዳስ፡ ቀለልቲ ፍታሓት እንከለዉ፡ ናብ ከበድቲ ፍታሓት ዘኽይድ ምኽንያት የብልካን። ዋጋታት ምቍጽጻር ምሒር ኣህላኺ እዩ።
እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝቐርብ ኣቝሑ ይኹን ኣገልግሎት፡ ብርትዓዊ መገዲ ክቐርብ ኣለዎ። ርትዓዊ ማለት ረድኤት ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ዝኸድካ ከይድካ ዕዳጋ ክፉት ስለዝኾነ፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ኣህላኺ ወይ ሸማቲ እተቕርቦም ዝተፈላለዩ ኣቝሑ፡ ብዝተኻእለ መጠን ርሁው ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ኣይትኽሰብ ዝብለካ ወገን የለን። ነጋዳይ እንተ ዄንካ ሓላል መኽሰብ ይግብኣካ እዩ። ንሰብ ብደዉ እንድሕር ደሙ መጺኻ ስግኡ ክትምንጭት ትደሊ ኴንካ ግዳ፡ ናይ ብሓቂ ናብ ገደል ጥራይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ። ኣነ ኸኣ ክከታተለካ ብዙሕ ባህጊ የብለይን ጥራይ እየ ክብለካ ዝደሊ። እቲ ምንታይሲ፡ ኣብዚ መዳይ ምቁጽጻር ማለት፡ ናብ ገደል ንዝጸድፍ ሰብ ምቍጽጻር ስለዝኾነ
ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ዛጊት ዝተገብረ ወፍሪ ቀሊል ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኣብ ህሉው ሞያዊ ጸጋታትና፡ ምስ’ዚ ዝጽበየና ዘሎ ሰፊሕ ልምዓታዊ መደባት ብምንጽጻር ከመይ ኣሎ ትብል?
ኣብ ነዊሕ ግዜ ከም ባህሊ ወይ ከም ስርዓተ-ክብሪ ዝኾስኮስናዮ ኣለና። ኣነ መተካእታ የብሉን እየ ዝብሎ። ሓፋሽ ይንቃሕ፡ ይወደብ፡ ይተዓጠቕ ንብል ነይርና። እተን ምንቃሕ፡ ምውዳብን ምዕጣቕን ዝበሃላ፡ ኩሉ ግዜ ኣለዋ። ኣብ ጃህራ ከይኣተና፡ ከም ህዝቢ ብዙሕ ብልጫታት ክህልወና ይኽእል እዩ። ናይ ብሓቂ ነቲ ዘለና ዓቕሚ ክንጥቀመሉ እንድሕር ኮይንና፡ ንብድሆታትና መኪትና ክንሰግሮም እንተ ኮይንና፡ ውዳበና ከነሐይል ክንክእል ኣለና። ቅድሚ ውዳበና ግዳ፡ ንቕሓትና ክሕይል ክኽእል ኣለዎ። ንቕሓት ማለት ከኣ ናይ ፖለቲካ ፍልስፍና ምፍላጥ ማለት ኣይኮነን። ንቕሓት ማለት ፍልጠት እዩ። ፍልጠት እንድሕር ኣለካ፡ ንገዛእ ርእሱ ሓይሊ እዩ።
እዚ ዝብሎ ዘለኹ ንፖሊሲታት ዝምልከት፡ ንዝተፈላለዩ ምዕባለታት፡ ንዝተፈላለዩ ኩነት፡ … ከተንብብ ክኢልካ ማለት እዩ። ብሞያዊ መንገዲ፡ ብተመኩሮ ወይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ፍልጠት ክትድልብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ፍልጠት እዚ ኣዐሪኻ ክትጥቀመሉ፡ ውዳበኻ ከተሐይል ኣለካ። ውዳበ ዘይብሉ ኣይከውንን እዩ።
ዕጥቂ ክበሃል እንከሎ ጠበንጃ፡ ካላሽን ኮቭ፡ መድፍዕ፡ ታንኪ፡ … ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ውዳበኻ ክትሰርሓሉ ምእንቲ፡ መሳለጥያ የድልየካ። ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ናይ ሕርሻ ወይ ናይ ልምዓት መደባትና ከነተግብር፡ ግድን ዕጥቂ የድልየና። ዕጥቂ እንተደኣ ተላዒሉ፡ ምስኡ ምወላ ኣሎ። ኣብዚ ቴክኖሎጂ፡ ማሽነሪ ወይ ዝተፈላለየ ካልእ ናውቲ የድሊ።
እቲ ዕጥቂ ንሱ እዩ። እቲ ፍልስፍና ኣብ ቦታኡ ኣሎ። ዝበዝሕ ግዜ መተካእታ የብሉን እየ ዝብል። ቀደም ጥራይ ዘይኮነ ሕጂ እውን፡ ነዞም እንቕይሶም ፕሮግራማት ወይ ክንወቕዖም እንደሊ ሸቶታት ዝምክቱና ብድሆታት እንድሕር ሃልዮም፡ ንዓኣቶም ኣሰኒፍና ኣብቲ እንደልዮ ክንከይድ ምእንቲ፡ ቀዳማይ ነገር ፍልጠትና ከነሐይል ክንክእል ኣለና። ብፍልጠት ብዕሙቕ ዝበለ መረዳእታ ክንጅምር ክንክእል ኣለና።
ዕጥቂ ንበይኑ ኣይሰርሕን እዩ። ውዳበ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ውዳበ ማለት ንዘለካ ጸጋታት ምምሕዳር እዩ። ንውዳበኻ ብኣኡ ደረጃ ከተጻፍፎ ክትክእል ኣለካ። ዕጥቂ፡ ዲናሚካዊ ቀጻሊ ምሕያልን ምሕዳስን ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ፡ ግዜ ረቛሒ እዩ። ብድሆታት ዓይነት እናቐያየሩ ይመጹ ኣለዉ። ዕላማታት ከኣ መመድረኻቶም ኣለዎም። ከም ውጽኢቱ፡ ዓይነት ኣወዳድባ እናተራቐቐን እናሓየለን ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ። ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካልእ መድረኽ ክድይብ እንከሎ፡ ብዓይነት እናተቐየረን እናወሰኸን ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ።
ኣብ ዝሰገርናዮም ዓመታት ናጽነት፡ እንታይ ተማሂርና ወይ ተመኩሮ ቀሲምና? እንታይ ኣጐሳጒስና? እንታይ ዝኣክል ጸጋታት ኣኪብና? ንመጻኢ ዘለዉና ብድሆታት ብዝዓበየ ክንሰርሓሉ ምእንቲ፡ ኣወዳድባና ማዕረኡ ክሕይል ክኽእል ኣለዎ። ዓውዲ ብዓውዲ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣወዳድባና ክሕይል ኣለዎ ስለዝበልካ፡ ነቲ ዝጸንሐ ኮኒንካዮ ወይ ኣይጠቅምን እዩ ማለት ኣይኮነን። እዚ ክትሓልፎ ዝነበረካ ናይ ግድን መስርሕ እዩ። ነቲ መስርሕ ሓሊፍካዮ ማለት ግን፡ በቲ ዝነበረ ኣካይዳ ትቕጽል ማለት ኣይኮነን። ናይ ግድን ነቲ ሓድሽ መድረኽ ዝሰማማዕ ሓይሊ ዘለዎ ኣወዳድባ ክህልወካ ኣለዎ።
ማዕረኡ ዕጥቅኻ ከተመሓይሽ ክትክእል ኣለካ። ቴክኖሎጂ እናተቐያየረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብናይ ቀደም ቴክኖሎጂ ጥራይ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጂ እቲ ኣወዳድባ ሕመረት እዩ። ኣብ መንጎ እቶም ጸጋታትን ፍልጠትን እትብሎም ንሸቶታትካ ክትወቅዕ እንድሕር ኮይንካ፡ ኣወዳድባኻ ከተሐይል ክትክእል ኣለካ። ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ ክንዛረበሎም ዝጸናሕና ኣርእስትታት ሓደ ዓቢ ብድሆ፡ እቶም ንቕይሶም ናይ ቍጠባ ፖሊሲታት ከነተግብሮም ንኽእል ዲና? ብኽልሰ ሓሳብ ዝበለጸ መደባት ክትሕንጽጽ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ከመይ ጌርካ ተተግብሮ? ፊናንስያዊ ትካላትና ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣለዋ? ገንዘባዊ ፖሊሲ ከነውጽእ፡ ፊስካላዊ ፖሊሲታት ከነውጽእ፡
እቶም ኩሎም ክንዛረበሎም ዝጸናሕና ናይ ቁጠባ ፖሊሲታት ከነተግብር እንድሕር ኮይንና፡ ኣለና ድዩ እዚ ዓቕሚ?
ነዚ ዓቕሚ እዚ፡ ብዝኣቱ ዘሎ ሓድሽ ሓይሊ ክንርእዮ ክንክእል ኣለና። ከም ኣብነት ዓመታዊ ኣስታት 15,000 ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ወዲኦም ይወጹ ኣለዉ። ገለ ካብኣቶም ናብ ኮሌጃት ዝሓልፉ ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ ናብ ካልእ ዓውዲ ክኸዱ ኣለዎም። ነዚ ዓመታዊ ዝውስኽ ዘሎ ጸጋ፡ ተቐቢሉ (Absorb) ገይሩ ሓይሊ ወሲኹ ኣብ ዘድምዕ ንጥፈት ወይ ዓያይነት ኣእትዩ፡ ፍርያምነት ከዕቢ ዘኽእል ኣወዳድባ ክህልወና ኣለዎ። እቲ ዝጸንሐ ኣወዳድባ፡ ነዚ ደሊቡ ዝሓሸ ኣወዳድባ ገይሩ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ።
ሕጂ ናብታ መሰረታዊት እምነት ክትምለስ ክትክእል ኣለካ። እቲ ንቕሓት ወይ ፍልጠት ጽቡቕ እዩ። ሞያዊ ፍልጠት፡ ትምህርቲ፡ ተመኩሮ፡ … እንተ ኣኻዕቢትካ፡ ከተድምዓሎም እትኽእል ብዙሓት ዕድላት ኣለዉ። ዜርካ-ዜርካ ግን፡ ነቲ ኣወዳድባኻ ከተሐይሎ ክትክእል ኣለካ። ከምዚ ሕጂ ነተኣታትዎ ዘለና፡ ዝተፈላለዩ ናይ ጸዓት መደባትና፡ ናይ ስርዓተ-መስኖ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ዘለዉና ገዘፍቲ መደባት፡ ዘይጠቐስክዎም ብዙሓት ጽላታት እውን ክህልዉና ይኽእሉ ይኾኑ። ኣብዚኦም ክንወቕዖም እንደሊ ሸቶታት ብኣሃዛት ተለካዕቲ ብዝኾኑ መንገዲታት እንታይ ኣወዳድባ ክህልወና ኣለዎ? ኣወዳድባ ዲናሚክነት እንድሕር ዘይብሉ ኮይኑ፡ ዝድስክል ወይ ዝረግእ እንድሕር ኮይኑ፡ ከምዚ ዘይንቀሳቐስ ማይ ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ።
ንቕሓትእውንካብግዜናብግዜ ዝውስኹ ፍልጠትን ተመኩሮን እንተ ሃልዩምዎ፡ ሓደ ብሓደ ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ተዛኒኻ ንቕሓትና ጽቡቕ’ዩ ዘሎ ኢልካ ትኸዶ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ 3-4 ዓመታት፡ እዚ ሕጂ ብፍላይ ንደፍኣሉ ዘለና መልክዕ ናይቲ ምዕባለን ክንወቕዖም እንደልዮም ሸቶታትን፡ ኣድማዕነቶም ከነረጋግጽ እንተ ኮይንና ቅድም ቀዳድም ነቲ ኣወዳድባና ከነሐይሎ ይግባእ። ናይ’ቲ ኣወዳድባ ቅርጺ ወይ መልክዕ ዘይኮነ፡ ኣብ መወዳእታ ኣድማዕነቱ ብኸመይ መገዲ ከተሐይሎ ከም ዘለካ ክትፈልጥ ኣለካ። እቲ ስርዓት እናኣጻፈፍካዮ ክትከይድ ስለዘለካ፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ስልጠና መደባት ማለት ኣብቶም ዘድልዩና ዓውድታት እንታይ ኢና ክንገብር ንደሊ ዘለና? ብቐንዱ ናብ ትምህርቲ፡ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ከኣ ሞያ ኣብ ምቕሳም ክንጸቅጥ ኣለና። ኣብ ሞያ ዝኣክል መሓውር ወይ ትካላት ኣዋዲድና ከነመሓይሾ ክንክእል ኣለና። ኣብ መወዳእታ በቲ ዕጥቅኻ – ጽርግያ ክትሰርሕ፡ ሓጽቢ ክትሰርሕ፡ ናይ ሕርሻ መደብ ከተተግብር፡ ናይ ዓሳ መደብ ከተተግብር፡ ዝተፈላለዩ ኢንዱስትሪታት ከተተኣታቱ፡ … ትደሊ። ነዚኦም ከንቀሳቕስን ከስርሕን ዝኽእል፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ በቲ ዝሰርሖ ኣድማዒ ውጽኢት ክህብ ዝኽእል ኣወዳድባ ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ።
እቲ ኣወዳድባ ንናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ጸጋ ናቱ ኣበርክቶ ኣብቲ ትሓስቦ ዘለኻ ንጥፈት ይኹን ሸቶ ከመሓይሽ ክኽእል ስለዘለዎ፡ ሳላ እቲ ዝጸንሐ ጽቡቕ ባህሊ ተጐስዩ ዝሓልፍ ነገር ኣይኮነን። ዝኾነ ሸቶ ክትወቅዕ እንተደሊኻ፡ ልዕሊ ኩሉ ንናይ ሰብ ጸጋታትካ ኣራባሒ ሓይሊ ክትህቦ ምእንቲ፡ ፍልጠትን ሓይልን ሞያን ክትውስኸሉ ኣለካ። ንዕኡ ደሊብካ ናይ ብሓቂ ኣድማዕነቱ ከተረጋግጽ ከኣ፡ ኣወዳድባ ከተጽፍፈሉ ክትክእል ኣለካ። ብዙሕ ግዜ ምስዚ ዘሎ ዝተፈላለየ ባህልታት፡ “ባህሊ ዓያይነትን ኣፍራይነትን እናደኸመ ይኸይድ ኣሎ” ዝብል ብዙሕ ትዕዝብትታት ኣሎ። የለን ኢልካ ክትምጕት ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣመዛዚንካ ብዛዕባ እንታይ ትዛረብ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ ኣለካ።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ ናብ ከምዚኦም ጐድናዊ ጕዳያት ከይኣተኻ፡ ጸጋታትካ ተሐይል። ኣድማዕነቶም ዘሐይል ኣወዳድባ ክህልወካ ስለ ዘለዎ፡ ብቐጻሊ ኣበየናይ ዓውዲ፡ ከባቢ፡ ጽላት፡ ዋኒን፡ … ከመይ ጌርካ ኢኻ ትሰርሕ ዘለኻ ክትፈልጥ ኣለካ። ምውዳብ ዳርጋ ባህልና እዩ እንተበልክዎ፡ ብዙሕ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ማለት ብእዋኑ ድኻማትካ ከተለሊን ክትፍውስን ክትክእል ኣለካ። ብእዋኑ ዘድልየካ ምትዕርራይ ናይ ኣወዳድባ ክትገብር ክትክእል ኣለካ። እዚ ከኣ ቀጻሊ ህይወት ክህልዎ ኣለዎ። እቲ ጕዕዞ ብዘይ ከምኡ ኣራጢጥካ ኮፍ ኢልካ ዝውዳእ ነገር የለን። እዚ ወሳኒ እዩ። ብፍላይ በዳሂ ኩነታት ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ንቕሓትካ ነቲ ኩነታት ብግቡእ እንድሕር ዘይርድኦ ኮይኑ፡ ኣብ ጸገም ክትኣቱ ኢኻ። ነቲ ብድሆ ዝምክት ኣወዳድባ እንድሕር ዘይብልካ ኮይኑ፡ ክትሰግሮ ከጸግመካ እዩ።
ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጕዳያት፡ ብዕቱብ ስለ እንሕዞም፡ ዋና ነገር እቲ ቃና ናይቲ ኣእምሮ እዩ በሃላይ እየ። ኣብ ግዜ ትግባረ ምናልባት ሓላፍ ዘላፍ ክህሉ ይኽእል ይኸውን። የግዳስ፡ ንሱ ምስ ተመኩሮ ዝግምገም ስለ ዝኾነ፡ ኣወዳድባ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ክሕይል ኣለዎ። እዚ ናይ ውሱን ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝከታተል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ-ወከፍ ዓውዲ ሰባት ተኣኪቦም ዝሰርሑሉ ኣወዳድባ እንታይ ይመስል ክፍለጥ ኣለዎ። ናይ ብሓቂ ነቲ ዕላማ ይወቅዕ ድዩ? ብዙሕ ግዜ ምሳኻትኩም ኣባላት ዜና ዝዛረቦ ኣሎ። ዜና ኣወዳድብኡ እንታይ ይመስል? ግዜ ይቕየር ኣሎ። ኩነታት እናተቐየረ ክኸይድ እንከሎ፡ ዕጥቂ ዜና ማዕረ ማዕሪኡ ይኸይድ ድዩ? ዜና ሓድሽ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ የተኣታቱ ኣሎ ድዩ? ኣወዳድብኡ የመሓይሽዶ ኣሎ? ኣብኡ ዘሎ ዓቕሚ ሰብ ብግቡእ ከበርክት ምእንቲ፡ ኣብ ንቕሓቱን ፍልጠቱን እንታይ ደሊቡ? ዓውዲ ብዓውዲ ከይድካ ክትፍትሾ ዘለካ ጕዳይ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ኣርእስቲ ጽቡቕ እዩ። የግዳስ፡ ከም ባህሊ ክርሳዕ ዘይብሉ፡ ኣብ ኩሉ ክፍልታት እዚ ሃገር፡ ኣብ ነንበይኑ ናይ መንግስቲ ይኹን ኣብ ካልእ፡ እቲ ኣወዳድባ ወሳኒ እዩ። ዋላ እዚ ሕጂ ነተኣታትዎ ዘለና ናይ መኸተ ግንባራት ተባሂሉ ተወዲቡ ዘሎ፡ ሓደ መርኣያ ናይ ኣድላይነት ውዳበ እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ።
ክቡር ፕረዚደንት፡ ነዚ ሰፋሕቲ ናይ ልምዓት መደባት፡ ማዕሪኡ ዝኸይድ ጽፉፍ ኣድማዒ ዝኾነ ምሕደራ ኣለና ክንብል ንኽእልዶ?
የለን። ዋላ ሓንቲ ኣሎ ዝብለካ የለን። ንኣብነት ማይ ኣለና ኢልና ንዛረብ ኣለና። ይኹን እምበር፡ ነዘን ተሰሪሐን ዘለዋ ሓጽብታት ዘመሓድረን ስርዓት ኣለወን ድዩ? ሕጂ ዝንደፍ ዘሎ እየ ዝብለኩም ዘለኹ። ሓፈሻዊ መረዳእታ ጸኒሑ እዩ። ነቲ እተኸዘነ ማይ ከመይ ጌርና ንጥቀመሉ? ካብቲ ማይ ክዖታት ዝመጽእ ርስሓት ሕማም ከየምጽእ ምእንቲ፡ ከመይ ጌርካ ትከላኸሎ? ማይ ጸጋ እዩ። እቲ ማይ ኣብ ምንታይ መዓላ ተውዕሎ ኣለኻ? መንእዩተጠቃሚ?ነዚኹሉእዚኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ከመይ ጌርካ ትውድቦም ንዓኣቶም? ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ መደባት ኣለዉ። ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ነተኣታትወሎም ኣለና። ቅድሚ ሕጂ ሰሪሕናሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ከመይ ጌርና ንውድቦ? ከመይ ጌርና ንሰርሓሉ? እቲ ገለ-ገሊኡ ባዕልና ሓርኮትኮት ኢልና ንገብሮ እውን ኣይኮነን። ካብ ናይ ካልኦት ተመኩሮ እውን ንመሃር ኢና።
ክንደይ ናይ ህንጻ ትካላት ኣለዋና? ጽርግያ ዝሰርሓን ዘዐርያን፡ ሓጽቢ ዝሰርሓ፡ ዝተፈላለየ ካልእ ናይ ህንጻ መደባት ዘሰላስላ፡ ኣወዳድበአን እንታይ ይመስል? በቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ኣወዳድባ ኣይከዳን እየን። ክንድዚ ዝኣክል ኣባይቲ ኣብ ዓመት ክንሃንጽ ኢና፡ ኢልና ኣብ ወረቐት ንነድፍ። ንዕኡ ዝኸውን ጸጋታት ነጐሳጕስ። እቲ ጸጋታትካ ብኸመይ ጌርካ ትውድቦ? ከመይ ጌርካ ተማሕድሮ? ጸጋታት ኣማሕዲርካ እቶም ዘድልዩ መደባት ከተተግብር እንድሕር ኮይንካ፡ ኣወዳድባኻ እንታይ ይመስል?
ብዘይ ጃህራ እየ ዝብለከም፡ እቲ ኣወዳድባ ንሕና ብተመኩሮና እነዋህልሎ ኣሎ። ናይ ግድን ግን ብተመኩሮና ጥራይ ዝእዘዝ ወይ ብተመኩሮና ጥራይ ዝኸይድ ነገር ኣይኮነን። ንዕኡ ዝመጣጠን ኣወዳድባ ክህልወና ስለዘለዎ፡ ኩሉ ንስእሎ ዘለና ዓበይቲ መደባት፡ ባህጊ እዩ። ልዕሊ ባህጊ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ሸቶታትካ ክትወቅዕ እንድሕር ኮይንካ፡ ከመይ ገይርካ ነቲ ዘሎ ጸጋታትካ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኣወዳድባ እዩዝሓትት።ኣብናይሰብ፡ናይጥረ ንዋት፡ ናይ ማሽነሪ፡ … ጸጋታት ኣወዳድባ
ዳይናሚክ እዩ።
እዚ ክብለኩም እንከለኹ – ኣብ ገርሰት፡ባደሚት፡ ፋንኮ፡ ከርከበት፡ ፋብሪካ ኣለቡን ካልእን ጽፉፍ ምሕደራ ክህልወና ኣለዎ። እቲ ዝበለጸ ናይ ኣወዳድባ ቅርጽን ስርዓትን ክትመርጽ ኣለካ። ቅድም ቀዳድም እቲ ዘለካ ጸጋታት እውን ክትፈልጥ ኣለካ። ሕጂ እቲ ዝዓበየ ጸገምና ወይ ብድሆና ዝብሎ፡ ኣብዚ እዋን ዝረኣየኒ ሞያዊ ብቕዓት ናይ ሰብ እዩ። ማሽነሪ ወይ ቴክኖሎጂ ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ውሽጢ ሞያዊ ብቕዓት፡ ዝተኣሳሰረ ድሲፕሊን፡ ፍልጠት፡ ቴክኒክ፡ ተመኩሮን ካልእን ኣሎ። ነዚ ከተማዕብሎን ከተሐይሎን ክትክእል ኣለካ። ኣብቲ ቅርጽን ስርዓትን ኣወዳድባ ዝበሃል፡ ንጹር ኣካይዳ ኣለና። ኣብ ኣወዳድባ መወከሲ ኣለና። ኣወዳድባና ጽሩይ ክኸውን ኣለዎ።
ዝኾነ ኣወዳድባ እንድሕር ተበኪሉ ኣይሰርሕን እዩ። ስለ’ዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ኣወዳድባ ተጠንቂቕካ ክትርእዮ ዘለካ፡ ዝኾነ ብከላ ክህልዎ ከም ዘይብሉ እዩ። ቅርጡው ክኸውን ኣለዎ። ከምቲ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ዝነበረ፡ ሰክረታሪ ኣብ ልዕሊ ሰክረታሪ ተር ከተብል ኣድላዪ ኣይኮነን። ቅርጡው ክንብል እንከለና፡ እቲ ሰብ እንድሕሪ ኣብ ፍልጠት ዝተመስረተ ሞያዊ ዓቕሚ ደሊቡ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት የቃልለልካ እዩ። ሓንቲ ዕማም ጥራይ ዘይኮነስ፡ 3-4 ዕማማት ብሓንሳብ ክፍጽም ይኽእል። ግዜ ይቑጥበልካ። ጽሩይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅርጡው ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ድሕሪኡ ኣድማዒ (Effective) ወይ (Ef cient) ክኸውን ኣለዎ። እቲ ኣድማዕነት እንብሎ፡ ስምብራት (Impact) ዝገድፍ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ‘ሓደ ዓቐን ኣብ ኩሉ ይገጥም’ (ዋን ሳይዝ ፊትስ ኦል) ዝበሃል ነገር የለን።
ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ዋላ ኣብ’ተን ምዕቡል ቁጠባ ዝሃነጻ ኣህጕራት፡ ሓደ ካብቲ ሰለሎ ዕንወት ዘእቱ ዘሎ እምበኣር ብከላ (Corruption) እዩ።
ከም ህዝቢ ብዙሕ ብልጫታትክህልወና ይኽእል እዩ። ዘለና ዓቕሚ ብግቡእ ክንጥቀመሉ፡ ብድሆታትና መኪትና ክንሰግሮም እንተደኣ ኮይንና ግን፡ ውዳበና ከነሐይል ኣለና። ቅድሚኡ እውን፡ ንቕሓትና ክሕይል ክኽእል ኣለዎ። ንቕሓት ከኣ፡ ናይ ፖለቲካ ፍልስፍና ምፍላጥ ማለት ኣይኮነን። ንቕሓት ፍልጠት እዩ ፍልጠት እንተደኣ ኣሎ፡ ንገዛእ-ርእሱ ሓይሊ እዩ።
ክቡር ፕረዚደንት ናብ ዞባዊን ዓለማዊን ኩነታት ክንሰግር። ንሓልፎ ዘለና መድረኽ፡ ዓለምና ካብ ሓደ ቍጥባዊ ናብ ብዝሐ-ቍጥባዊ ወይ ዓለማዊ ስርዓት እያ ትሰጋገር ዘላ። ኣብዚ ናይ ምስግጋር መስርሕ ተራ ኣፍሪቃ ከመይ ይመስል?
– ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን፡ ‘ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይበቅዕን እዩ’ ወይ ‘ዋላ ሓንቲ ነገር ኣየስልጥን እዩ’ ዝበሃል ዘረባታት ስለ ዝመጽአ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብግብሪ እውን ከምኡ ስለዘሎ፡ ሓደ ክለሳ ዝገብር ኣካል ቈይሙ ነይሩ። ነቲ ክለሳ ዝመርሐ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ እዩ። እቲ ዝተገብረ ገምጋም፡ ነቲ ኩነት ናይ’ዚ ክፍለ-ዓለም ይኹን ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዘሎ ዝገልጽ እዩ። እቶም ዝቖሙ ሓይልታት ዕማም፡ ነቲ ገምጋም ከካይዱሉ ዝተዋህቦም መዳይ ኣጽኒዖም ዘምጽእዎ 8 ሰንኮፍ መዳያት ናይ’ቲ ሕብረት ኢሎም ዝገለጽዎም ነጥብታት ኣለዉ። ንሱ እንድሕር ኮይኑ እቲ ገምጋም እምበኣር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። የለን እዩ እቲ መልሲ። ብእኡ መጠን፡ ሕጂ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣበይ ከምዘሎ ክትርኢ ትኽእል ማለት እዩ። እዚ ሕጂ ናብ ምንታይ ይመልሰና፡ ናይ ብሓቂ ዞባዊ ምውድዳብ ክህሉ ከም ዘለዎ እዩ። ብክፍሊ ዓለም ደረጃ እውን፡ ውዳበ ምህላው ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ማእከላይ ዘመን ወይ 19 ዘመን ኣይኮንናን እንነብር ዘለና። ኣብ 21 ዘመን ኢና ዘለና። ንሕናን ጐረባብትናን ክንተሓጋገዘሉ እንኽእል ባይታ እንድሕር ዘይብልና፡ ብጸጋታትናን ዓቕምናን ጥራይ ንዝተፈላለዩ ክንወቕዖም እንደሊ ሸቶታት ክንወቕዖም ኣይንኽእልን። ኣብ ክንዲ በይንኻ፡ ተሓባቢርካ ክትሰርሕ ከለኻ እዩ ዝበለጸ ዕድል ዘለዎ። እቲ መጐት ብዙሕ ዘከራኽር ኣይኮነን።
ድሕሪ 91፡ ናይ ኢጋድ፡ ናይ ኮሜሳ፡ ናይ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝብሃሉ ጽቡቕ ምውድዳብ ክርአ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብዚኦም ምስታፍ ንስለ ድግስ ጥራይ ክኸውን ኣይምተገብአን። ጸጋታትካ ኣጐሳጒስካ ድምር ንጥፈት ከተካይደሎም እንከለኻ እዮም ኣድማዕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ። ንድኻምካ ብናይ ካልእ ሓይሊ ትድግፎ፡ ንኻልእ ዝደኸመ ድማ ንስኻ ትድግፎ። ናይ ኩልኻ ሓይሊ ክተኣኻኸብ ከሎ ድማ፡ ገዚፍ ውጽኢት ክርከቦ ይኽእል።
ኣብዚ መበል 21 ክ/ዘመን ዝተዋሰነ ክፍለ-ዓለም መን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ላቲን ኣመሪካን ኤስያን ይውንጨፉ ኣለዉ። ኣፍሪቃ ግን ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት እዩ ዝርከብ። ብሰፊሑ ብክፍለ- ዓለም ከይጠመትና፡ ዋላ ኣብ’ዚ ከባቢና ጥራይ ነሓድሕድና እናተሓጋገዝና ክንሰርሕ እንተንኽእል፡ ብዙሕ ካብቲ ብድሆታትና ክንሰግሮ ምኸኣልና። ስለ’ዚ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻኡ እዚ ተገይሩ ዘሎ ገምጋም የሰክፈካ እዩ።
‘እንታይ ገደሰና መንገድና ሒዝና ዘይንኸይድ። ዕዮ ገዛና ንሰርሕ፡ ናቶም ከኣ ድላዮም ይግበሩ’ ኢልካ ትገድፎ ነገር ኣይኮነን። ዋላ’ውን ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኩነታት ጥጡሕ ይኹን፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ዝሕግዝ ኩነታት ምስ ዘየሰንዮ ጸገማት ክህሉ ይኽእል’ዩ። ኣብ ቅልውላው ምፍታሕ፡ ኣብ ሽግራት ምፍታሕ ጥራይ ክትነብር ኣይትኽእልን። እቲ ተገይሩ ዘሎ ገምጋም፡ ናይ ብሓቂ ነቲ ኵነት ናይ ኣፍሪቃን ናይ’ቲ ሕብረትን ዝገልጽ እዩ። ስለ’ዚ ተዓዘብቲ ጥራይ ክንከውን የብልናን። ንኻልኦት ወገናት ጥራይ ክንወቅስ የብልናን። እንታይ ክንገብር ንኽእል ኣብኡ፡ ክንሓስበሉ ዘለና እዩ።
ስለምንታይ ኢና ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተስፋ ስኢንናሉ? ‘ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣይሰርሐን’ ኣብ ዝተባህለሉ እዋን፡ ምናልባት ምስ’ዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ገምጋም ዝተኣሳሰር፡ ንዕኡ ረሲዕካ ክትመጽእ ኣይትኽእልን። ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ክፍላ 20 ዘመን ናጻ እናኾና ምስ መጻ፡ መስረትቲ ኣቦታት (ፋውንዲንግ ፋዘርስ) ዝበሃሉ ነይሮም። ንሳቶም ዘበጋገስዎ ሃንቀውታ፡ ኣፍሪቃዊ ሃንቀውታ ዝበሃል ነይሩ። ከም ውጽኢቱ፡ ፓን- ኣፍሪካኒዝም ዝበሃል ተመስሪቱ። ብእኡ መሰረት ከኣ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተመስሪቱ። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመታት ሸቶታቱ ኣይወቕዐን ተባሂሉ።
ኣጋጣሚ ዝሑል ኲናት ኣብ ዝተወድኣሉ፡ ንሕና እውን ናጽነትና ዘረጋገጽናሉ ግዜ መጺኡ። ሽዑ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ ዝሓሸ ውድብ ይቀየር ተባሂሉ። ንዓና እውን የዋጽኣና እዩ ነይሩ። ኣብ ገገዛና ነናይ ገዛና ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ኣብ ገጐደቦና እውን፡ ነናይ ጐደቦና ኩነታት ከነመዓራሪ ንኽእል ኢና።
ኣብ መወዳእታ ግን፡ እቲ ክፍሊ ዓለም ተዋሲኑ ስለዘሎ፡ ናቱ ድኻም ቀጻሊ ሰለዘሎ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ጽልዋ ስለዘለዎ፡ ንምምሕያሹ ብንጥፈት ክንዋስኣሉ ወሲንና። ሽዑ ናይ ሲንሳድ፡ ኢጋድ፡ ኮሜሳ፡ ሳደቕ፡ ኤኮዋስ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ዞባዊ ኣወዳድባታት እውን ነይሮም።
ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ክመሓየሽ ነይርዎ። ሽዑ ነቲ መስርሕ ዘመሓድር ዝነበረ፡ መራሒ ሊብያ ዝነበረ መዓመር ቀዛፊ እዩ። ቀዛፊ ጽቡቕ ድሌቱን ሃንቀውታኡን ካልእ ነገር እዩ። የግዳስ፡ ናቱ ጸገማት እውን ነይርዎ።
“ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ ዝሓሸ ኣወዳድባ ክኸይድ ኣለዎ 30 ዓመት ዳርጋ ከሲርናዮ ኢና። እዚ ክፍለ ዓለም ዝረኣዮ ለውጢ የለን። እቲ መስረትቲ ኣቦታት ዝሰረትዎ ሃንቀውታ፡ ተጨባጢ ኣይኮነን። ንድሕሪት ተመሊስና፡ ናብ ሓድሽ መግዛእቲ ኢና ኣቲና። ካብ’ዚ ዓንኬል እዚ ክንወጽእ ኣለና።” ምስተባህለ ሽዑ እቲ ጸገም፡ ቀዛፊ ናቱ ናይ ዝና ጥሙሕ ነይርዎ እዩ። ሕውስውስ ዝበለ ማለት እዩ። ንገዛእ ርእሱ ከም ንጉሰ ነገስታት’ዩ ዝቖጽራ ነይሩ። ማዕረ ኤውሮጳ ክንከውን ኣለና ዝብል ስምዒት ነይርዎ። ሕብረት ኤውሮጳ እንድሕር ኣሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ክንምስርት ይግብኣና ዝብል። ኮምሽን ኤውሮጳ እንድሕር ኣለዎም፡ ንሕና ከኣ ናትና ኮምሽን ንፈጥር። እቲ ቅርጺ ካብኦም ክንቀድሖ ንኽእል ኢና ዝብል ኣተሓሳስባ ሳዕሪሩ።
የግዳስ፡ ነናትና ኵነታት’ዩ ዘለና። ኤውሮጳ ናቶም ኵነታት ኣለዎም። ናቶም ደረጃ ምዕባለ ኣለዎም። ንሕና ገና ኣብ ዘይማዕበለ (ፕሪሚቲቭ) ዝኾነ ቍጠባ ንነብር ዘለና ሃገራትን ሕብረተ-ሰባትን ኢና። ናይ ኤውሮጳ ኣወዳድባ ክንቀድሕ ኣየዋጽኣናን እዩ። ብዝኾነ እንድሕር ናይ ብሓቂ ለውጢ ክመጽእ ኮይኑ፡ ሽዑ ዝቐረበ እማመ ነይሩ። ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ።
ቅድም ቀዳድም ድሕሪ ምውዳእ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ኢና ንኣቱ ነይርና። ክልተ ቀጽርታት፡ ናይ ሕብረት ሶቭየትን ኣመሪካን ጸኒሖም፡ ናብቲ ኣመሪካ ጥራይ እትመርሖ ቀጽሪ ኢና ንኣቱ ነይርና። እዚ ብግቡእ ክጽናዕ ነይርዎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ፡ ኣፍሪቃ ኣበይ ኢና ክንስራዕ? ንዓለማዊ ለውጥታት ቅድም ጽቡቕ ገይርና ነጽንዓዮም። ድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ክፍሊ-ዓለም ዘሎ ለውጥታት፡ ማለት ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ትሕተ- ቅርጻውን ዝበሃል ክጽናዕ ይግባእ። እዚ ምስተጸንዐ እቶም ክንወቕዖም እንደሊ ሸቶታት እንታይ እዮም? ኣብ ቍጠባ፡ ትሕተ ቅርጺ፡ ጸዓት፡ … ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት እንታይ ክንገብር ንኽእል? እዚ እውን ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ክግበረሉ ኣለዎ።
ናይ ናይል ማይ ንሊብያ፡ ቱኒዝያ፡ ኣልጀርያ፡ … ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ ክትብለኒ ትኽእል ኢኻ። ካብ ኮንጎ ብሃይድሮ ጸዓት ኣመንጪና፡ ንኣፍሪቃ ምልእቲ ከነብርሃ ኢና ኢልካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ጽርግያ ካብ ኬፕታውን ናብ ካይሮ ወይ ትሩብሊ ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ። እዚኦም ብናይ ኣፍሪቃ ዓቕሚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ግዳም ክኢላታት ኣምጺእካ እውን ክጽንዑ ኣለዎም። እዚኦም እዮም እቶም ከነጽንዖም ንደሊ ዘለና ሸቶታት።
ኣፍሪቃ መልክዕ ክትቅይር ኣለዋ። ኣብ ክንዲ ጥረ ነገራት ወይ ዘይተመስርሑ ነገራት ጥራይ ንሰደድ እንልእኽ፡ ኢንዱስትሪ ከነማዕብል ክንክእል ኣለና። ቴክኖሎጂ ከነተኣታቱ ክንክእል ኣለና። ናይ ትምህርቲን ናይ ጥዕናን ኣገልግሎታት ከነማዕብል ኣለና። ነዚ ሞያውያን ከጽንዕዎ ክኽእሉ ኣለዎም። እዚኦም እዮም እቶም ክውቅዑ ዘለዎም ሸቶታት ክብሉ ኣለዎም። እቲ ኣወዳድባ ብክፍሊ ዓለም ደረጃ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓውሲ ክፍልታት’ውን ክጽናዕ ክኽእል ኣለዎ። ነዚ መጽናዕትታት እዚ ናብ ንቕሓት ቀይርካ ክስራሓሉ ኣለዎ።
ንሕና እምበኣር ካብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ናብ ካልእ ኣወዳድባ ክንከይድ ንደሊ ኣለና። ናብኡ ክንከይድ ምእንቲ፡ እዚ እዩ’ቲ ንደልዮ ዘለና ኢልካ ክዝረበሉ ክኽእል ኣለዎ። ድሕሪኡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ቅቡል ምስ ኮነ፡ ክስራሕ ይኽእል።
‘ኣይፋሉ እዚ ግዜ ዝወስድ እዩ። ዝሕሰብ እውን ኣይኮነን።’ ተባሂሉ ኣቋራጭ ክናደ ጀሚሩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ተመስሪቱ። ኮሚሽናት መጺአን። ኣብ መወዳእታ እዚ ሕጂ ዝብሎ ዘለኹ፡ ገምጋም ተገይሩ። እዘን ከለስቲ ዝበሃላ ትካላት ምስ ቈማ ዘረጋገጸኦ ነገር እንድሕር ኣሎ፡ ጸገማት ናይ’ቲ ሕብረት ማእለያ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ባጀቱ ክንደይ እዩ? ናይ ምምሕዳር ክንደይ ሚእታዊት ካብ ባጀቱ ይሽፍን? ፕሮግራማት ካብ ልምዓት እንድሕር ኣለውዎ ኮይኖም፡ መን እዩ ዝምውሎ?
ብዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከም ዝዝረበሉ፡ 60 ሚእታዊት ናይ ዓለም ጸጋታት ኣብዚ ክ/ዓለም እዚ እዩ ዘሎ። 60 ሚእታዊት ጸጋታት ዘለዎ ክ/ዓለም፡ ኣብ መበል 21 ዘመን ስለምንታይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተዋሰነ ቦታ ይሕዝ? ብዓለም ደረጃ ንኻልኦት ክሕግዝ ምተገብአ እምበር፡ ካብ ካልኦት ሓገዝ እናረኸበ ጥራይ ክኸይድ ኣይምተገብአን። ኣብ ቻይና፡ ናይ ቻይና ንኣፍሪቃ ምትሕግጋዝ ተገይሩ። ኣብ ጃፓን፡ ናይ ጃፓን ንኣፍሪቃ ምትሕግጋዝ ተገይሩ። ኣብ ህንዲ ከምኡ። ምትሕግጋዝ ጽቡቕ እዩ። ምስ ካልኦት ሃገራት እውን ክትተሓጋገዝ ትኽእል ኢኻ። የግዳስ፡ እዚ ኹሉ ጸጋታት እናሃለወካ እንከሎ፡ ኣብ ፈቐዶ መጋባእያ ኢድካ እናዘርጋሕካ ትኾቡለይ ትብል እንድሕር ኴንካ፡ ከመይ ጌርካ ክትነብር ትኽእል? ትስንክል እኮ ኢኻ ዘለኻ።
እዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ፍራንኮፎን ወይ ኣንግሎፎን እናተባህለ ሓድሽ መልክዕ ናይ መግዛእቲ ዝቕጽል ዘሎ፡ ንጸጋታት ናይቲ ሕብረተ-ሰባትን ናይቲ ሃገራትን ጥራይ እዩ ዝምዝምዝ ዘሎ። ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ መወዳእታ ናብ ባርነት እዩ ዝምለስ ዘሎ። ኣፍሪቃውያን ናብ ኤውሮጳ ይስደዱ ኣለዉ። እቶም ስደተኛታት መሬት ክውልዉሉ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። እናኣረገ ንዝኸይድ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ፡ ንሕሱር ሽቕለት መተካእታ እዮም ዝስደዱ ዘለዉ። እዚ ኹሉ ሃብትን ጸጋን ዘለዎ ክፍለ- ዓለም ኣፍሪቃ፡ ከመይ ይዋሰን?! ስለ’ዚ ኣብ ካልኦት ዝርዝራት ከይኣተኻ፡ እዚ ከም ደላዪ ጽቡቕ ኮይንካ ሓሳባት ምሃብ ዘይኮነስ፡ ግድን ኣፍሪቃ ካብ ምውሳን (ማርጂናላይዘሽን) ክወጽእ ኣለዎ። ካብኡ ዘውጽኦ ቅኑዕ መንገዲ ክቕይስ ኣለዎ። እዚ መንገዲ ከኣ ብሓደ ወገን ዝመጽእ ዘይኮነ፡ ተሓባቢርካ ዝግበር እዩ። እንተዘየሎ መሳርሒ ናይ ካልኦት ኮይኑ ክተርፍ እዩ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ድግስ ይግበር። እቲ ድግስ ዘሕልፎ ውሳነታት መን ይውስኖ? ካብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ዝተፈላለያ ከባቢታትን ዝመጽኣ ናይ ስለያ ትካላት እየን ከም ድላየን ነቲ ውሳነ ዘሕልፍኦ። እቲ ካልእ ዘጣቕዕ ጥራይ እዩ። ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ ክትከይድ ኣይትኽእልን። እዚ ኣተሓሳስባ ክቕየር ክኽእል ኣለዎ።
ኣብ ዓለም ብክልና ኣሎ እንድሕር ተባሂሉ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ስርዓታት ዘሎ ብከላታት፡ ኣብኡ ዘሎ ስርቅን ምጥፍፋእን፡ ክትግምቶ እውን ኣይትኽእልን። በዚ እዩ እምበኣር፡መመሊሱ ዝዳኸምን ናይ ግዳም ሓይልታት መጋበርያ ዝኸውንን ዘሎ። ጸጋታቱ ክንዲ ባዕሉ ዝምዝምዝ፡ መሳለጢ ናይ ግዳም ሓይልታት ይኸውን ኣሎ። እዚ ብዕቱብ ክሕሰበሉ ኣለዎ። ‘ኣይፋሉን ኣይሰልጥን እዩ። እቲ ስራሕ ከቢድ እዩ። ክዕረ እውን ኣይክእልን እዩ።’ ኢልካ ገዲፍካዮ ትኸይድ ጕዳይ ኣይኮነን።
ንዝኾነ ናይ ደገ ሓይሊ ኣይትሓምየሉን ኢኻ። ካብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ ወይ ምብራቕ እዩ ዝመጽእ ዘሎ እቲ ጸገም ኢልካ፡ ንኻልኦት ሓሚኻ ወይ ንኻልኦት ወቒስካ ትፈትሖ ሽግር ኣይኮነን። ንሳቶም እንታይ ገይሮም ካልእ ኣርእስቲ እዩ። እቲ ሽግር ናትና ስለዝኾነ፡ ባዕልና ክንፈትሖ ክንክእል ኣለና። ባዕልና ክንፈትሖ ግን፡ ናይ ብሓቂ ዕቱብ ገምጋም ገይርካ፡ ዝተጸንዐ መደባት ክትስእል ክትክእል ኣለካ። እንተዘየለ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዋላ ኣፍሪቃዊ እውን ኣይኮነን። ብስሩ የለን። ካብኡ ክትጅምር ኣለካ። እዚ ናይ ስምዒት ጕዳይ ኣይኮነን። እቲ ዝቖመ ናይ ክለሳ ኣካላት፡ ገምጊሙ ዘረጋገጾ ሓቂ እዩ። እንድሕር ብኸምኡ ተገምጊሙ ተረጋጊጹ ከኣ፡ ከመይ ገይርና ንፍውሶ ኢልና ክንሓስብ ክንክእል ኣለና። ‘ኣይጸልወናን እዩ። ብኻልእ መንገዲ ክንከይድ ኢና።’ ኢልካ ጐሲኻዮ ዝኽየድ ነገር እውን ኣይኮነን።
ምስናይ እቲ ክብደቱ ግን፡ መእተዊ ትረኽበሉ ኣጋጣሚ ኣሎ ድዩ? ምኽንያቱ፡ ከምዚ ናይ መቆራቖሲ መኣዲ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ንስለ ድግስ፡ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ወይ ንህዝባዊ ርክባት (ፒ.ኣር) ኣሎ ንምባል፡ ዓመት ዓመት፡ ሎሚ ኣብዚ፡ ጽባሕ ኣብቲ ኣኼባ ተገብረ ኢልካ ክትርእዮ ከለኻ የሰክፍ እዩ።
እዚ ቀሊል ኣርእስቲ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኣብ ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ ጐደቦና እውን መጺእና ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ኢጋድ ተባሂሉ ክምስረት ከሎ፡ እዞም ኣርእስታት እዚኣቶም ሓደ ብሓደ እዩ ተዘሪቡሎም። ዋላ ብሰፊሑ ኣብ ኣፍሪቃ ክንሰርሕ እንተዘይከኣልና፡ ኣብዚ ዞባና እስከ ንተሓባበር ኢልና። ኣብ መወዳእታኡ ኢጋድ እንታይ ኮይኑ? ኣብ ክንዲ ንምትሕብባር ወይ ሓይሊ ንምድላብ፡ ንሓድሕድካ መዋቕዒ ወይ መዳኸሚ ተቐይሩ። ናይ ካልኦት ኣጀንዳታት መጋበርያ ኮይኑ። ሎሚ ኢጋድ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ እውን ኣይትኽእልን ኢኻ።
ስለ’ዚ ናብቲ መሰረትና ተመሊስና። ንሕና በይንና ኣብ ዓለም ተነጺልና ክንነብር ስለ ዘይንኽእልን ስለዘይብልናን፡ ጐደቦና ጥጡሕ ንኽኸውን ብዓቕምና ምቕሉል ኣበርክቶ ክንገብረሉ ክንክእል ኣለና። ኣብ ክንዲ ብልኡም ኣገባብ፡ ብንጥፈት ክንሰርሓሉ ክንክእል ኣለና።
እቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ግን፡ ናይ ብሓቂ ጎስጓሳት ክግበረሉ ዝግብኦ እዩ። ኣብ ነንበይኖም ኣጋጣሚታት ክለዓል ዘለዎ ጉዳይ እዩ። እዚ ገምጋም እዚ ካብ ተገብረ ከኣ፡ ስለምንታይ ከም ዕድል እውን ዘይንጥቀመሉ? ኣብዚ
ኵነታት ኢና ዘለና እሞ፡ ሃየ ሓቢርና ናብ ዝሓሸ መንገዲ ንኺድ ክትብል ክትክእል ኣለካ።
ክቡር ፕረዚደንት፡ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ጽገና ንኤርትራ ብኸመይ የርብሓ?
ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብ’ዚ ጐዶቦና ጥራይ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ሶማል፡ ጅቡቲ ናይ ገዛእ ርእስና ምትሕግጋዝ እንተ ንፈጥር፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣዝዩ ውጡር ኵነታት ክንብሎ እንኽእል ኣይምሃለወን። እቲ ሽዑ ዝበሃል ዝነበረ፡ ኣብ ምትሕግጋዝ፡ምክብባር ዝተመስረተ ናይ ሓባር ናይ ትሕተ-ቕርጺ መደባት ከነውጽእ፣ ዘቤታዊ ይኹን ዞባዊ ጽርግያታት ክህልዉና’ሞ፡ በዚ መንገዲ እውን ናይ ንግድ ንጥፈታትና ዝዓበየ ክኸውን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት እነውጽኦም ፖሊስታት፡ ኣብ ክንዲ ንበይንናን ነናትናን ጥራይ ንገብር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ነናትና ፖሊሲታት፡ ናይ ሓባር እውን ይህልዉና። እዚ ከባቢ ወይ ዞባ፡ ምስ ካልኦት ዞባታት ኣብ ዝህልዎ ዝምድና ዝሓሸ ናይ ምትሕግጋዝ ዕድላት ይፈጥር ዝብል እዩ። ከም’ቲ ኣቐዲምና ክንዛረበሉ ዝጸናሕና፡ ናይ ሕርሻ መደባትና፡ ካብ ደገ ምሽማት ጥራይ ድዩ ዘዋጽኣና ዋላ ንኽንሸይጥ ኢልና’ውን ክንሓስብ ኣለና? ዓቢ ጸጋ ኣለና ኢልና’ኳ እንተ ዘይተዛረብና፡ ነቲ ዘለና ዝወሓደ ጸጋታት’ውን ምቹእ ዕዳጋታት ክንፈጥረሉ ክንክእል ኣለና። ትሸጠሉን ትዕድገሉን ምቹእ ዕዳጋ ክህልወካ እንድሕሪ ኰይኑ፡ እቲ ባይታ ጥጡሕ ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ኩሉ ዓውድታት፡ ኣብ ናይ ጥዕና መደባት፡ ንዘጋጥሙሕማማትእንስሳታትሓቢርካ ኢኻ ትምክቶም። ዶባት መንደቕ ገይርካ ትዓጽዎ ነገር ኣይኰነን። ኣብ ትምህርቲ፡ ቴክኖሎጂ፡ ፍልጠት. . . ነንሕድሕድካ ትተሓባበረሉ ገፊሕ ዕድል ኣሎ። ኣብ’ዚ ዓውዲ’ዚ በይንና ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ረብሓ ከኣ፡ ስምዒታዊ ዘይኰነ፡ ሓደ ብሓደ ዘርዚርካ ክትፈልጦ ክትክእል ኣለካ። መራኸቢ ክህልወና ክኸእል ኣለዎ። ናይ ምድሪ፡ ናይ ባሕሪ፡ ናይ ኣየር፡ ጽርግያታትን እነውጽኦም ዝተፈላለዩ መደባትን፡ ናይ ሓባር ዕዳጋታት ክንፈጥረሎም ክንክእል ኣለና።
ሓደ ካብ’ቲ ኣብ መጀመርያ 90ታት ዝዝረበሉ ዝነበረ፡ ምስ ጎረባብትና ናይ ዝተፈላለዩ ፖሊስታት ውህደትን (Harmonization) ምስናይን እውን የገድሱና እዮም። እቲ ሓደ ዘውጸኦ ፖሊሲ ምስ’ቲ ካልእ ዘውጽኦ ነንሓድሕዱ ተራጻሚ እንተዀይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ክንፈጥሮ እንደሊ ዝምድና ኣይሕግዝን እዩ። እቶም ረብሓታት ዝበሃሉ መወዳእታ የብሎምን። ዓውዲ ብዓውዲ እንድሕሪ ተዛሪብካ፡ እቲ ናይ ሓባር ባይታ ምፍጣር ዘለዎ መኽሰባት መወዳእታ የብሉን። ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ቅሳነት እዩ። ብናትና ተመኩሮ እንተ ርኢናዮ፡ ተጻብኦ ከም ንቡር ወሲድና፡ ሰለስተ- ኣርባዕተ ወለዶታት ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ኣብ ውሽጢ እዚ 25 ዓመት፡ ኣድላይነት ዘይብሉ፡ ንናይ ካልኦት ኣጀንዳ ብዘገልግል ኣካይዳ፡ ኣብ ውሽጢ ሓድሕድና ክፍጠር ዝነበሮ ስኒት ዘይምፍጣሩ፡ ኣጥፊኡልና ዘሎ ዕድል ጥራይ እንተ ገምጊምናዮ፡ ብኡ መጠን መኽሰብና ክንግምግም ንኽእል ኢና።
ኣብ’ዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ዝዀነ ሓያል ቍጠባ ወይ ዓቕሚ ኣለኒ በይነይ ክነብር እኽእል እየ፡ ኢሉ ዝነብር የለን። ይትረፍዶ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤውሮጳ እተን ኣዝየን ምዕቡላትን ብቝጠባ ሓያላትን ዝበሃላ ሃገራት’ውን እንተዀነ፡ በይነን ክነብራ ኣይክእላን እየን። ናይ ኤውሮጳ ቅሉውላው ሓደ ብሓደ ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ። ዓለም ዓለም እዩ። ብኸምኡ ከኣ ኣፍሪቃ ኣፍሪቃ እዩ።
ነቲ ናይ እኩብ ረብሓ እትረኽበሉ ባይታን ሃዋሁውን ምፍጣር ከኣ ስምዒታዊ ጥራይ ኣይኰነን። ተጨባጢ መኽሰባት ኣለዎ። ብኸምኡ መጠን ንመኽሰባትካ ወይ ንዓኻ ዘርብሓካ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኻልኦት ዘርብሕ’ውን ዘይሩ-ዘይሩ ንዓኻ ስለ ዘርብሓካ፡ ናብ ከምኡ ዘይእተወሉ ምኽንያት የለን። ኣብ መበል 15 ክ/ዘመን ኣይኰንናን ዘለና። 21 ክ/ዘመን ስለ ዝዀነ፡ ምስ ካልኦት ሓቢርካ ናይ ምስራሕ፡ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ሎሚ ዝያዳ ተደላይነት ኣለዎ። ዓለም ከኣ ናብኡ ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብ’ዚ ወጻኢ ክንከይድ ኢና እንተ ተባሂሉ፡ ነውጺን ምንቛትን ዝፈጥር፡ ሰላም ዝኸልእ ኵነታት ጥራይ እዩ ዝመጽእ። ሕጂ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክንሰርሕ ግዴታ እዩ። Option ወይ ሕርያ ኣይኰነን።
ክቡር ፕረዚደንት፡ መስርሕ ህንጸት ሃገር ብዙሕ ማል፡ ጻዕሪ፡ ተጻዋርነት፡ መስዋእቲ ዝሓትት’ዩ። ተጻብኦ እንተ ተደሪብዎ ኸኣ መሊሱ ዝኸበደ እዩ ዝኸውን። ስለ’ዚ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ንኸምዚ ዓይነት ኩነት ብብቕዓት በዲሁ ራእይኡን ዕላማኡን ንምጭባጥ ክህልዎ ብዛዕባ ዝግባእ ባህልን ክብርታትን እንታይ ትብል? በዚ መንጽር ክረአ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓይሊ መኸትኡ ከመይ ይግምገም?
ክልተ እዩ እቲ መለክዒኡ፡ እቲ ዘቤታዊ ናይ ውሽጥኻ ወይ ባዕላዊ ሓይሊ እዩ። እቲ ካልእ ሓይሊ ኸኣ እቲ ብወድዓዊ ኩነታት ዝፍጠረልካ ሓይሊ ማለት’ዩ። ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ግዜ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ እንተ ርኢኻዮ፡ ስለምንታይ ተቓሊስና? መሰልና ስለ ዝተኸላእና፡ መሰልና ስለ ዝተነፍገና ክንቃለስ ናይ ግድን ነይሩ። ኣብ 50ታት ከመይ ኢሉ ማዕቢሉ? ቅድሚኡ ዝነበረ መድረኽ፡ ምናልባት ናቱ መግለጺታት ክትህበሉ ትኽእል ኢኻ። ግን መን ስለ ዝመሃረና ስለ ዘሰልጠነና ኢና ፖለቲካዊ፡ ባህላዊን ካልኦትን ብድሆታት ክንሰግር ዝኸኣልና። ንዘቤታዊ ወይ ባዕላዊ ዓቕምና ዘሐየሎ፡ እቲ ናይ ደገ ምንፋግ ናይ መሰልና ይኹን ናይ ምጭፍላቕ መደባት እዩ። መሰልና ክንንፈግ ምእንቲ ዝተገብረ ኩሉ ዓይነት ናይ ፖለቲካ ውዲታት ሓደ ብሓደ ትጽብጽብ። ንሱ እዩ ንቕሓት ፈጢሩ – ኣብ’ቲ ሰብ። ኣወዳድባ እውን ቀዲሑ ኣይኰነን ኣምጺኡዎ። ኣብ’ቲ ናይ ፈለማ ዓመታት ናይ ብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዋላ ኣብ’ቲ ካልኣይ መድረኽ፡ እቲ ጭፍለቓ፡ እቲ ናይ ደገ ኣጀንዳ እዩ ክንቃወም ዘኽኣለና።
ስርዓት ሃይለስላሴ ኣብ ዝነበረሉን ድሕሪኡ ወኪል ኣብ ዝመጽኣሉን፡ እቲ ኣመት ናይ’ቲ ምዕባለ ብኸመይ መንገዲ እዩ ሓይሊ ሂቡና እንድሕሪ ኢልካ፡ እቲ ብደገ ዝመጽእ ጸቕጢን ተጻብኦን ዝፈጠሮ ሓይሊ እዩ። ኣብ ዝዀነ ህዝቢ ጨፍሊቕካ ዝዀነ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ግን፡ ንግዜኡ ጥራይ እዩ። ን30 ዓመት ክንጓዓዝ ኢና ኢሉ መደብ ዘውጽአ ነይሩ ድዩ? ን30 ዓመት ድዩ ካልእ ዝፈልጦ’ውን ኣይነበረን። እቲ ነዚ ዝጸለወ ረቛሒታት – እቲ ዘይደኸመን ዘይሰልከየን ናይ ሓርነትን ናጽነትን ድልየት ናይ ህዝቢ እዩ። ወይጦታት ነይሮም፡ ሃሱሳት ናይሮም፡ ንህዝቢ ዝኸፋፍሉ ነይሮም. . . ዘይተፈተነ ነገር ኣይነበረን። ናይ’ቲ ህዝቢ ድልየት ግን ኣይደኸመን። ካብ ግዜ ናብ ግዜ በቲ ብድሆታት እናሓየለ፡ ኣብ 1991 በጺሕና ክንብል ንኽእል።
መሰረት ናይ ምህናጽ ሃገር፡ ሽዕኡ እምበር ኣብ 1991 ኣይኰነን ተጀሚሩ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት ዘካየድናዮ ናይ ህንጸት ፕሮግራማትና እንታይ ይመስል እንድሕሪ ኢልካ፡ ኣብ 91 ዝጀመረ ኣይኰነን። ሓደ ካብ’ቲ ንቕሓት ዘበገሰ፡ ኣብ’ቲ ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም ዝመጽአን ድሕሪኡ ዝሰዓበን ምዕባለታት እንተርኢናዮ፡ “እዛ ኤርትራ ናጽነት ክትወስድ የብላን። ምስ ናትና ስትራተጂካዊ ረብሓታት ኣየሳንን እዩ፡ ስለ’ዚ ጥብቆ ናይ ንሕና እንደልዮ ወኪል ስርዓት ክትከውን ኣለዋ. . .” እዩ ነይሩ እቲ ውሳነ። ከመይ ገይሮም ነዚ ፖለቲካዊ ውሳነ ወሲዶም – ስትራተጂካዊ ረብሓታቶም እንታይ’ዩ ካልእ ነገር እዩ። ከምኡ ክኸውን ምእንቲ ግን፡ ሃገር ክዓኑ ነይሩዎ። ወደብ፡ መስመር ባቡር፡ ተለፈሪካ. . . ዓንዩ። መግዛእቲ ጥልያን ንረብሓታቱ ኢሉ ዝመስረቶ ኩሉ ነገር ከም ዝዓኑ ተገይሩ። “እዚኣ ጥምይቲ ሃገር እያ፣ ተጸጊዓ እንተ ዘይኰይኑ ርእሳ ክኢላ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ. . .” ዝብል፡ ብዙሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ፖለቲካዊን ባህላዊን ጐስጓስ ዝተወሰኾ ዕንወት እዩ ተኻይዱ። እምበኣር እዚ ሎሚ ተሃኒጹ ዘሎ ህንጻታት መዓስ ተሰሪሑ እንተ ተባሂሉ፡ ሽዑ ዝተሰርሐ እዩ። እቲ ዕንወት፡ ነቲ ሰብ ዘመሓላልፎ ዝነበረ መልእኽቲ፡ “ድኻ ኢኻ ኣይትረብሕን ኢኻ – ዓቕሚ የብልካን ተጸጊዕካ ጥራይ ኢኻ ክትነብር ዘለካ – ተገዚእካ ኢኻ ክትነብር ዘለካ. . .” እዩ ነይሩ። እዚ ኹሉ ብዝፈጠሮ ኸኣ፡ ‘ኣለኹ ሓርነተይ ናጽነተይ ከረጋግጽ ኣለኒ። ድሕሪኡ ኸኣ ሃገረይ ክሃንጽ ኣለኒ” ይብል ነይሩ። ስለ’ዚ እቲ መሰረት ሕጂ ዝጀመረ ዘይኰነስ፡ ሽዕኡ’ዩ ተነጺፉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። እቲ መንደቕ ግን ብግብሪ ሕጂ እዩ ዝንደቕ ዘሎ።
ሰላሳ ዓመት ቀሊል ግዜ ኣይኰነን። ኣብኡ ዝተኸፍለ መስዋእቲ መዘና የብሉን። ብዓቕምን ብዝሕን ናይ’ቲ ሰብ እንተደኣ ርኢኻዮ፡ እቲ ኹሉ ኣጽዋርን ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ዝበሃል ሰራዊትን፡ በየናይ ተኣምር፡ በየናይ መንገዲ፡ ክምከት ተኻኢሉ ከመይ ገይሩ ናጽነት መጺኡ እንድሕር ኢልካ፡ ናይ ትማሊ ምዝጉብ ታሪኽ ስለዝዀነ ኣይተረሰዐን ኣሎ። ተበላሓትነት፡ ናይ መስዋእቲ ቅሩብነት፡ ተወፋይነት ናይ ህዝቢ ደማሚርካ እንተ ርኢኻዮ፡ መሰረት ናይ’ቲ ናጽነት ይኹን ሓርነት ክዉን ዝገበረ ሓይሊ፡ ድምር ናቱ እዩ። ሕጂ’ውን ሃገር ምህናጽ ቀሊል ነገር ኣይኰነን። እቲ ምናልባት ናቱ ተሪር ጐድንታት ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። መስዋእቲ፡ ተወፋይነት፡ ዓያይነት. . . ከኣ፡ ኣብ’ቲ ሰሪሖም ኣብ’ዚ ዘለናዮ ህንጸት’ውን ንሳቶም እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ሕጂ ዝያዳ ተደላይነት ይህልዎም ይኸውን። ምኽንያቱ፡ እቲ ተጻብኦ እንብሎ ትማሊ ዝመጽአ ሓድሽ ዘይኰነ ናቱ መቐጸልታ እዩ። ተጻብኦ ዓይነትን መልክዕን እናቐየረ እዩ መጺኡ። እዚ ኣቐዲምና ዝተዛረብናሉ ንባጤራ፡ ቁጠባ ንምድኻም ዝግበር ምውቕቓዕ እውን ምስኡ ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ናይ ደገ ወይ ግዳማዊ ብድሆ እንፈጥሮ መኸተ፡ ንምዕዋት እምበር ምእንቲ መኸተ ኢልና እንገብሮ ኣይኰነን። ምእንቲ ንዓና ክጥዕመና፡ ናጻ ሃገር ክንከውን፡ ሓርነትና ከነውሕስ፡ ሂወትና ከነመሓይሽ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንኽንምዕብል ቅድሚ ዝኣገረ ንዓና የድልየና። ከምኡ ከይከውን ምእንቲ ክዓግተና ወይ ክኽልክለና ንዝደለየ፡ መኪትና ክልተ ገጽ ዘለዎ ቃልሲ ኢና እነካይድ።
ተደጋጋሚ ክበሃል ዘለዎ “ዕየ – ስራሕ. . .” እዩ። ኣቋራጫት (Short cut) ዝበሃል የለን። ኣቋራጫት ኩሉ ግዜ ናብ ገደል እዩ ዝመርሕ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣቋራጫት ስለ ዘይሰርሕ፡ ቀደም ኣይተሓስበን ሕጂ’ውን ክሕሰብ ኣይክእልን እዩ። ኣራጢጥካ ሂወትካ ከተጸብቕን ከተመዓራሪን ኣይትኽእልን ኢኻ። ክትደክም ኣለካ፣ መነባብሮይ ከመሓይሽ እየ፡ ሃብቲ’ውን ክገብር እየ እንድሕሪ ኢልካ፡ እናሰዋእካ – እናቖጠብካ እዩ። ምሳሕ ወይ ድራር ገዲፍካ፡ ምዝናይ ገዲፍካ፡ ካብ ግዜ ምብኻን ድሒንካ ሰሪሕካ ናብራኻ ከተመሓይሽ ኣለካ። መስዋእቲ ብሂወትካ፡ ብደምካ፡ ብረሃጽካ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ክትረኽቦ ዝግበኣካ ዕረፍቲ፡ ቅሳነት፡ ራህዋ እናሰዋእካን እናደኸምካን ኢኻ ትሰርሕ። ናይ ቀደም ጥራይ ዘይኰነ፡ ናይ ሕጂ እውን፡ ናይ’ዚ ህዝቢ ፍሉይነት ዘረጋግጹ ተመኩሮታት ድምር ናይ ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ እዩ።
እዚ25ዓመትኣብካልእከባቢ ነይሩ እንተ ዝኸውን ምተኻእለዶ?
ንነብስኻ ምምጓስ ዘይኰነ፡ እዚ ህዝቢ’ዚ ሓይሉ መወዳእታ የብሉን። ግዜን ኩነታትን ክቕየር ከሎ፡ ማዕረ ማዕረኡ ነቶም ክብርታት ዓቂቡን ኣሰማሚዑን እዩ ክቕጽል ክኢሉ። ኣብ 25 ዓመት ዝተራእየ ብድሆታት ንምምካት፡ በቲ ቅድመኡ ዝነብረ መድረኽ ሓሊፍና እንተዘይንኸውን ኣይምኸኣልናዮን። ስለ’ዚ እቲ ኣብኡ ዝተጠቐምናሉ ብልሓት ክንድርብዮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣኺልዎ፡ ግዜኡ ሓሊፍዎ፡ ኣብ ሓደ ኩነታት ኣብቂዑ’ዩ. . . ኢልና ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ሽዑ ዝነበረ ዓይነት መስዋእቲ፡ ሕጂ መልክዕ ቀይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ -ግንኣሎ።ሽዑዝነበረጸግዒ ገዲፍካ ዝነውሐ ጉዕዞ ክትከይድ ድሉው ምዃን ሕጂ’ውን ኣሎ። እቲ መሰረት ዝዀነ ክብርታት ኩሉ ግዜ ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። መኣዝንካ ከየጥፋእካ ክውንነት ብግቡእ ፈሊጥካ፡ ናይ ብሓቂ እቲ ክትገብሮ ዘለካ ወይ ክትከፍሎ ዘለካ መስዋእቲ ፈሊጥካ፡ ብማዕሪኡ ውፉይ ኮይንካ፡ ሓጸርቲ ፍታሓት ከይደለኻ እንድሕሪ ሰሪሕካ፡ኣብ ዘይብጻሕ ነገር የለን።
ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ተማሂርናሉ ስለ ዝዀንና ክልተ ተመኩሮታት ኣለና። እቲ ንሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኸየደ ጉዕዞን መስርሕን ኣብኡ ዝተዋህለለ ተመኩሮን ክብርታትን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዘዋህለልናዮን ቀሊል ነገር ኣይኰነን። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ ኢናሕጂኣብዝሓሸቦታዘለና።ሕጂ ክንድ’ቲ ን25 ዓመታት ዝተጓዓዝናዮ ኣይኰናን ንኸይድ። ነዚ ዝመጽእ ዘሎ 5-10 ዓመታት ክንከይድ ኢልና እንድሕሪ ንሓስብ ኣለና ዀይንና፡ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ኣለና። ቀደም ሓንቲ ስጉምቲ ኣብ ሓንቲ ሰከንድ እንድሕሪ ንኸይድ ነይርና፡ ሕጂ ኣብ ሓንቲ ሰከንድ ሓሙሽተ ስጉምቲ ክንከይድ ንኽእል ኢና። ብጃህራ ዘይኰነ ብግብሪ። ከምኡ ንክኸውን ከኣ፡ እቲ ዘድልየና ምድላዋት ገይርና ንኸይድ ኣለና ማለት እዩ።
ክቡር ፕረዚደንት ስለ’ቲ ዝሃብካና ሰፊሕ መብርሂ፡ ብስምናን ብስም ኣንበብትን ነመስግነካ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ’ውን ኣብ ውሱን ኣርእስትታት ዘተኮረ ሕቶታት ሒዝና ክንምለስ ኢና የቐንየልና።